ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w20 መስከረም ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ክርስትያናዊ ኣረኣእያ ኣብ ስልጣናት እንታይ ኢዩ?
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • እታ ናይ ሰላም መንግስቲ ኣምላኽ
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • ኣብ ቅድሚ የሆዋ ‘ንጽህናኦም ዚሕልዉ ሕጉሳት እዮም’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
w20 መስከረም ገጽ 31
የሆዋ ኣብ ዝፋን ስመራግዶስ ተቐሚጡ፡ ብብዙሓት መላእኽቲ እውን ተኸቢቡ ይርአ። ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን፡ ማሕታታት ብርሃን ኣሎ።

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብ መክብብ 5:8 ዘሎ ሓሳብ ንሰብኣውያን ገዛእቲ ድዩ ዜመልክት፡ ወይስ ንየሆዋ እውን የመልክት እዩ፧

እዛ እተመራምር ጥቕሲ እዚኣ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ኣውራጃኻ ጭቈና ድኻ ዀነ ጥሕሰት ፍትሕን ጽድቅን እንተ ርኢኻ፡ ብዛዕባ እቲ ነገር ኣይትገረም። እቲ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣንሲ፡ ካብኡ ብዚልዕል ይጥመት እዩ፣ ገና ኻባታቶም ዝለዓሉ እውን ካልኦት ኣለዉ።”—መክ. 5:8።

ብሰብኣዊ ኣረኣእያ፡ እዚ ቓል እዚ ነቶም መንግስታዊ ስልጣን ዘለዎም ሰባት ጽቡቕ ገይሩ ይገልጾም እዩ። ክንዮኡ እንተ ሓሲብና ግና፡ ብዛዕባ የሆዋ ሓደ ሓቂ የመሓላልፈልና እዩ፣ እዚ ሓቂ እዚ ድማ የጸናንዓናን የተባብዓናን እዩ።

መክብብ 5:8 ብዛዕባ ሓደ ንድኻ ዚጭቍንን ፍትሒ ዚኸልእን ገዛኢ ትገልጽ እያ። እቲ ገዛኢ እቲ፡ ካብኡ ዝለዓለ መንግስታዊ ስልጣን ዘለዎ ሰብ ይዕዘቦ ኸም ዘሎ ኺዝክር ይግባእ። ካብቲ ዝለዓለ ብዓል ስልጣን እቲ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎም ካልኦት እውን ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ኣብ ሰብኣውያን መንግስትታት፡ ኵሎም እዞም ገዛእቲ ብልሹዋት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቶም ተራ ህዝቢ ኸኣ ኣብ እተፈላለየ ጽፍሒ ኣደዳ ዘይፍትሓዊ ተግባር ይዀኑ እዮም።

ኰይኑ ግና፡ ኵነታት ተስፋ ኣልቦ እኳ እንተ መሰለ፡ የሆዋ ‘ንላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኸም ዚጥምቶም’ ምፍላጥና የጸናንዓና እዩ። ናብ ኣምላኽ ክንጠርዕን ጾርና ናብኡ ኽንድርብዮን ንኽእል ኢና። (መዝ. 55:22፣ ፊል. 4:6, 7) ከመይሲ፡ ነዚ ንፈልጥ ኢና፦ “ኣዒንቲ የሆዋስ፡ ስለ እቶም ልቦም ምሉእ ብምሉእ ናብኡ ዝዀነ ብርታዐኡ ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።”—2 ዜና 16:9።

ስለዚ፡ መክብብ 5:8 ነቲ ኣብ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዘሎ ናይ ሓቂ ዅነታት፡ ማለት ወትሩ ንሰበ ስልጣን ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ከም ዘለዎም ተዘኻኽረና እያ። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ የሆዋ ኻብ ኵሉ ዝለዓለ ስልጣን ከም ዘለዎ ኽንሓስብ ተኽእለና እያ። ሕጂ ንሱ በቲ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ይገዝእ ኣሎ። እቲ ንዅሉ ዚዕዘብ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ፍትሓውን ቅኑዕን እዩ፣ ወዱ እውን ከምኡ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ