ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 መጋቢት ገጽ 14-19
  • ብቕንኣት ብምስባኽ፡ ንየሱስ ምሰሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብቕንኣት ብምስባኽ፡ ንየሱስ ምሰሎ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ፍቓድ የሆዋ ኣተኲሩ
  • ንትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኣቕሊቡሉ
  • ደገፍ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ተወኪሉ
  • ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ሒዙ
  • ካብ ኣገልግሎት ብኸመይ ዝያዳ ሓጐስ ትረክብ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ብፍቕሪ ተደሪኽካ ብቐጻሊ ስበኽ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ዘይንፈልጦ ነገራት ከም ዘሎ ብትሕትና ኣሚንና ንቀበል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ድለ
    መደብ ኣኼባ ወረዳ 2025-2026—ምስ ተወካሊ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 መጋቢት ገጽ 14-19

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 11

መዝሙር 57 ንዅሉ ዓይነት ሰብ ንስበኽ

ብቕንኣት ብምስባኽ፡ ንየሱስ ምሰሎ

“ጐይታ . . . በብኽልተ ገይሩ . . . ናብቲ ንሱ ዚኸዶ ዘበለ ኸተማን ቦታን ቀቅድሚኡ ለኣኾም።”—ሉቃ. 10:1።

ኣትኵሮ

ብቕንኣት ብምግልጋል ንየሱስ ክትመስለሉ እትኽእል ኣርባዕተ መገድታት።

1. ንህዝቢ የሆዋ ኻብ ዓለም ዚፈልዮም ሓደ ባህርይ እንታይ እዩ፧

ሓደ ኻብቲ ንናይ ሓቂ ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ዚፈልዮም ነገር፡ ኣብ ኣገልግሎት ዜርእይዎ ቕንኣትa እዩ። (ቲቶ. 2:14) ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ብዛዕባ ስብከት ውዕዉዕ ስምዒት ከይሓድረካ ይኽእል እዩ። ምናልባት፡ ከምቲ ሓደ ትጉህ ሽማግለ እተሰምዖ ይስምዓካ ይኸውን። ንሱ፡ “ሓድሓደ ግዜ፡ ንስብከት ዘሎኒ ድሌት ይቕህም እዩ” ኢሉ ይእመን።

2. ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣት ምዕቃብ ዜጸግመና ስለምንታይ እዩ፧

2 ናብ ስብከት ካብ ምውፋር፡ ኣብ ካልእ ዓይነት ቅዱስ ኣገልግሎት ምክፋል ብዝያዳ የሀንጥየና ይኸውን። ስለምንታይ፧ ቲኦክራስያዊ ህንጻታት ክንሃንጽን ክንጽግንን ከለና፡ ኣብ ዕዮ ረድኤት ክንሕግዝ ከለና፡ ወይ ንኣሕዋትና ኸነተባብዕ ከለና፡ ብኡብኡ ፍረና ኽንርእዮ ስለ እንኽእል፡ ጽቡቕ ከም ዝዓመምና ይስምዓና ይኸውን። ምስ ኣሕዋትና ኽንዓዪ ኸለና ኸኣ፡ ነቲ ኣብኡ ዚዓስል ሰላምን ፍቕርን ነስተማቕሮ ኢና፣ ነቲ እንገብረሎም ነገር ከም ዜማስዉሉ እውን ንፈልጥ ኢና። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና፡ ኣብ ሓደ ኽሊ ነዊሕ ዓመታት እኳ እንተ ሰበኽና፡ ብዙሕ ፍረ ኣይንረክብን ንኸውን። ወይ ድማ ንመልእኽትና ዘይቅበልዎ ሰባት የጓንፉና ይዀኑ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ መወዳእታ እናቐረበ ብዝኸደ መጠን፡ መልእኽትና ብብዙሓት ከም ዚጽላእ ንፈልጥ ኢና። (ማቴ. 10:22) እሞ ደኣ ንዕዮ ስብከት ዘሎና ቕንኣት ንምዕቃብ፡ ካብኡ ሓሊፍና እውን ንምዕዛዝ፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

3. ሉቃስ 13:6-9 ነቲ የሱስ ዝነበሮ ቕንኣት ከመይ ገይራ እያ ብምሳሌ እትገልጾ፧

3 ካብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌ፡ ብቕንኣት ብዛዕባ ምስባኽ ክንምሃር ንኽእል ኢና። የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ቕንኣቱ ኣይዘሓለን። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ንጥፈታቱ እናወሰኸ እዩ ኸይዱ። (ሉቃስ 13:6-9 ኣንብብ።) ከምቲ ፍረ ንዘይትፈሪ ኦም በለስ ኣብ ምዅስኳስ ሰለስተ ዓመት ዘሕለፈ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ፡ የሱስ ነቶም መብዛሕትኦም ጽቡቕ ምላሽ ዘይሃቡ ኣይሁድ ኣብ ምስባኽ ኣስታት ሰለስተ ዓመት እዩ ኣሕሊፉ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ እቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ በታ ኦም በለስ ተስፋ ዘይቈረጸ፡ የሱስ በቶም ሰባት ተስፋ ኣይቈረጸን፡ ኣገልግሎቱ እውን ኣየዛሕተለን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ልቢ ሰባት ንምትንካይ ጻዕርታቱ ኣሐየለ።

4. ካብቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት እንታይ ኣርባዕተ መዳያት ኢና ኽንምርምር፧

4 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሱስ ምናዳ ኣብቲ ኣብ ኣገልግሎቱ ዘሕለፎ ናይ መወዳእታ ሽዱሽተ ወርሒ ብኸመይ ቅንኣት ከም ዘርኣየ ኽንመያየጥ ኢና። (ሉቃ. 10:1) ካብ ትምህርቱ እንተ ተማሂርና፡ ንተግባራቱ እውን እንተ ቐዲሕና፡ ብቕንኣት ክንመላለስ ኢና። ሕጂ እምበኣር፡ የሱስ ኣብዚ ዚስዕብ ኣርባዕተ መዳያት ዝሓደጎ ኣብነት እስከ ንመርምር፦ (1) ኣብ ፍቓድ የሆዋ ኣተኲሩ፡ (2) ንትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኣቕሊቡሉ፡ (3) ደገፍ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ተወኪሉ፡ (4) ገሊኦም ከም ዚሰምዕዎ ብምትእምማን ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ሒዙ።

ኣብ ፍቓድ የሆዋ ኣተኲሩ

5. የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ከም ዘተኰረ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

5 የሱስ “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” ብቕንኣት ይሰብኽ ነበረ። ስለምንታይሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ዕዮ እዚ ኺዓዪ ይደልዮ ኸም ዝነበረ ይፈልጥ ነበረ። (ሉቃ. 4:43) ስለዚ፡ ህይወቱ ብቐዳምነት ኣብ ኣገልግሎት የተኵር ነበረ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ኣገልግሎቱ እውን እንተ ዀነ፡ “ኣብ ከከተማን ኣብ ቈቍሸትን” ይምህር ነበረ። (ሉቃ. 13:22) ንደቀ መዛሙርቱ እውን ሰበኽቲ ኪዀኑ ኣሰልጠኖም።—ሉቃ. 10:1።

6. ዕዮ ስብከት ምስ ካልእ ዕዮታትና ብኸመይ ይነጻጸር፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

6 ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ እቲ የሆዋን የሱስን ብቐዳምነት ክንዓይዮ ዚደልዩና ዕዮ እዩ። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) ዕዮ ስብከት ምስ ካልኦት ቲኦክራስያዊ ዕዮታት ብቐጥታ ይተኣሳሰር እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዚግበር ዕዮ ምእንቲ ኽንድግፍ ኢልና ኢና ኣብ ቲኦክራስያዊ ህንጻታት ወይ ኣብ ቤት-ኤል እነገልግል። ኣብ ዕዮ ረድኤት እንሳተፍ እውን ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ንምድጋፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናብ መንፈሳዊ ንጥፈታቶም፡ እንተላይ ናብ ዕዮ ስብከት ኪምለሱ ንምሕጋዝ እዩ። ኣገዳስነት ዕዮ ስብከት ምስ ተረድኣና፡ የሆዋ ኽንዓይዮ ዚደልየና ቐንዲ ዕዮ ምዃኑ እውን ምስ ዘከርና፡ ኣብ ኣገልግሎት ስሩዕ ተሳትፎ ንምግባር ክንለዓዓል ኢና። ኣብ ሃንጋሪ ዚነብር ያኖሽ ዝስሙ ሽማግለ፡ “ዝዀነ ይኹን ቲኦክራስያዊ ንጥፈት፡ ንዕዮ ስብከት ኪትክኦ ኸም ዘይክእል ኣይርስዖን እየ፣ እቲ ዕዮ እቲ ቐንዲ ዕዮና እዩ” ይብል።

ስእልታት፦ 1. ሓደ ሓው ኣብ ቲኦክራስያዊ ህንጸት ይዓዪ። 2. ካልእ ሓው ካብ ገዛኡ ወለንተኛ ዀይኑ ዕዮ ቤት-ኤል ይዓዪ። 3. ድሕርዚ፡ ክልቲኦም ኣሕዋት ብሓባር ናብ ኣገልግሎት ይወፍሩ።

ዕዮ ስብከት ሎሚ የሆዋን የሱስን ብቐዳምነት ክንዓይዮ ዚደልዩና ዕዮ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)


7. የሆዋ ብቐጻሊ ኽንሰብኽ ዚደልየና ስለምንታይ እዩ፧ (1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4)

7 ብዛዕባ ሰባት ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ ብምሓዝ፡ ንኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣት ከነሐይል ንኽእል ኢና። ንሱ ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ነቲ ብስራት ኪሰምዕዎን ኪቕበልዎን ይደሊ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4 ኣንብብ።) ነዚ ዕላማ ንምውቃዕ ከኣ፡ ነዚ ህይወት ዜድሕን መልእኽቲ ንሰባት ክንነግር ከለና ብዝያዳ ውጽኢታውያን ምእንቲ ኽንከውን የሰልጥነና እዩ። ንኣብነት፡ እታ ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር ዘርእስታ ብሮሹር፡ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ብምሕላን ዝርርብ ከነጀምረሉ እንኽእል ግብራዊ ሓሳባት ሒዛ ኣላ። ዋላ እውን ሰባት ሕጂ እንተ ዘይተቐበሉና፡ መወዳእታ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ቕድሚ ምምጻኡ ነቲ መልእኽቲ ንምቕባል ኣጋጣሚ ይኽፈተሎም ይኸውን። እቲ ሕጂ እንነግሮም ነገራት፡ ኣብ መጻኢ ስጕምቲ ኺወስዱ የለዓዕሎም ይኸውን። እንተዀነ ግና፡ ብቐጻሊ እንተ ሰቢኽና ጥራይ እዩ ኸምኡ ኪኸውን ዚኽእል።

ንትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ኣቕሊቡሉ

8. እቲ የሱስ ብዛዕባ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮ ፍልጠት ንኣጠቓቕማ ግዜኡ ብኸመይ ጸልይዎ፧

8 የሱስ፡ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ይርድኦ ነይሩ እዩ። ኣገልግሎቱ ኣብ ሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ከም ዜብቅዕ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዳን. 9:26, 27) ነቲ ብዛዕባ እቲ ዚሞተሉ ግዜን ኣማውታኡን ዚገልጽ ትንቢት እውን ይፈልጦ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 18:31-34) እቲ ዚፈልጦ ነገራት ድማ፡ ንኣጠቓቕማ ግዜኡ ይጸልዎ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ንምፍጻም ብቕንኣት እዩ ዚሰብኽ ነይሩ።

9. ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብቕንኣት ክንሰብኽ ዜለዓዕለና ስለምንታይ እዩ፧

9 ብዛዕባ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ርድኢት፡ ብቕንኣት ክንሰብኽ ኬለዓዕለና ይኽእል እዩ። እዚ ስርዓት እዚ ተሪፍዎ ዘለዎ ግዜ ሓጺር ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። እዚ ህሉው ኵነታትን ባህርያት ሰባትን ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልትታት እተነበዮ ነገር ከም ዜንጸባርቕ ኣይንስሕቶን ኢና። እቲ ሓይሊ ዓለም ዝዀነ ኣንግሎ-ኣመሪካ ምስ ሩስያን ተሓባበርታን ኪቀናቐን ክንርኢ ኸለና፡ እቲ ብዛዕባ ንጉስ ደቡብን ንጉስ ሰሜንን “ብግዜ መወዳእታ” ኸም ዚኸውን እተነግረሉ ትንቢት ይፍጸም ከም ዘሎ ነስተውዕል ኢና። (ዳን. 11:40) እቲ ሓይሊ ዓለም ዝዀነ ኣንግሎ-ኣመሪካ በቲ ኣብ ዳንኤል 2:43-45 ተገሊጹ ዘሎ ኣእጋር እዚ ምስሊ ኸም እተመሰለ እውን ንፈልጥ ኢና። ስለዚ፡ ኣብቲ ትንቢት ከም እተሓበረ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ መንግስቲ ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት ከም እተጥፍአን ንኣምን ኢና። እዚ ዅሉ ትንቢታት ኣብ ምንታይ ግዜ ኸም ዘለና ስለ ዚሕብረና፡ ብናይ ህጽጹነት መንፈስ ክንሰብኽ የለዓዕለና እዩ።

10. ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ንቕንኣትና ዜለዓዕሎ ብኸመይ እዩ፧

10 ኣብ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሰባት ብሃንቀውታ ኽንነግሮም እንደልዮ መልእኽቲ እውን ኣሎ። ኣብ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ እተገልግል ኬሪ፡ “እቲ የሆዋ ብዛዕባ ዝሓሸ መጻኢ ዘተስፈወና ልቢ ዚትንኪ ተስፋታት፡ ብዛዕባ ሓቂ ንሰባት ንምንጋር የለዓዕለኒ እዩ” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ጸገማት ዘለዎም ሰባት ክርኢ ኸለኹ፡ እዚ ተስፋታት እዚ ንዓይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዓታቶም እውን ከም ዝዀነ እግንዘብ እየ” ትብል። ኣብ ዕዮ ስብከትና ናይ የሆዋ ደግፍ ከም ዘሎና ኣብ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሓቢሩ ስለ ዘሎ፡ እዚ ትንቢታት እዚ ብቐጻሊ ኽንሰብኽ የለዓዕለና እዩ። ኣብ ሃንጋሪ እትነብር ለይላ፡ “ኢሳይያስ 11:6-9 ነቶም ነቲ ብስራት ዚቕበልዎ ዘይመስሉ ሰባት እኳ ኽሰብከሎም ተተባብዓኒ እያ። ብሓገዝ የሆዋ፡ ዝዀነ ሰብ ኪቕየር ከም ዚኽእል እፈልጥ እየ” ትብል። ኣብ ዛምብያ ዚነብር ክሪስቶፈር ዝስሙ ሓው ድማ፡ “ከምቲ ኣብ ማርቆስ 13:10 ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ፡ እቲ ብስራት ኣብ ብዘላ ዓለም ተዘርጊሑ ኣሎ፣ ኣነ እውን ነዚ ትንቢት እዚ ኣብ ምፍጻም እጃመይ ብምብርካተይ ክብሪ እዩ ዚስምዓኒ” ይብል። ንዓኻኸ እንታይ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ብቐጻሊ ኽትሰብኽ ዜለዓዕለካ፧

ደገፍ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ተወኪሉ

11. የሱስ ወትሩ ብቕንኣት ንምስባኽ፡ ኣብ ሓገዝ የሆዋ ኺውከል ዜድልዮ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ሉቃስ 12:49, 53)

11 የሱስ ወትሩ ብቕንኣት ንምስባኽ ኣብ ደገፍ የሆዋ እዩ ተወኪሉ። ብሜላ የገልግል እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብርቱዕ ክርክር ከም ዚፈጥርን ሓያል ተቓውሞ ኸም ዜምጽእን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ሉቃስ 12:49, 53 ኣንብብ።) መራሕቲ ሃይማኖት ብምኽንያት ስብከቱ ብተደጋጋሚ ኪቐትልዎ ፈቲኖም እዮም። (ዮሃ. 8:59፣ 10:31, 39) የሱስ ግና የሆዋ ምስኡ ኸም ዝዀነ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ስብከቱ ኣየቋረጸን። ስለዚ ድማ፡ “እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ምሳይ እዩ እምበር፡ ኣነ በይነይ [ኣይኰንኩን።] . . . ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ ስለ ዝገብር ከኣ፡ በይነይ ኣይሓድገንን እዩ” በለ።—ዮሃ. 8:16, 29።

12. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ተቓውሞ እናኣጋጠሞም ክነሱ ብቐጻሊ ኺሰብኩ ዘዳለዎም ብኸመይ እዩ፧

12 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ደገፍ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ኺውከሉ ኸም ዚኽእሉ ኣዘኻኺርዎም እዩ። መስጐጕቲ ኼጋጥሞም ከሎ የሆዋ ኸም ዚሕግዞም፡ ብተደጋጋሚ ኣረጋጊጹሎም እዩ። (ማቴ. 10:18-20፣ ሉቃ. 12:11, 12) ጥንቁቓት ኪዀኑ እውን ተማሕጺንዎም እዩ። (ማቴ. 10:16፣ ሉቃ. 10:3) መልእኽቶም ናብቶም ኪሰምዕዎም ዘይደልዩ ሰባት ንምብጻሕ ግዲ ኺብሉ ኸም ዘይብሎም ምሂርዎም እዩ። (ሉቃ. 10:10, 11) መስጐጕቲ እንተ ኣጋጢምዎም ኪሃድሙ እውን ነጊርዎም እዩ። (ማቴ. 10:23) የሱስ ብቕንኣት የገልግልን ኣብ የሆዋ ይውከልን እኳ እንተ ነበረ፡ ብዘየድሊ ግና ገዛእ ርእሱ ንሓደጋ ኣየቃልዐን።—ዮሃ. 11:53, 54።

13. የሆዋ ኸም ዚሕግዘካ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧

13 ሎሚ እውን ተቓውሞ እናኣጋጠመና ወትሩ ብቕንኣት ምእንቲ ኽንሰብኽ፡ ደገፍ የሆዋ የድልየና እዩ። (ራእ. 12:17) እሞ ደኣ የሆዋ ኸም ዚድግፈካ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧ ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 17 ተመዝጊቡ ዘሎ ጸሎት የሱስ እሞ ንርአ። ኣብኡ የሱስ ንየሆዋ፡ ንሃዋርያቱ ኺሕልዎም ለመኖ። የሆዋ እውን ነቲ ልማኖኡ መለሰሉ። እቶም ሃዋርያት መስጐጕቲ እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ብቕንኣት ከም ዝሰበኹ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ተመዝጊቡ ኣሎ። የሱስ ኣብቲ ናብ የሆዋ ዘቕረቦ ጸሎት፡ ነቶም ብስብከት እቶም ሃዋርያት ዚኣምኑ እውን ኪሕልዎም ለሚንዎ እዩ። እዚ ንዓኻ እውን ዜጠቓልል እዩ። የሆዋ ነቲ የሱስ ዘቕረቦ ጸሎት ሕጂ እውን ይምልሶ ኣሎ። እወ፡ ከምቲ ንሃዋርያት ዝሓገዞም ንዓኻ እውን ኪሕግዘካ እዩ።—ዮሃ. 17:11, 15, 20።

14. ወትሩ ብቕንኣት ክንሰብኽ ከም እንኽእል ከመይ ጌርና ኢና እንፈልጥ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

14 መወዳእታ እናቐረበ ብዝኸደ መጠን፡ ነቲ ብስራት ብቕንኣት ምስባኽ ብዝያዳ ኣጸጋሚ ዚኸውን እኳ እንተ ዀነ፡ ዜድልየና ዘበለ ደገፍ ግና ክንረክብ ኢና። (ሉቃ. 21:12-15) ከም የሱስን ከም ደቀ መዛሙርቱን፡ ሰባት ንምስማዕ ወይ ንዘይምስማዕ ኪውስኑ ኣጋጣሚ ንኸፍተሎም ኢና፣ ኣብ ዘየድሊ ኽርክር ግና ኣይንኣቱን ኢና። ዕዮና ኣብ እተቐየደሉ ዓድታት እኳ ኣሕዋትና ኣብ ብርታዐኦም ዘይኰነስ ኣብ የሆዋ ስለ እተወከሉ፡ ብቐጻሊ ብስራት ይሰብኩ ኣለዉ። የሆዋ ድማ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንኣገልገልቱ ሓይሊ ዝሃቦም፡ ሎሚ እውን እቲ ስብከት ንዕኡ ብዜዕግቦ ደረጃ “ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺፍጸም” ሓይሊ ይህበና እዩ። (2 ጢሞ. 4:17) ኣብ የሆዋ ኽሳዕ እተወከልካ፡ ወትሩ ብቕንኣት ክትሰብኽ ከም እትኽእል ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።

ብቕንኣት ዜገልግሉ ኣስፋሕቲ፡ ዕዮና ኣብ እተቐየደሉ ዓድታት እኳ፡ ብዛዕባ እምነቶም ይነግሩ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)b


ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ሒዙ

15. የሱስ ብዛዕባ ኣገልግሎቱ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

15 የሱስ ብዛዕባ ዕዮ ስብከት ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ እዩ ነይርዎ። እዚ ድማ ኣገልግሎቱ ብዉዕዉዕ መንፈስ ኪዓዪ ሓጊዝዎ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣጋ መወዳእታ 30 ድ.ክ.፡ ብዙሓት ሰባት ንስብከቱ ንምቕባል ተዳልዮም ከም ዝነበሩ ረኣየ፣ ንዓጺድ ምስ ዝቐረበ እኽሊ እውን ኣመሳሰሎም። (ዮሃ. 4:35) ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “እቲ እኽልስ ብዙሕ እዩ” በሎም። (ማቴ. 9:37, 38) ኣብ ካልእ ግዜ ድማ፡ “እቲ እኽልስ ብዙሕ እዩ፣ . . . ነቲ ጐይታ እኽሊ፡ ናብ እኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ ለምንዎ” ኢሉ ኣጕልሓሎም። (ሉቃ. 10:2) እምበኣር፡ ነቲ ብስራት ዚቕበሉ ሰባት ከም ዘለዉ ይኣምን ነበረ፣ ከምኡ ኺገብሩ ኸለዉ እውን ይሕጐስ ነበረ።—ሉቃ. 10:21።

16. እቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌታት ብዛዕባ ኣገልግሎት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ ዚሕብር ብኸመይ እዩ፧ (ሉቃስ 13:18-21) (ስእሊ እውን ርአ።)

16 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ብዛዕባ መልእኽቶም ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኺሕዙ መሃሮም፣ እዚ ድማ ብቕንኣት ኬገልግሉ ዜተባብዕ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ክልተ ኻብ ምሳሌታቱ እስከ ንርአ። (ሉቃስ 13:18-21 ኣንብብ።) ኣብ ሓደ ኻብ ምሳሌታቱ፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዜደንቕ መገዲ ኸም ዚሰፍሕን ኣመና ኸም ዚዓብን ንምብራህ፡ ብፍረ ኣድሪ ገይሩ መሃረ። እቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቑ ኸም ዚዝርጋሕን ብውሽጠ ውሽጢ ለውጥታት ከም ዚገብርን ንምብራህ እውን ምሳሌ ማይ ብሑቝ ተጠቕመ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ እቲ ዚሰብክዎ መልእኽቲ ዕዉት ከም ዚኸውን ኣረጋገጸሎም።

ብዙሓት ሰባት ኣብ ዚውሕዙሉ መገዲ ኣጋር፡ ክልተ ኣሓት ኣብ ጥቓ ዓረብያ ምስክርነት ደው ኢለን ኣለዋ። ብዙሓት ሰባት ቍሊሕ ከይበልወን ይሓልፉ።

ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ገሊኦም ሰባት ንስብከትና ኸም ዚቕበልዎ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ንሕዝ ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)


17. ብዛዕባ ኣገልግሎትና ኣወንታውያን ክንከውን ዜኽእለና እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧

17 ሎሚ ኣብ ብዘላ ዓለም እንታይ ይዕመም ከም ዘሎ ኣብ ግምት እንተ ኣእቲና፡ ብቕንኣት ንምስባኽ ንለዓዓል ኢና። ኣብ ዓዓመት ሚልዮናት ግዱሳት ሰባት ኣብ በዓል ዝኽሪ ይእከቡ ኣለዉ፣ ምሳና እውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይገብሩ ኣለዉ። ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት እውን ተጠሚቖም ኣብ ዕዮ ስብከት ይሓብሩና ኣለዉ። ብሕጂ ኽንደይ ተወሰኽቲ ሰባት ንዕዮ ስብከትና ኸም ዚቕበልዎ ኣይንፈልጥን ኢና። ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚድሕኑ ብዙሓት ህዝቢ ብየሆዋ ይእከቡ ኸም ዘለዉ ግና ንፈልጥ ኢና። (ራእ. 7:9, 14) እቲ ጐይታ እኽሊ፡ ግራውቲ ንዓጺድ ጻዕድዩ ኸም ዘሎ ይርኢ ኣሎ። ስለዚ፡ ንሕና ብቐጻሊ ንምስባኽ ዜኽእለና ጽቡቕ ምኽንያት ኣሎና።

18. ካልኦት ሰባት ብዛዕባና እንታይ ኪርእዩ ኢና እንደሊ፧

18 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም በቲ ብቕንኣት ዚገብርዎ ስብከት እዮም ዚልለዩ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ሰባት ትብዓት እቶም ሃዋርያት ምስ ረኣዩ፡ “ምስ የሱስ ከም ዝነበሩ . . . ኣለለይዎም።” (ግብ. 4:13) ንዓና እውን ኣብ ኣገልግሎት ኪዕዘቡና ኸለዉ፡ በቲ የሱስ ኣብ ኣገልግሎት ዝነበሮ ቕንኣት ከም እተጸሎና ኺርእዩ ኢና እንደሊ።

ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ንየሱስ ብምምሳል፡ ከመይ ጌርና ኢና ብቕንኣት ክንሰብኽ እንኽእል፧

  • ብዛዕባ ኣገልግሎት ዝነበሮ ኣረኣእያ

  • ኣብ የሆዋ ዝነበሮ ትውክልቲ

  • ንስብከት ዝነበሮ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ

መዝሙር 58 ንፈተውቲ ሰላም ንድለዮም

a መግለጺ ቓላት፦ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ “ቅንኣት” ኪብሃል ከሎ፡ ክርስትያናት ንየሆዋ ዜምልኹሉ ውዕዉዕ ስምዒትን ህንጥዮትን የመልክት።

b መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ኣብ እንዳ መዐደሊ ነዳዲ ንሓደ ሰብኣይ ብጥበብ ይምስክረሉ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ