ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w24 መጋቢት ገጽ 8-13
  • ድሕሪ ጥምቀት ንየሱስ ‘ብቐጻሊ ስዓቦ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ድሕሪ ጥምቀት ንየሱስ ‘ብቐጻሊ ስዓቦ’
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መከራን ፈተናን እናኣጋጠመካ ኽነሱ፡ ንየሱስ ‘ብቐጻሊ ስዓቦ’
  • ከመይ ጌርካ ኢኻ ንየሱስ ብቐጻሊ እትስዕቦ፧
  • “ብቐጻሊ ርእስኹም ፈትኑ፡ ብቐጻሊ ርእስኹም መርምሩ”
  • ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፊ ተዳሊኻ ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ትርጉምን ኣገዳስነትን ጥምቀት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ናብ ጥምቀት ንምብጻሕ ጽዓር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • የሆዋ “ህያው ኣምላኽ” ምዃኑ ዘክር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
w24 መጋቢት ገጽ 8-13

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 10

መዝሙር 13 ክርስቶስ ኣርኣያና

ድሕሪ ጥምቀት ንየሱስ ‘ብቐጻሊ ስዓቦ’

“ንዅላቶም ከኣ ከምዚ በሎም፦ ‘ኪስዕበኒ ዚደሊ ዘበለ፡ ርእሱ ቐቢጹ፡ መዓልቲ መዓልቲ ጕንዲ ስቅያቱ ኣልዒሉ፡ ብቐጻሊ ይስዓበኒ።’”—ሉቃ. 9:23።

ኣትኵሮ

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቶም ብዛዕባ ትርጉም ወፈያና እንሓስብ ዘበልና ዅላትና ኽትሕግዘና ትኽእል እያ። ብሕልፊ ግና፡ ነቶም ኣብ ቀረባ ግዜ እተጠምቁ ዘበሉ ብተኣማንነት ምእንቲ ኺመላለሱ ኽትሕግዞም ትኽእል እያ።

1-2. ሓደ ሰብ ድሕሪ ጥምቀቱ እንታይ በረኸት እዩ ዚረክብ፧

ተጠሚቕካ ኽፍሊ ስድራ ቤት የሆዋ ምዃን ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ። እቶም ነዚ ፍሉይ መሰል እዚ ዝረኸቡ፡ ምስቲ ዳዊት እቲ ዘማሪ፡ “[ኦ የሆዋ፡] እቲ ኣብ ኣጸዳትካ ኺነብር እትሓርዮን እተቕርቦን ሕጉስ እዩ” ብምባል እተዛረቦ ቓላት ይሰማምዑ እዮም።—መዝ. 65:4።

2 የሆዋ ንማንም ሰብ ኣይኰነን ናብ ኣጸዳቱ ዜእቱ። ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ ነቶም ምስኡ ናይ ቀረባ ርክብ ኪህልዎም ዚደልዩ ሰባት እዩ ዚሓሪ። (ያእ. 4:8) ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፍን ክትጥመቕን ከለኻ፡ ንየሆዋ ብፍሉይ መገዲ ኢኻ እትቐርቦ። ንሱ ድማ ድሕሪኡ ‘ሓንቲ እኳ ኽሳዕ ዘይጐድለካ በረኸት ኬፍስሰልካ እዩ።’—ሚል. 3:10፣ ኤር. 17:7, 8።

3. ርእሶም ወፍዮም እተጠምቁ ክርስትያናት እንታይ ከቢድ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧ (መክብብ 5:4, 5)

3 ልክዕ እዩ፡ ጥምቀት ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ጥራይ እዩ። ነዚ ስጕምቲ እዚ ድሕሪ ምውሳድካ፡ ዋላ እውን ኣብ ትሕቲ ፈተናታት ምስ መብጽዓ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ንምንባር ዚከኣለካ ትገብር ኢኻ። (መክብብ 5:4, 5 ኣንብብ።) ወደ መዝሙር የሱስ ስለ ዝዀንካ፡ ኣብነት የሱስ ትስዕብ፡ ትእዛዛቱ እውን ብእተኻእለካ መጠን ትሕሉ ኢኻ። (ማቴ. 28:19, 20፣ 1 ጴጥ. 2:21) እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ከምኡ ንምግባር ክትሕግዘካ እያ።

መከራን ፈተናን እናኣጋጠመካ ኽነሱ፡ ንየሱስ ‘ብቐጻሊ ስዓቦ’

4. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ “ጕንዲ ስቅያት” ይስከሙ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ሉቃስ 9:23)

4 ድሕሪ ጥምቀት፡ ካብ ጸገም ናጻ ዝዀነ ህይወት ኣይኰንካን እትመርሕ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ጕንዲ ስቅያት” ከም ዚስከሙ ንጹር ገይሩሎም እዩ። ነዚ ድማ፡ “መዓልቲ መዓልቲ” እዮም ዚገብርዎ። (ሉቃስ 9:23 ኣንብብ።) ከምዚ ኺብል ከሎ ግና፡ ህይወቶም መከራ ዚመልኦ እዩ ማለቱ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን። በረኸት ዚረኽቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ ጸገማት እውን ከም ዜጓንፎም እዩ ዜጕልሕ ነይሩ። ገለ ኻብዚ ጸገማት ድማ፡ ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—2 ጢሞ. 3:12።

5. የሱስ ነቶም መስዋእቲ ዚኸፍሉ ዘበሉ እንታይ በረኸት እዩ ኣተስፍይዎም፧

5 ምናልባት ካብ ኣባላት ስድራ ቤትካ ተቓውሞ ኣጋጢሙካ ይኸውን። ወይ ከኣ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንምቕዳም፡ ገሊኡ ስጋዊ ነገራት መስዋእቲ ጌርካ ትኸውን። (ማቴ. 6:33) ከምኡ እንተ ጌርካ፡ የሆዋ ነቲ ብተኣማንነት ዝገበርካዮ ግብሪ ኸም ዘይርስዖ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ። (እብ. 6:10) እቲ የሱስ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ እተዛረቦ ቓላት እውን ኣብ ህይወትካ ርኢኻዮ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ፦ “ምእንታይን ምእንቲ ብስራትን ኢሉ፡ ቤት፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ውሉዳት፡ ወይ ግራውቲ ዝሓደገ ዘበለ፡ ሕጂ ኣብዚ እዋን እዚ 100 ዕጽፊ ኣባይትን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣዴታትን ውሉዳትን ግራውትን ምስ መስጐጕቲ፡ ኣብቲ ዚመጽእ ስርዓት ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን።” (ማር. 10:29, 30) ስለዚ፡ እቲ ዝረኸብካዮ በረኸት ካብቲ ዝኸፈልካዮ መስዋእቲ ኣጸቢቑ ይዓቢ እዩ።—መዝ. 37:4።

6. ድሕሪ ጥምቀት እውን እንተ ዀነ፡ ስለምንታይ ኢኻ ምስ “ትምኒት ስጋ” ኽትቃለስ ዘሎካ፧

6 ምስ “ትምኒት ስጋ” ዘሎካ ቓልሲ፡ ድሕሪ ጥምቀት ኣየብቅዕን እዩ። (1 ዮሃ. 2:16) ስለምንታይሲ፡ ገና ሓጥእ ዘርኢ ኣዳም ኢኻ። ሓድሓደ ግዜ፡ ከምቲ ንሃዋርያ ጳውሎስ እተሰምዖ ዓይነት ስምዒት ይስምዓካ ይኸውን። ንሱ ኸምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ብውሽጠይሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ደስ ይብለኒ እዩ፣ ግናኸ፡ ኣብ ሰብነተይ ምስ ሕጊ ኣእምሮይ ዚዋጋእን ናብቲ ኣብ ሰብነተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉ ዚማርኸንን ካልእ ሕጊ እርኢ ኣለኹ።” (ሮሜ 7:22, 23) ስለዚ፡ በቲ ምስ ግጉይ ትምኒታት ዘሎካ ቓልሲ ትጕሂ ትኸውን። እንተዀነ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፊ ኸለኻ ዝኣቶኻዮ መብጽዓ እንተ ሓሲብካ፡ ነቲ ምስ ፈተና ንምቕላስ ዝገበርካዮ ቘራጽነት ከተደልድሎ ትኽእል ኢኻ። ከም ሓቂ፡ ፈተናታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ መብጽዓ ወፈያኻ ንህይወትካ ቐሊል ኪገብረልካ ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧

7. ርእስኻ ንየሆዋ ብምውፋይ እትወስዶ ስጕምቲ፡ ንዕኡ እሙን ኴንካ ኽትመላለስ ዚሕግዘካ ብኸመይ እዩ፧

7 ህይወትካ ንየሆዋ ኽትውፊ ኸለኻ፡ ርእስኻ ኢኻ እትቐብጽ። እዚ ኸኣ ነቲ ንየሆዋ ባህ ዘየብሎ ብሕታዊ ትምኒታትካን ሸቶታትካን ትሓድጎ ማለት እዩ። (ማቴ. 16:24) ስለዚ፡ ፈተና ኼጋጥመካ ኸሎ እንታይ ከም እትገብር ክትሓስብ ኣየድልየካን እዩ። ብዘይካ እቲ ንየሆዋ ዘሎካ ተኣማንነት፡ ንዅሉ ኻልእ ኣማራጺታት ዓጺኻዮ ኢኻ። ንየሆዋ ባህ ምእንቲ ኸተብሎ ኢልካ ድማ፡ ጸኒዕካ ኢኻ እትቐውም። ኣብዚ መዳይ እዚ ኸም እዮብ ትኸውን ማለት እዩ። ንሱ ኸቢድ ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ብቘራጽነት “ክሳዕ ሞተይ ንጽህናይ ኣይሓድግን እየ!” ኢሉ እዩ።—እዮ. 27:5።

8. ብዛዕባ እቲ ርእስኻ ኽትውፊ ኸለኻ ዝጸለኻዮ ጸሎት ምስትንታን፡ ፈተና ኽትቃወም ዚሕግዘካ ብኸመይ እዩ፧

8 ብዛዕባ እቲ ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፊ ኸለኻ ዝጸለኻዮ ጸሎት ብምስትንታን፡ ዝዀነ ፈተና ንምቅዋም ዜኽእል ብርታዐ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ምስ ዘይመጻምድትኻ ኽትኳሸም ምጀመርካዶ፧ ኣይፋልን! ነዚ ነገር እዚ ኸም ዘይትገብሮ ኣቐዲምካ ወሲንካ ኢኻ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ዘይግቡእ ትምኒታት ሱር ድሕሪ ምስዳዱ ኣይኰንካን ምስኡ ኽትቃለስ እትጅምር። የግዳስ፡ ብኣጋኡ ኢኻ ኻብ ‘መገዲ እኩያት እተልግስ።’—ምሳ. 4:14, 15።

9. ብዛዕባ እቲ ጸሎት ወፈያኻ ምስትንታን፡ ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ቀዳምነት ክትህብ ዚሕግዘካ ብኸመይ እዩ፧

9 ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብስሩዕ ክትእከብ ዘየኽእል ስራሕ እንተ ቐሪቡልካኸ፧ እንታይ ከም እትገብር መሸም ትፈልጥ ኢኻ። እዚ ሕቶ እዚ ቕድሚ ምቕራቡ ንኸምዚ ዓይነት ስራሕ እንታይ ምላሽ ከም እትህብ ወሲንካ ኢኻ። ስለዚ፡ ሕማቕ ውሳነ ድሕሪ ምግባርካ፡ ንዕኡ ኸተጸባብቖ ላዕልን ታሕትን ኣይኰንካን እትብል። ነቲ የሱስ፡ ንኣቦኡ ባህ ንምባል ዝነበሮ ቘራጽነት ብምዝካር፡ ነቲ ርእስኻ ዝወፈኻሉ ኣምላኽ ዜጕህዮ ዝዀነ ይኹን ነገር ብቕልጡፍን ብጽኑዕን ኢኻ እትነጽጎ።—ማቴ. 4:10፣ ዮሃ. 8:29።

10. ድሕሪ ጥምቀት ‘ንየሱስ ብቐጻሊ ምእንቲ ኽትስዕቦ’ የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚሕግዘካ፧

10 መከራን ፈተናን፡ ንየሱስ ‘ብቐጻሊ ኽትስዕቦ’ ኸም ዝቘረጽካ ኸተርኢ ኣጋጣሚ ይህበካ እዩ። ከምኡ ኽትገብር ከለኻ፡ የሆዋ ኸም ዚሕግዘካ ተኣማመን። ምስዚ ብዚተሓሓዝ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ካብ ዓቕምኹም ንላዕሊ ኽትፍተኑ ኣይሓድገኩምን እዩ፣ የግዳስ፡ ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ምስቲ ፈተና መዋጽኦ ገይሩልኩም ኣሎ።”—1 ቈረ. 10:13።

ከመይ ጌርካ ኢኻ ንየሱስ ብቐጻሊ እትስዕቦ፧

11. ሓደ ኻብቲ ድሕሪ ጥምቀት ንየሱስ ብቐጻሊ እትስዕበሉ መገድታት እንታይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

11 የሱስ ብቕንኣት እዩ ዜገልግል ነይሩ፣ ብጸሎት ኣቢሉ እውን ምስ የሆዋ ዝነበሮ ናይ ቀረባ ርክብ ኪዕቅብ ክኢሉ እዩ። (ሉቃ. 6:12) ስለዚ፡ ድሕሪ ጥምቀትካ ሓደ ኻብቲ ንየሱስ ክትስዕበሉ እትኽእል ብሉጽ መገድታት፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ኽትቀርቦ ዜኽእለካ ልማድ ምምዕባል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “በቲ በጺሕናዮ ዘለና መጠን፡ ብሓደ መገዲ ብስርዓት ንመላለስ” ይብል። (ፊል. 3:16) ቅዱስ ኣገልግሎቶም ንምስፋሕ ብዛዕባ ዝጸዓሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ዚገልጽ ተመክሮታት ብተደጋጋሚ ኽትሰምዕ ኢኻ። ምናልባት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ተማሂሮም፡ ወይ ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልይሉ ቦታ ግዒዞም ይዀኑ። ኵነታትካ ዚፈቕደልካ እንተ ዀይኑ፡ እዚ ጽቡቕ ሸቶ እዩ። ህዝቢ የሆዋ ኣገልግሎቶም ንምስፋሕ ብርቱዕ ድሌት ኣለዎም። (ግብ. 16:9) ሕጂ ኸምኡ ኽትገብር ዘይትኽእል እንተ ዄንካኸ፧ ካብቶም ዚኽእሉ ዝነኣስካ ዀይኑ ኺስምዓካ የብሉን። ክርስትያናዊ ቕድድም ናይ ተጻዋርነት ጕያ እዩ። (ማቴ. 10:22) ዓቕምኻን ኵነታትካን ከም ዜፍቅደልካ ንየሆዋ እንተ ኣገልጊልካዮ፡ ንሱ በዚ ኸም ዚሕጐስ ኣይትረስዕ። ድሕሪ ጥምቀት ንየሱስ ብቐጻሊ እትስዕበሉ ሓደ ኣገዳሲ መገዲ እዚ እዩ።—መዝ. 26:1።

ኣብ ጋብላ እተጠምቀት ሕጕስቲ መንእሰይ ሓብቲ። ላቔባታት፦ 1. ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትሳተፍ። 2. ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ትምሃር። 3. ኣብ ፕሮጀክት ቲኦክራስያዊ ህንጸት ገመዳት ኤለክትሪክ ትዝርግሕ።

ድሕሪ ጥምቀት፡ ምስ የሆዋ ብዝያዳ ኣብ ዜቀራርበካ ንጥፈታት ንምስታፍ ሸቶ ኣውጽእ (ሕጡብ ጽሑፍ 11 ርአ)


12-13. ቅንኣትካ ኺንኪ እንተ ጀሚሩ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧ (1 ቈረንቶስ 9:16, 17) (“ካብቲ ቕድድም ኣይትውጻእ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

12 ንእተወሰነ እዋን ጸሎትካ ኻብ ክሳድ ንላዕሊ፡ ወይ ኣገልግሎትካ ዕንክሊል እንተ ዀይኑካኸ፧ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ጥቕሚ ዘይብሉ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካኸ፧ ድሕሪ ጥምቀት ከምዚ ስምዒት እንተ ተሰሚዑካ፡ መንፈስ የሆዋ ኸም ዝሰኣንካ ጌርካ ኣይትደምድም። ቅድም ቀዳድም፡ ዘይፍጹም ሰብ ኢኻ፣ ስምዒታትካ እውን ኪቀያየር ይኽእል እዩ። ቅንኣትካ ኺንኪ እንተ ጀሚሩ፡ ብዛዕባ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣስተንትን። ንሱ ንየሱስ ኪመስሎ ይጽዕር እኳ እንተ ነበረ፡ ሓድሓደ ግዜ ግና ተበግሶኡ ዚንክየሉ እዋን ነይሩ እዩ። (1 ቈረንቶስ 9:16, 17 ኣንብብ።) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ፡ “ዋላ እኳ ኸይፈቶኹ እንተ ገይረዮ፡ እዚ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት እዚ ብሕድሪ ተዋሂቡኒ እዩ” ዝበለ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ጳውሎስ ስምዒቱ እዚ ይኹን እቲ ብዘየገድስ፡ ኣገልግሎቱ ንምፍጻም ቈሪጹ እዩ ነይሩ።

13 ስለዚ፡ እቲ ዘይፍጹም ስምዒታትካ፡ ውሳነ ኺገብረልካ ኣይተፍቅድ። ስምዒታትካ እዚ ይኹን እቲ ብዘየገድስ፡ ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ቈራጽነት ግበር። እናሓደረ ተግባራትካ ንስምዒታትካ ኼመሓይሾ እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ሒዝካ እንተ ተመላሊስካ፡ ድሕሪ ጥምቀት ንየሱስ ብቐጻሊ ንምስዓብ ኪሕግዘካ እዩ። ጸኒዕካ ምምልላስካ ኸኣ፡ ንክርስትያናት ብጾትካ ኼተባብዖም እዩ።—1 ተሰ. 5:11።

ካብቲ ቕድድም ኣይትውጻእ

ስእልታት፦ 1. ሓደ ኣትለት ንጥዕናኡ ዚጠቕሞ ምግቢ ይምገብ፣ ኣብታ ላቔባ ዝዀነት ስእሊ፡ ሓደ ሓው መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ። 2. እቲ ኣትለት መሓውሩ ይዝርግሕ፣ ኣብታ ላቔባ ዝዀነት ስእሊ፡ እቲ ሓው ኣብ ኣኼባ ሓሳብ ይህብ። 3. እቲ ኣትለት ይጐዪ፣ ኣብታ ላቔባ ዝዀነት ስእሊ፡ እቲ ሓው ኣብ ምስክርነት ዓረብያ ይሳተፍ።

ሓደ ኣትለት፡ ካብ ቅድድም ምእንቲ ኸይወጽእ፡ ኣካላዊ ብቕዓቱ ኺሕሉ ኣለዎ። ብተመሳሳሊ፡ ድሕሪ ጥምቀት ንየሆዋ ብቐጻሊ ምእንቲ ኸተገልግሎ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ብርታዐኻ ኽትሕሉ ኣሎካ።

“ብቐጻሊ ርእስኹም ፈትኑ፡ ብቐጻሊ ርእስኹም መርምሩ”

14. እንታይ ኢኻ ብስሩዕ ክትምርምር ዘሎካ፧ ስለምንታይከ፧ (2 ቈረንቶስ 13:5)

14 ድሕሪ ጥምቀት ርእስኻ ብቐጻሊ እንተ መርሚርካ፡ እዚ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። (2 ቈረንቶስ 13:5 ኣንብብ።) መዓልቲ መዓልቲ ትጽሊ እንተ ኣሊኻ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብን ተጽንዕን እንተ ኣሊኻ፡ ኣብ ኣኼባታት ትእከብ እንተ ኣሊኻ፡ ኣብ ኣገልግሎት እውን ትሳተፍ እንተ ኣሊኻ ንምፍላጥ፡ በብግዜኡ ንህይወትካን ንልማዳትካን መርምሮ። ገሊኡ መዳያት ኣምልኾኻ ብዝያዳ ትርጉም ዘለዎ ምእንቲ ኪኸውን መገድታት ኣናዲ። ንኣብነት፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ክገልጽ እኽእል ድየ፧ ኣገልግሎተይ ብዝያዳ ባህ ዜብል ምእንቲ ኪኸውን፡ ክገብሮ ዝኽእል ነገራት ኣሎዶ፧ እንታይ ከም ዜድልየኒ ኣብ ጸሎተይ ብንጹር እጠቅስ ድየ፧ ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ኸም ዝውከልከ ኣብ ጸሎተይ ይርአ ድዩ፧ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብስሩዕ እእከብ ድየ፧ ኣብ ኣኼባታት ብዝያዳ ኸተኵርን ክሳተፍን ዝኽእል ብኸመይ እየ፧’

15-16. ፈተና ብዛዕባ ምቅዋም ካብ ተመክሮ ሓደ ሓው እንታይ ትምሃር፧

15 ብተወሳኺ፡ ድኽመታትካ ብቕንዕና ኽትምርምር ኣሎካ። ሮበርት ዝስሙ ሓው ነዚ ነጥቢ ዜጕልሕ ተመክሮኡ ኼዘንቱ ኸሎ ኸምዚ ይብል፦ “ወዲ 20 ዓመት ኣቢለ ኸለኹ፡ እተወሰነ ሰዓታት ዝሰርሓሉ ስራሕ ነይሩኒ። ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ስራሕ፡ ሓንቲ መሳርሕተይ ናብ ገዛኣ ዓዲማትኒ። በይንና ኸም እንኸውንን ‘ጽቡቕ ግዜ’ ኸም እነሕልፍን ነጊራትኒ። ኣብ ፈለማ፡ ዕባራ ምኽንያታት ኣቕሪበላ። ኣብ መወዳእታኡ ግና፡ ምኽንያተይ ብንጹር ገሊጸ ኣብየያ።” ሮበርት ነቲ ዝቐረበሉ ፈተና ስለ እተቓወሞ፡ ዚነኣድ ተግባር እዩ ገይሩ። ጸኒሑ ነቲ ዘጋጠሞ ምልስ ኢሉ ኺሓስበሉ ኸሎ ግና፡ ነቲ ዅነታት ብዝሓሸ ኺሕዞ ይኽእል ከም ዝነበረ ኣስተውዓለ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “ከምቲ ዮሴፍ ንሰበይቲ ጶጢፋር ዝኣበያ፡ ነቲ ዝቐረበለይ ነገር ብጽኑዕ ወይ ብቕልጡፍ ኣይኰንኩን ኣብየ። (ዘፍ. 39:7-9) ሓቂ ይሓይሽ፡ ምእባይ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝኸበደኒ ምስ ረኣኹ ገሪሙኒ እዩ። ሳላ እዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ዕርክነት ከደልድል ከም ዘሎኒ ኣስተውዒለ እየ።”

16 ከም ሮበርት ገዛእ ርእስኻ እንተ መርሚርካ፡ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ንሓደ ፈተና ምስ ሰገርካዮ እኳ፡ ‘ንምእባይ ክንደይ ዚኣክል ግዜ ወሲዱለይ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ኪመሓየሽ ዘለዎ ነገር እንተ ርኢኻ፡ ገዛእ ርእስኻ ኣይትዀንን። የግዳስ፡ ድኽመትካ ኽትፈልጥ ብምኽኣልካ ተሓጐስ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ጸሊ፡ ምስ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት የሆዋ ተሰማሚዕካ ንምምልላስ ዘሎካ ቘራጽነት ምእንቲ ኸተደልድል ከኣ ስጕምትታት ውሰድ።—መዝ. 139:23, 24።

17. ተመክሮ ሮበርት ምስ ስም የሆዋ እተተሓሓዘ ብኸመይ እዩ፧

17 ተመክሮ ሮበርት ግና በዚ ኣየብቅዐን። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ ብምባል የዘንቱ፦ “ነቲ መሳርሕተይ ዘቕረበትለይ ዕድመ ምስ ኣበኽዎ፡ ‘ፈተና ሓሊፍካ!’ ኢላትኒ። ኣነ ድማ፡ እንታይ ማለታ ምዃና ሓቲተያ። ቀደም ናይ የሆዋ ምስክር ዝነበረ ፈታዊኣ፡ ኵሎም መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክልተ ዓይነት ህይወት ከም ዚመርሑ፡ ካብ መትከሎም ንምልምላም ኣጋጣሚ እንተ ረኺቦም ከኣ ድሕር ከም ዘይብሉ ኸም ዝነገራ ሓቢራትኒ። ስለዚ ንፈታዊኣ፡ ነዚ ነገር እዚ ኣባይ ከም እትፍትኖ ነገረቶ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንስም የሆዋ ከኽብር ብምኽኣለይ ኣዝየ እየ ተሓጒሰ።”

18. ድሕሪ ጥምቀት እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧ (“ባህ ዜብላ ዓንቀጻት” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

18 ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፍን ክትጥመቕን ከለኻ፡ ዝመጸ እኳ እንተ መጸ ንስሙ ኽትቅድሶ ኸም እትደሊ ኢኻ እተርኢ ዘሎካ። የሆዋ ድማ፡ ነቲ ዜጋጥመካ መከራን ፈተናን ከም ዚፈልጦ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ነቲ ብተኣማንነት ንምምልላስ እትገብሮ ጻዕሪ ይባርኾ እዩ። ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ኸኣ ከምኡ ንምግባር ዜድልየካ ሓይሊ ኸም ዚህበካ ተኣማመን። (ሉቃ. 11:11-13) እምበኣር፡ ብሓገዝ የሆዋ፡ ድሕሪ ጥምቀት ንየሱስ ብቐጻሊ ኽትስዕቦ ትኽእል ኢኻ።

ባህ ዜብላ ዓንቀጻት

ኣብ ሓቂ ዝዓበኻ መንእሰይ እንተ ዄንካ፡ እተን ኣብ jw.org ዚርከባ፡ “መንእሰያት ዚሓትትዎ—ድሕሪ ጥምቀት እንታይ እየ ኽገብር ዘሎኒ፧” ዚብል ኣርእስቲ ዘለወን ዓንቀጻት ብዙሕ ኪሕግዛኻ እየን። ኣብ 1ይ ክፋል፡ ክርስትያናዊ ንጥፈታትካ ሓሊኻ ኽትመላለስ መተባብዒ ኺውሃበካ እዩ። ኣብ 2ይ ክፋል ከኣ፡ ጸገማት ወይ ፈተናታት ኬጓንፈካ ኸሎ፡ ብኸመይ ንጽህናኻ ኸም እትሕሉ ኽትርኢ ኢኻ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ብኸመይ እዮም ክርስትያናት “መዓልቲ መዓልቲ ጕንዲ ስቅያት” ዜልዕሉ፧

  • ድሕሪ ጥምቀት ንየሱስ ‘ብቐጻሊ ምእንቲ ኽትስዕቦ’ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ብዛዕባ ጸሎት ወፈያኻ ምስትንታን፡ ብተኣማንነት ንምምልላስ ዚሕግዘካ ብኸመይ እዩ፧

መዝሙር 89 ክትባረኽ ተኣዘዝ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ