ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w20 ሰነ ገጽ 18-23
  • ‘ኣነ ባዕለይ ንኣባጊዐይ ከናድየን እየ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ኣነ ባዕለይ ንኣባጊዐይ ከናድየን እየ’
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ገሊኦም ንየሆዋ ምግልጋል ዚሓድግዎ ስለምንታይ እዮም፧
  • የሆዋ ንኣባጊዑ የፍቅረን
  • የሆዋ ንኣባጊዑ የናድየን
  • ብዛዕባ ጥፉእ በጊዕ ኣምላኽ እንታይ ኪስምዓና ኣለዎ፧
  • ነቶም ካብተን መጓሰ ዝጠፍኡ ሓግዞም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ምጽንናዕ ካበይ ክንረክብ ንኽእል፧
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ‘ዝጠፍአት ከናዲ እየ’
    ናብ የሆዋ ተመለስ
  • ኣቱም ጓሶት፡ ነቶም ዓበይቲ ጓሶት ምሰልዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
w20 ሰነ ገጽ 18-23

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 25

‘ኣነ ባዕለይ ንኣባጊዐይ ከናድየን እየ’

“ኣነ ባዕለይ ንኣባጊዐይ ከናድየንን ክኣልየንን እየ።”—ህዝ. 34:11።

መዝሙር 105 “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ”

መላለዪa

1. የሆዋ ኸም እተጥቡ ኣደ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

“ሰበይቲዶ ንዚጠቡ ውላዳ ኽትርስዕ ትኽእል እያ፧” የሆዋ ብግዜ ነብዪ ኢሳይያስ ከምኡ ኢሉ እዩ ሓቲቱ። ንህዝቡ ድማ፡ “እዘን ኣንስቲ እዚአን እኳ እንተ ረስዓ፡ ኣነስ ከቶ ኣይክርስዓክን እየ” ኢልዎም እዩ። (ኢሳ. 49:15) የሆዋ መብዛሕትኡ ግዜ ንገዛእ ርእሱ ብኣደ ኣይምስልን እዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ግና፡ ከምኡ እዩ ገይሩ። ብኣገልገልቱ ውሽጡ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚትንከ ንምግላጽ፡ ኣብ መንጎ ኣደን ውላዳን ዘሎ ርክብ ተጠቒሙ እዩ። መብዛሕትአን ኣዴታት ነቲ ሃስሚን ዝስማ ሓብቲ፡ “ንውላድካ ኸተጥቡ ኸለኻ፡ ኣብ ምሉእ ህይወትካ ዚቕጽል ኣዝዩ ፍሉይ ርክብ ኢኻ እትምስርት” ብምባል እተዛረበቶ ነገር ይሰማምዓሉ እየን።

2. የሆዋ፡ ሓደ ኻብ ደቁ ኻብኡ ኺርሕቕ ከሎ ኸመይ ይስምዖ፧

2 የሆዋ፡ ዋላ እኳ ሓደ ኻብ ደቁ ምስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዎ ሕብረትን ኣብ ዕዮ ስብከት ዝነበሮ ተሳትፎን ምስ ዜቋርጽ፡ የስተብህለሉ እዩ። ኣብ ዓዓመት ኣሽሓት ኣገልገልቱ ዘይንጡፋትb ኪዀኑ ኸለዉ ደኣ ኽንደይ ብዙሕ ዘይጕሂ!

3. የሆዋ እንታይ እዩ ዚደሊ፧

3 መብዛሕትኦም ዘይንጡፋት ዝዀኑ ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ ጉባኤ ተመሊሶም ይመጹ እዮም፣ ንሕና እውን ሓንጐፋይ ኢልና ኢና እንቕበሎም! የሆዋ ኺምለሱ ይደልዮም እዩ፣ ንሕና እውን ኪምለሱ ንደልዮም ኢና። (1 ጴጥ. 2:25) እሞ ደኣ ብኸመይ ክንሕግዝ ንኽእል፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ቕድሚ ምምላስና፡ ገሊኦም ኣብ ኣኼባታት ምእካብን ኣብ ኣገልግሎት ምስታፍን ዚሓድጉሉ ምኽንያት ክንፈልጥ ኣሎና።

ገሊኦም ንየሆዋ ምግልጋል ዚሓድግዎ ስለምንታይ እዮም፧

4. ዓለማዊ ስራሕ ንገሊኦም ብኸመይ ኪጸልዎም ይኽእል፧

4 ገሊኦም ብዓለማዊ ስራሕ ይውሓጡ እዮም። ሁንግc ዝስሙ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ዚነብር ሓው፡ “ኣብ ዓለማዊ ስራሐይ እምብዛ ጥሒለ ነይረ እየ” ኢሉ ይእመን። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ ከምዚ ይብል፦ “ብስጋ ጽቡቕ እንተ ኸይደ፡ ንየሆዋ ብዝሓሸ ኸገልግሎ እኽእል እየ ዚብል ናይ ዕሽነት ሓሳብ ነይሩኒ። ስለዚ፡ ብዙሕ ሰዓታት እሰርሕ ነይረ። ብዝሒ እቲ ዝበዅሮ ኣኼባታት ድማ እናወሰኸ ኸይዱ፣ ኣብ መወዳእታኡ ናብ ጉባኤ ምኻድ ጠሪሰ ሓዲገዮ። ዓለም ንሰባት ካብ ኣምላኽ በብቝሩብ ከም እተርሕቕ ኰይና እተቐርጸት ይመስለኒ።”

5. ሓንቲ ሓብቲ በቲ ተደራራቢ ዘጋጠማ ጸገማት ብኸመይ እያ ተጸልያ፧

5 ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ብጸገማት ይውሓጡ እዮም። ኣብ ብሪጣንያ እትነብር ኣን ኣደ ሓሙሽተ ቘልዑ እያ። ንሳ ድማ፡ “ሓደ ኻብቶም ደቀይ ካብ ዚውለድ ኣትሒዙ ኸቢድ ስንክልና ኣለዎ” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ ኸኣ፡ “ደሓር፡ ሓንቲ ጓለይ ተወጊዳ፡ ሓደ ወደይ ከኣ ናይ ኣእምሮ ሕማም ኣጥርዩ። በዚ እምብዛ ስለ እተጨነቕኩ፡ ኣብ ኣኼባታት ምእካብን ኣብ ስብከት ምስታፍን ሓዲገዮ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ፡ ዘይንጥፍቲ ዀይነ” ትብል። ንኣንን ንስድራ ቤታን ተመሳሳሊ ጸገማት ንዘለዎም ካልኦትን ብዙሕ ኢና እንድንግጸሎም!

6. ሓደ ክርስትያን ነቲ ኣብ ቈሎሴ 3:13 ዘሎ ምኽሪ እንተ ዘይዓይዩሉ ኸመይ ገይሩ እዩ በብቝሩብ ካብ ህዝቢ የሆዋ ኺርሕቕ ዚኽእል፧

6 ቈሎሴ 3:13 ኣንብብ። ገሊኦም ኣገልገልቲ የሆዋ ብክርስትያናት ብጾቶም ተጐዲኦም እዮም። ሓድሓደ ግዜ፡ ሓው ወይ ሓብቲ “ቕር ዜብል” ብቑዕ ምኽንያት ኪህልዎ ኸም ዚኽእል፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ። ምናልባት እውን ኣደዳ ዘይፍትሓዊ ተግባር ኴንና ኽንከውን ንኽእል ኢና። እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ቂም ክንሕዝ ንኽእል ኢና። ምረት ከኣ ካብ ህዝቢ የሆዋ በብቝሩብ ከም እንርሕቕ ኪገብረና ይኽእል እዩ። ፓብሎ ዝስሙ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዚነብር ሓው ዘጋጥሞ ተመክሮ እስከ ንርአ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ጌጋ ኸም ዝገበረ ጌርካ ተኸስሰ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣብ ጉባኤ ዝነበሮ ፍሉይ መሰል ሰኣነ። እሞኸ እንታይ እዩ ገይሩ፧ ፓብሎ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ተቘጢዐ፡ በብቝሩብ ከኣ ካብ ጉባኤ ርሒቐ” ይብል።

7. ሓደ ሰብ ሕልናኡ ናይ በደለኛነት ስምዒት ዚስምዖ እንተ ዀይኑ፡ እዚ እንታይ ጽልዋ ኼሕድረሉ ይኽእል፧

7 ወይ ድማ፡ ሓደ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ሕጊ ኣምላኽ ዝጠሓሰ ሰብ ብሰንኪ እቲ ሕልናኡ ዚስምዖ ናይ በደለኛነት ስምዒት፡ ንፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዘይበቅዕ ኰይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ። ዋላ እውን ተነሲሑን ምሕረት ረኺቡን ኬብቅዕ፡ ሓደ ኻብ ህዝቢ ኣምላኽ ኪኸውን ከም ዘይግብኦ ዀይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ። ፍራንሲስኮ ዝስሙ ሓው ከምኡ እዩ ተሰሚዕዎ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ብሰንኪ ምንዝርና መግናሕቲ ተዋሂቡኒ። ኣብ ፈለማ፡ ኣብ ኣኼባታት እእከብ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ጭንቀት ከሕድር ጀሚረ፣ ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ንምዃን ከም ዘይበቅዕ እውን ኪስምዓኒ ጀሚሩ። ሕልናይ ይርብሸኒ ነይሩ፣ የሆዋ ይቕረ ኸም ዘይበለኒ ድማ እኣምን ነይረ። ጸኒሐ ኸኣ ምስ ጉባኤ ዝነበረኒ ሕብረት ኣቋሪጸዮ።” ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ብዛዕባ ዜጋጥሞም ኣሕዋትን ኣሓትን እንታይ ይስምዓካ፧ ትድንግጸሎምዶ፧ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ የሆዋ ብዛዕባኦም እንታይ ይስምዖ፧

የሆዋ ንኣባጊዑ የፍቅረን

ሓደ ጓሳ ነታ ኻብ መጓሰኡ ዝጠፍአት በጊዕ የናድያ። እታ በጊዕ ነቲ ጓሳ ተኸዊላቶ ኣላ፣ ኣእጋራ ኸኣ ምስ ቈጥቋጥ ተጠናኒጉን ቈሲሉን ኣሎ።

ሓደ እስራኤላዊ ጓሳ ጠፊኣ ንዝነበረት በጊዑ ብዙሕ ይከናኸና (ሕጡብ ጽሑፍ 8-9 ርአ)e

8. የሆዋ ነቶም ዜገልግልዎ ዝነበሩ ሰባት ይርስዖም ድዩ፧ ግለጽ።

8 የሆዋ ነቶም ኣብ ሓደ እዋን ዜገልግልዎ ዝነበሩ እሞ ንግዜኡ ምስ ህዝቡ ዝነበሮም ሕብረት ዘቋረጹ ሰባት ኣይርስዖምን እዩ፣ ነቲ ኣብ ኣገልግሎቱ ዘበርከትዎ ዕዮ እውን ኣይርስዖን እዩ። (እብ. 6:10) ነብዪ ኢሳይያስ ነቲ የሆዋ ንህዝቡ ዘለዎ ሓልዮት ንምግላጽ፡ “ንመጓሰኡ ኸም ጓሳ ኺከናኸነን እዩ። ንዕያውቲ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክበን፡ ኣብ ሕቝፉ ድማ ኪስከመን እዩ” ብምባል ጽቡቕ ምሳሌ ተጠቒሙ ኣሎ። (ኢሳ. 40:11) እሞ ደኣ እዚ ዓብዪ ጓሳ እዚ ሓንቲ ኻብ ኣባጊዑ ምስ እትጠፍእ እንታይ እዩ ዚስምዖ፧ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ስምዒት የሆዋ ገሊጹሎም ኣሎ፦ “እንታይ ይመስለኩም፧ ሓደ ሰብ 100 ኣባጊዕ እንተ ኣልየናኦ እሞ ሓንቲ ኻባታተን እንተ ጠፊኣ፡ ነተን 99 ኣብ ኣኽራን ሓዲጉ፡ ነታ ሓንቲ ዝጠፍአት ኪደሊዶ ኣይከይድን፧ እንተ ረኺብዋ ድማ፡ ካብቲ በተን 99 ዘይጠፍኣስ፡ ብእኣ ዝያዳ ይሕጐስ እዩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”—ማቴ. 18:12, 13።

እቲ ጓሳ ነታ ጠፊኣ ዝነበረት በጊዑ ይስከማ። እታ ዝቘሰለት እግሪ እታ በጊዕ ተዘኒና ኣላ፡ እተን መጓሰ እውን ኣብ ጥቓ እቲ ጓሳ ኣለዋ።

9. ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሕያዎት ጓሶት ንኣባጊዖም ብኸመይ እዮም ዚሕዝወን ነይሮም፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)

9 ንየሆዋ ምስ ጓሳ ኸነመሳስሎ ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሕያዋይ ጓሳ ንኣባጊዑ ኣጸቢቑ እዩ ዚከናኸነን ነይሩ። ንኣብነት፡ ዳዊት ንመጓሰኡ ኺከላኸል ኢሉ ምስ ኣንበሳን ምስ ድብን ተቓሊሱ እዩ። (1 ሳሙ. 17:34, 35) ሓደ ሕያዋይ ጓሳ፡ ካብ ኣባጊዑ ሓንቲ እኳ እንተ ጠፊኣ የስተብህለላ እዩ። (ዮሃ. 10:3, 14) እቲ ሕያዋይ ጓሳ እቲ ኸኣ ነተን 99 ኣብ ውሑስ ደምበ ወይ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ኻልኦት ጓሶት ሓዲጉ ነታ ዝጠፍአት ኪደሊ ይኸይድ እዩ። የሱስ በዚ ምሳሌ እዚ ገይሩ ነዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ሓቂ እዩ ምሂሩ፦ “እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ፡ ሓደ ኻብዞም ንኣሽቱ እኳ ኺጠፍእ ኣይደልን እዩ።”—ማቴ. 18:14።

እቲ ጓሳ ነታ በጊዕ ኣብ ሕቝፉ ሒዙ እግራ ይዝንነላ።

ሓደ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዚነብር ጓሳ ጠፊኣ ንዝነበረት በጊዕ ይከናኸና (ሕጡብ ጽሑፍ 9 ርአ)

የሆዋ ንኣባጊዑ የናድየን

10. ብመሰረት ህዝቅኤል 34:11-16፡ የሆዋ ንዝጠፍኣ ኣባጊዑ እንታይ ከም ዚገብረለን እዩ ቃል ኣትዩ ዘሎ፧

10 የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና፡ እንተላይ ነቶም ካብ መጓሰኡ ዝጠፍኡ “ንኣሽቱ” እውን የፍቅሮም እዩ። ብነብዪ ህዝቅኤል ኣቢሉ ኸኣ፡ ንኣባጊዑ ኸም ዜናድየንን ዳግም መንፈሳዊ ጥዕና ኺረኽባ ኸም ዚሕግዘንን ቃል ኣትዩ ኣሎ። ንዓታተን ንምድሓን ዚወስዶ ስጕምትታት እውን ብዝርዝር ጠቒሱ ኣሎ፣ እዚ ስጕምትታት እዚ ኸኣ ምስቲ እስራኤላዊ ጓሳ ንዝጠፍአት በጊዕ ንምርካብ ዚወስዶ ስጕምትታት ይመሳሰል እዩ። (ህዝቅኤል 34:11-16 ኣንብብ።) ፈለማ፡ እቲ ጓሳ ንበጊዑ የናድያ እዩ፣ እዚ ድማ ብዙሕ ግዜን ጻዕርን ይሓትት እዩ። ድሕሪኡ፡ ነታ ዝጠፍአት በጊዕ ምስ ረኸባ፡ ናብ መጓሰኡ ይመልሳ እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ እታ በጊዕ ተሃስያ ወይ ጠምያ እንተ ጸኒሓ፡ ብፍቕሪ ይድግፋን ቍስላ ይዝንነላን ይስከማን ይምግባን እዩ። ከምኡ ድማ፡ እቶም ጓሶት “መጓሰ ኣምላኽ” ዝዀኑ ሽማግለታት፡ ካብ ጉባኤ ንዝጠፍኡ ዘበሉ ንምሕጋዝ፡ ነዚ ስጕምታት እዚ ኺወስዱ ኣለዎም። (1 ጴጥ. 5:2, 3) ኬናድይዎም፡ ናብተን መጓሰ ኺምለሱ ኺሕግዝዎም፡ ዜድሊ መንፈሳዊ ደገፍ ብምሃብ ከኣ ፍቕሪ ኼርእይዎም ኣለዎም።d

11. ሕያዋይ ጓሳ እንታይ እዩ ዚርዳእ፧

11 ሕያዋይ ጓሳ፡ ሓንቲ በጊዕ ክትጠፍእ ከም እትኽእል ይርዳእ እዩ። ሓንቲ በጊዕ ካብ መጓሰኣ እንተ ጠፊኣ ኸኣ፡ ኣይቀጽዓን እዩ። የሆዋ ንገሊኦም ካብኡ ዝረሓቑ ኣገልገልቱ ብኸመይ ከም ዝሓዞም ዜርኢ ኣብነት እስከ ንርአ።

12. የሆዋ ንዮናስ ብኸመይ እዩ ሒዝዎ፧

12 ነብዪ ዮናስ ካብቲ እተዋህቦ ዕዮ ናብ ካልእ ሃዲሙ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብዮናስ ቀልጢፉ ተስፋ ኣይቈረጸን። ሕያዋይ ጓሳ ብምዃኑ፡ ካብ ሽግሩ ኣናጊፍዎ እዩ፡ ዕዮኡ ንምፍጻም ዜድሊ ብርታዐ እውን ሂብዎ እዩ። (ዮና. 2:7፣ 3:1, 2) ጸኒሑ ኸኣ፡ ብተኽሊ ሓምሓም ገይሩ ኣገዳስነት ነፍሲ ወከፍ ህይወት ሰብ ኣረዲእዎ እዩ። (ዮና. 4:10, 11) ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ሽማግለታት ብሓደ ዘይንጡፍ ቀልጢፎም ተስፋ ኪቘርጹ የብሎምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ በጊዕ ካብ መጓሰኡ ዝጠፍኣሉ ምኽንያት እንታይ ከም ዝዀነ ንምርዳእ ኪጽዕሩ ኣለዎም። እቲ በጊዕ ናብ የሆዋ ኺምለስ ከሎ ኸኣ፡ ፍቕርን ተገዳስነትን ኬርእይዎ ኣለዎም።

13. ካብቲ የሆዋ ንጸሓፊ መዝሙር 73 ዝሓዘሉ መገዲ እንታይ ንምሃር፧

13 ጸሓፊ መዝሙር 73፡ እኩያት ይሰልጦም ከም ዘሎ መሲሉ ምስ ተራእዮ፡ ተስፋ ቘሪጹ ነይሩ እዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ረብሓ እንተ ኣልይዎ እውን ኣብ ሕቶ ኼእትዎ ጀሚሩ ነይሩ እዩ። (መዝ. 73:12, 13, 16) እሞ ደኣ የሆዋ እንታይ ገይሩ፧ ነቲ ሰብ እቲ ኣይኰነኖን። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ቃላቱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚምዝገብ ገይሩ እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ድማ፡ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ኣብ ህይወቱ ኻብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ኽቡር ምዃኑ ተገንዚቡ እዩ። (መዝ. 73:23, 24, 26, 28) ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ሽማግለታት ነቶም ንየሆዋ ምግልጋል ጥቕሚ እንተ ኣልይዎ ሕቶ ዚልዓሎም ሰባት ብቕልጡፍ ኪፈርድዎም የብሎምን። ኣብ ክንዲ ዚዅንንዎም፡ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዚብሉን ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዚገብሩን ንምርዳእ ኪጽዕሩ ኣለዎም። ድሕሪኡ ኸኣ፡ ዜድሊ ቕዱስ ጽሑፋዊ መተባብዒ ኺህብዎም ይኽእሉ እዮም።

14. ስለምንታይ እዩ ኤልያስ ሓገዝ ኣድልይዎ፧ የሆዋኸ ብኸመይ እዩ ሓጊዝዎ፧

14 ሓደ እዋን፡ ነብዪ ኤልያስ ካብ ንግስቲ ኢዛቤል ሃዲሙ እዩ። (1 ነገ. 19:1-3) ካብ ነብያት የሆዋ ንሱ በይኑ ጥራይ ዝተረፈ መሲልዎ ነይሩ እዩ፣ ዕዮኡ ኸንቱ ኸም ዝዀነ እውን ተሰሚዕዎ ነይሩ እዩ። ኣዝዩ ኻብ ምጭናቑ እተላዕለ ኸኣ ሞት ተመንዩ ነይሩ እዩ። (1 ነገ. 19:4, 10) የሆዋ ግና ንኤልያስ ኣብ ክንዲ ዚዅንኖ፡ በይኑ ኸም ዘይኰነ፡ ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ ኪእመን ከም ዚኽእል፡ ገና ብዙሕ ዕዮ እውን ከም ዘለዎ መረጋገጺ ሂብዎ እዩ። ነቲ ንኤልያስ ዜተሓሳስቦ ዝነበረ ነገራት ብለውሃት ድሕሪ ምስማዑ ድማ፡ ሓድሽ ዕዮ ሂብዎ እዩ። (1 ነገ. 19:11-16, 18) ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ኵላትና፡ ምናዳ ኸኣ ሽማግለታት፡ ንኣባጊዕ የሆዋ ብለውሃት ክንሕዘን ኣሎና። ዋላ እውን ሓደ ሰብ እንተ ተመሪሩ ወይ ምሕረት የሆዋ ኸም ዘይግብኦ ዀይኑ እንተ ተሰሚዕዎ፡ ነቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ኼፍስስ ከሎ ሽማግለታት ኪሰምዕዎ ኣለዎም። ድሕሪኡ ድማ፡ ነቲ ዝጠፍአ በጊዕ፡ የሆዋ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ኼረጋግጹሉ ይፍትኑ እዮም።

ብዛዕባ ጥፉእ በጊዕ ኣምላኽ እንታይ ኪስምዓና ኣለዎ፧

15. ብመሰረት ዮሃንስ 6:39፡ የሱስ ንኣባጊዕ ኣቦኡ ብኸመይ እዩ ዚርእየን ነይሩ፧

15 የሆዋ ብዛዕባ ጥፉኣት ኣባጊዑ እንታይ ኪስምዓና እዩ ዚደሊ፧ ነዚ ብዚምልከት፡ የሱስ ኣብነት ሓዲጉልና ኣሎ። ኵለን ኣባጊዕ የሆዋ ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ክቡራት ምዃነን ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ስለዚ፡ ነተን “ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል” ናብ የሆዋ ንምምላስ ዚከኣሎ ዘበለ ገይሩ እዩ። (ማቴ. 15:24፣ ሉቃ. 19:9, 10) የሱስ ሕያዋይ ጓሳ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ኣባጊዕ የሆዋ ሓንቲ እኳ ኸይትጠፍእ ዚከኣሎ ጽዒሩ እዩ።—ዮሃንስ 6:39 ኣንብብ።

16-17. ሽማግለታት ብዛዕባ እቶም ዝጠፍኡ እንታይ ኪስምዖም ኣለዎ፧ (“ጥፉእ በጊዕ እንታይ ኪስምዖ ይኽእል፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

16 ሃዋርያ ጳውሎስ ንሽማግለታት ጉባኤ ኤፌሶን፡ ኣብነት የሱስ ኪስዕቡ ተማሕጺንዎም እዩ። ኣብቲ ምሕጽንታኡ ድማ፡ “ንድኹማት ክትድግፉ፡ ነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ‘ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ’ ዝበሎ ቓላት ከኣ ክትዝክሩ [ይግባእ]” ኢልዎም እዩ። (ግብ. 20:17, 35) እምበኣር፡ ሎሚ ሽማግለታት ኣብዚ መዳይ እዚ ፍሉይ ሓላፍነት ኣለዎም። ሳልቫዶር ዝስሙ ኣብ ስጳኛ ዚነብር ሽማግለ፡ “የሆዋ ንጥፉኣት ኣባጊዑ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚሓልየሎም ክሓስብ ከለኹ፡ ንምሕጋዞም ዚከኣለኒ ዘበለ ኽገብር እድረኽ እየ። መንፈሳዊ ጓሳ ኸም ምዃነይ መጠን፡ የሆዋ ኽከናኸኖም ከም ዚደልየኒ እኣምን እየ” ይብል።

17 ኵሎም እቶም ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተጠቒሶም ዚርከቡ ጠፊኦም ዝነበሩ ሰባት ሓገዝ ረኺቦምሲ ናብ የሆዋ ተመሊሶም እዮም። ኣብዛ ህሞት እዚኣ እውን፡ ብዙሓት ጥፉኣት ኪምለሱ ይደልዩ እዮም። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ንዓታቶም ናብ የሆዋ ኺምለሱ ንምሕጋዝ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ብዝርዝር ክንርኢ ኢና።

ጥፉእ በጊዕ እንታይ ኪስምዖ ይኽእል፧

ሓንቲ ብኣውቶቡስ እትጐዓዝ ዘይንጥፍቲ ሓብቲ ነቶም ብዓረብያ ገይሮም ብግህዶ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ዚሳተፉ ኽልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝን ኢላ ትጥምቶም። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም ምስ ሓደ ሰብኣይ ይዛራረቡ።

(ሕጡብ ጽሑፍ 16-17 ርአ)f

ምስ ህዝቢ የሆዋ ዝነበሮም ሕብረት ዘቋረጹ ብዙሓት ሰባት፡ ከምዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ይስምዖም ይኸውን።

ኣብ ካመሩን እትነብር ፍሎራ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ህይወተይ ዓብዪ ባዶነት እዩ ተሰሚዑኒ። ሓጐሰይን ውሽጣዊ ሰላመይን ስኢነ፣ ሕልናይ እውን ረቢሹኒ። ዳግም ሰላም ክረክብ፡ ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን እውን ክሓብር ደልየ። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ኪህልወኒ ደልየ።”

ኣብ ስጳኛ ዚነብር ዘይንጡፍ ድማ ከምዚ ይብል፦ “ዳግም ንጡፍ ክኸውን እደሊ እየ፣ ግናኸ፡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። እንታይ ክገብር ከም ዘሎኒ እፈልጥ እየ፡ ክገብሮ እውን እደሊ እየ። ቀሊል ግና ኣይኰነን። ኣነባብራይ ክቕይር ኣሎኒ፡ ምስ ገሊኦም ዓለማውያን ኣዕሩኸይ ዘሎኒ ርክብ እውን ክበትኮ ኣሎኒ። ብመንፈሳዊ መዳይ ድኹም ስለ ዝዀንኩ፡ ካብ ስራሕ ሓይለይ ተጸንቂቑኒ ኽመጽእ ከለኹ ናብ ኣኼባታት ምኻድ ይኸብደኒ እዩ። ግናኸ፡ ሕጂ እውን ንየሆዋ ስለ ዘፍቅሮን ንሰበይተይን ንኽልተ ደቀይን ክሕግዘን ስለ ዝደልን፡ ኣበርቲዐ ኽጽዕር እየ።”

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ገሊኦም ኣሕዋትን ኣሓትን ዘይንጡፋት ዚዀኑ ስለምንታይ እዮም፧

  • የሆዋ ብዛዕባ ጥፉኣት ኣባጊዑ እንታይ ይስምዖ፧

  • ብዛዕባ ዘይንጡፋት ኬተሓሳስበና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

መዝሙር 139 ንሓዳስ ዓለም ብኣእምሮኻ ስኣላ

a ገሊኦም ንየሆዋ ሓያሎ ዓመታት ብተኣማንነት ዘገልገሉ ሰባት ካብ ጉባኤ በብቝሩብ ዝረሓቑ ብኸመይ እዮም፧ ኣምላኽ ብዛዕባኦም እንታይ ይስምዖ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ትህበሉ እያ። ካብቲ የሆዋ ነቶም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንግዜኡ ኻብኡ በብቝሩብ ዝረሓቑ ሰባት ዝሓገዘሉ መገዲ እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል እውን ትገልጽ እያ።

b መግለጺ ቓላት፦ ዘይንጡፍ ኣስፋሒ ዚብሃል፡ ኣብ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባርን ዕዮ ንሽዱሽተ ወርሒ ወይ ካብኡ ንዚዛይድ ግዜ ጸብጻብ ዘይሃበ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቶም ዘይንጡፋት ዘበሉ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እዮም፡ ነፍቅሮም እውን ኢና።

c ገሊኡ ስማት ተቐይሩ እዩ።

d ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ሽማግለታት ነዚ ስጕምትታት እዚ ኺስዕቡሉ ዚኽእሉ ዝርዝር መገድታት ክንርኢ ኢና።

e መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ እስራኤላዊ ጓሳ፡ እታ ዝጠፍአት በጊዑ ስለ እተተሓሳስቦ፡ ኣናድዩ ናብተን መጓሰ ይመልሳ። ሎሚ ዘለዉ መንፈሳውያን ጓሶት እውን ተመሳሳሊ ነገር ይገብሩ።

f መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ዘይንጥፍቲ ሓብቲ ንኣውቶቡሳ ኽትነቅል እናተጸበየታ፡ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብግህዶ ኣብ ዚግበር ምስክርነት ኪሳተፉ ትርኢ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ