ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp25 ቍ. 1 ገጽ 3
  • ዜስካሕክሕ ሳዕቤናት ውግእ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዜስካሕክሕ ሳዕቤናት ውግእ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ወተሃደራት
  • ሲቭል
  • ውግእን ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትን እናሃለወ ኽነሱ ሰላም ምርካብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2025
  • ውግእ ዩክረይን ካልኣይ ዓመቱ ሒዙ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተስፋ ይህብ፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ትሪልዮናት ኣብ ውግእ ይውዕል ኣሎ—ብሓቂ ኽንደይ ወጻኢታት እዩ ዚወጽእ ዘሎ፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ውግእን ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትን ንዅላትና ዚጸልወና ብኸመይ እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2025
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2025
wp25 ቍ. 1 ገጽ 3
ስእልታት፦ 1. ላዕላዋይ ገጽ ሓደ ወተሃደር ጥራይ ዜርኢ እተቐደ ስእሊ። 2. ላዕላዋይ ገጽ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ጥራይ ዜርኢ እተቐደ ስእሊ።

ዜስካሕክሕ ሳዕቤናት ውግእ

ካብቲ ሰባት ዜሕልፍዎ ዝኸፍአ ነገራት፡ ውግእን ዓመጻ ዝመልኦ ግጭትን እዩ። ውግእ ብዜስዕቦ ዜሕዝን ሳዕቤናት ብቐንዱ ዚጕድኡ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ወተሃደራትን ሲቭልን እዮም።

ወተሃደራት

“ኣዝዩ ሓደገኛ ፍጻመታት፡ ማለት ህይወት ዚቕይር መጕዳእቲ ወይ ሞት ኬጋጥም ትርኢ ኢኻ። ፈጺሙ ውሕስነት ኣይስምዓካን እዩ።”—ጌሪ፡ ብሪጣንያ።

“ኣብ ሕቘይን ገጸይን ብጥይት ተወቒዐ፣ ብዙሓት እተቐትሉ፡ እንተላይ ቈልዑን ብዕድመ ዝደፍኡን ርእየ እየ። ውግእ ስምዒት ኣልቦ እዩ ዚገብረካ።”—ዊልማር፡ ኮሎምብያ።

“ኣብ ቅድሜኻ ሰብ ብጥይት ኪውቓዕ ምስ እትርኢ፡ እቲ ምስሊ ፈጺሙ ኻብ ኣእምሮኻ ኣይጠፍእን እዩ። ኣውያቱ፡ ብኽያቱ፡ ኰታስ ኵሉ ነገሩ ኽትርስዖ ኣይትኽእልን ኢኻ።”—ዛፊራ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ።

ሲቭል

“ድሕሪ እዚ ፈጺመ ኽሕጐስ ከም ዘይክእል እዩ ተሰሚዑኒ ነይሩ። ብዛዕባ ህይወትካ ትፈርህ ኢኻ፡ ልዕሊኡ ግና፡ ብዛዕባ ህይወት ስድራ ቤትካን ፈተውትኻን ኣዚኻ ኢኻ እትሰግእ።”—ኦለክሳንድራ፡ ዩክረይን።

“ካብ ሰዓት 2:00 ናይ ለይቲ ኽሳዕ ሰዓት 11:00 ድ.ቐ. ምግቢ ንምርካብ ሪጋ ኽትሕዝ ከለኻ ብራርያ ጥይት ከይወቕዓካ ስለ እትሰግእ ትፈርህ ኢኻ።”—ዳለር፡ ታጂክስታን።

“ብምኽንያት ውግእ ዘኽታም ኰይነ እየ። ስለዚ፡ ዚሓልየለይን ዜጸናንዓንን ኣይነበረን።”—ማሪ፡ ሩዋንዳ።

እቶም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ፡ ዜሕዝን ሳዕቤናት ውግእ እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ ሰላም ግና ረኺቦም እዮም። ብዘይካዚ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ውግእን ዓመጻ ዚመልኦ ግጭትን ከም ዜኽትም ርግጸኛታት ኰይኖም እዮም። እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒማ እዚ ብኸመይ ከም ዚኸውን ክትገልጸልና እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ