ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ለካቲት ገጽ 25-27
  • ነቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ኣብ ፍትወት ርእሲ ዘተኰረ መንፈስ ንጸጎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ኣብ ፍትወት ርእሲ ዘተኰረ መንፈስ ንጸጎ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ፍትወት ርእስን ውዳሰ ርእስን ዘተኰረ መንፈስ ምእንቲ ኸይነማዕብል፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
  • ብዛዕባ ርእስኻ ኻብቲ ዚግብኣካ ኣዕዚዝካ ኣይትሕሰብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • የሆዋ ንትሑታት ኣገልገልቱ ኣኽቢሩ ይርእዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ናይ ሓቂ ትሕትና ኣማዕብል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • የሆዋ ኽብሩ ንትሑታት ይገልጸሎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ለካቲት ገጽ 25-27
ኣብ ሓደ ሆቴል፡ ሓደ እተቘጥዐ ሰብኣይ ንሓንቲ ተቐባሊት ጋሻ ብምስትንዓቕ ይዛረባ። ኣብ ድሕሪኡ ዓማዊል ይጽበዩ ኣለዉ።

ነቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ኣብ ፍትወት ርእሲ ዘተኰረ መንፈስ ንጸጎ

ኣብ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ፍሉይ መሰል ኪውሃቦም፡ ሓለፋ ኺግበረሎም፡ ወይ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ኺግበረሎም ከም ዚደልዩስ ኣስተብሂልካዶ፧ ብዙሕ ነገር ረኺቦም ኬብቅዑ፡ ዝያዳ ኸም ዚግብኦም እዮም ዚኣምኑ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ፡ ኣብቲ መለለዪ ናይ ዳሕሮት መዓልትታት ዝዀነ ፍትወት ርእስን ዘይምምስጋንን ዝሰረተ እዩ።—2 ጢሞ. 3:2።

ካብ ቀደም ኣትሒዞም ፈተውቲ ርእሶም ዝዀኑ ሰባት ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ ኣዳምን ሄዋንን ባዕሎም ጽቡቕን ክፉእን ኪመርጹ ወሰኑ፣ እዚ ድማ ሕማቕ ሳዕቤን ኣስዓበ። ድሕሪ ዘመናት ከኣ፡ ዑዝያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ዕጣን ኪዓጥን መሰል ዘለዎ ዀይኑ ተሰምዖ፣ በዚ ኸምዚ ግና ዓብዪ ጌጋ እዩ ፈጺሙ። (2 ዜና 26:18, 19) ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን እውን ዘርኢ ኣብርሃም ስለ ዝዀኑ ጥራይ ፍሉይ ሞገስ ኣምላኽ ከም ዚግብኦም ኣመኑ።—ማቴ. 3:9።

ፈተውቲ ርእሶም ብዝዀኑን ርእሰ ውዳሰ ብዚደልዩን ሰባት ኢና ተኸቢብና ዘለና፣ ኣረኣእያኦም ከኣ ኪጸልወና ይኽእል እዩ። (ገላ. 5:26) ፍሉይ መሰል ኪህልወና ኸም ዘለዎ፡ ወይ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ኺግበረልና ኸም ዚግባእ ምሕሳብ ክንጅምር ንኽእል ኢና። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኸነወግዶ እንኽእል፧ ቅድም ቀዳድም፡ ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ ኽንሕዝ ኣሎና። ኣብዚ መዳይ ድማ፡ ክልተ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።

የሆዋ እንታይ ከም ዚግብኣና ይውስን። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ፦

  • ኣብ ስድራ ቤት፡ ሰብኣይ ካብ ሰበይቱ ኣኽብሮት ይደሊ እዩ፣ ሰበይቲ ድማ ካብ ሰብኣያ ፍቕሪ ትደሊ እያ። (ኤፌ. 5:33) ኣብ መንጎ ኣንጻር ጾታ ዚህሉ ዓይነት ፍቕሪ፡ ኣብ ሰብ ሓዳር ጥራይ እዩ ኺሕጸር ዚግባእ። (1 ቈረ. 7:3) ወለዲ ኻብ ውሉዳቶም ተኣዛዝነት ይጽበዩ እዮም፣ ውሉዳት ድማ ካብ ወለዶም እኹል ፍቕርን ደገፍን ኪረኽቡ ይግባእ።—2 ቈረ. 12:14፣ ኤፌ. 6:2።

  • ኣብ ጉባኤ፡ እቶም ብትግሃት ዚሰርሑ ሽማግለታት ኣኽብሮት ይግብኦም እዩ። (1 ተሰ. 5:12) ኰይኑ ግና፡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኪጕይተቱ መሰል የብሎምን።—1 ጴጥ. 5:2, 3።

  • ኣምላኽ ንሰብኣውያን መንግስትታት ካብ ተገዛእቶም ግብሪ ኺጠልቡን ክብሪ ኺረኽቡን መሰል ሂብዎም እዩ።—ሮሜ 13:1, 6, 7።

የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኻብቲ ዚግብኣና ንላዕሊ ይህበና እዩ። ሓጢኣት ስለ ዝወረስና፡ ሞት ጥራይ እዩ ዚግብኣና ነይሩ። (ሮሜ 6:23) ኰይኑ ግና፡ የሆዋ በቲ ብተኣማንነት ዜርእየና ፍቕሩ ተደሪኹ ብዙሕ በረኸት ሂቡና ኣሎ። (መዝ. 103:10, 11) ኵሉ እቲ ኻብኡ እንረኽቦ በረኸት ወይ ፍሉይ መሰል ስለ ዚግብኣና ዘይኰነስ፡ ብጸጋኡ ኢና እንረኽቦ።—ሮሜ 12:6-8፣ ኤፌ. 2:8።

ኣብ ፍትወት ርእስን ውዳሰ ርእስን ዘተኰረ መንፈስ ምእንቲ ኸይነማዕብል፡ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ኣረኣእያ ዓለም ከይጸልወካ ተጠንቀቕ። ከይተፈለጠና ሓለፋ ኻልኦት ከም ዚግብኣና ጌርና ኽንሓስብ ንኽእል ኢና። የሱስ ብምሳሌ እቶም ሓሓደ ዲናር ዚኽፈሉ ሰብ ውዕለት ኣቢሉ፡ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኸመይ ገይሩ ብቐሊሉ ኺምዕብል ከም ዚኽእል ኣርእዩ እዩ። ገሊኦም ካብቶም ሰብ ውዕለት ኣንጊሆም ስራሕ ጀመሩ፣ ኣብ ትሕቲ ብርትዕቲ ጸሓይ ድማ ኪዓይዩ ወዓሉ። ገሊኦም ግና፡ ሓንቲ ሰዓት ጥራይ ሰርሑ። እቶም ቀዳሞት ጕጅለ ኸኣ ብዙሕ ስለ ዝዓየዩ፡ ዝያዳ ዓስቢ ዚረኽቡ መሰሎም። (ማቴ. 20:1-16) የሱስ በዛ ምሳሌ እዚኣ ኣቢሉ፡ ሰዓብቱ በቲ ኻብ ኣምላኽ ዚውሃቦም ዘበለ ኺዓግቡ ኸም ዘለዎም ሓበረ።

ሓደ ኻብቶም ኣብታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ እተጠቕሱ ሰብ ውዕለት ነቲ ብዓል ቤት መረረኡ ይገልጸሉ።

እቶም ምሉእ መዓልቲ ዝዓየዩ ሰብ ውዕለት፡ ዝያዳ ዓስቢ ዚቕበሉ መሰሎም

ኣመስጋኒ ደኣ ኹን እምበር፡ ይግብኣኒ በሃሊ ኣይትኹን። (1 ተሰ. 5:18) ንሃዋርያ ጳውሎስ ምሰሎ፣ ንሱ ስጋዊ ደገፍ ንምርካብ መሰል እናሃለዎ ኽነሱ፡ ካብቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣሕዋቱ ኸምኡ ኣይሓተተን። (1 ቈረ. 9:11-14) ንዅሉ እቲ ዚውሃበና በረኸት ከነማስወሉ ደኣ እዩ ዘሎና እምበር፡ ‘ይግብኣኒ እዩ’ ኢልና ኽንሓስብ የብልናን።

ሃዋርያ ጳውሎስን ክልተ ሰብኡትን ብሓባር ድንኳን ይሰፍዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ ስጋዊ ደገፍ ኪግበረሉ ኣይሓተተን

ትሕትና ኣማዕብል። ሓደ ሰብ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ዚሓስብ እንተ ዀይኑ፡ ካብቲ ዘለዎ ንላዕሊ ኸም ዚግብኦ ኺመስሎ ይኽእል እዩ። ትሕትና ነዚ መርዛም ኣተሓሳስባ እዚ ትፍውሰልና እያ።

ስእልታት፦ 1. ነብዪ ዳንኤል ብዕድመ ምስ ደፍአ። 2. ጥንታዊት ከተማ ባቢሎን። 3. ነብዪ ዳንኤል ብንእስነቱ ምስቶም ሰለስተ እብራውያን ብጾቱ።

ነብዪ ዳንኤል ብትሕትና ስለ እተመላለሰ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ፍቱው ኰነ

ነብዪ ዳንኤል ሰናይ ኣብነት ትሕትና ይዀነና እዩ። እተወልደሉ ቤተ ሰብን ጽቡቕ ትርኢቱን ኣእምሮኣዊ ብልሓቱን ካልእ ክእለታቱን፡ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ወይ ፍሉይ መሰል ከም ዚግብኦ ገይሩ ኸም ዚሓስብ ኪገብሮ ምኸኣለ ነይሩ። (ዳን. 1:3, 4, 19, 20) ይኹን እምበር፡ ዳንኤል ብትሕትና ተመላለሰ፣ ሳላ እዛ ባህርይ እዚኣ ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ፍቱው ኰነ።—ዳን. 2:30፣ 10:11, 12።

እምበኣር፡ ነቲ ሎሚ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ሰፊኑ ዘሎ ኣብ ፍትወት ርእስን ኣብ ውዳሰ ርእስን ዘተኰረ መንፈስ ንንጸጎ። ኣብ ክንዳኡስ፡ በቲ የሆዋ ብጸጋኡ ዚህበና በረኸት ንተሓጐስ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ