ዓንቀጽ መጽናዕቲ 13
ንሓድሕድኩም ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ
“ካብ ልቢ፡ ንሓድሕድኩም ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ።”—1 ጴጥ. 1:22።
መዝሙር 109 ኣጸቢቕኩም ተፋቐሩ
መላለዪa
የሱስ ኣብታ ምስ ሃዋርያቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣጕሊሑ (ዓንቀጽ መጽናዕቲ 13፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1-2 ርአ)
1. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ንጹር ትእዛዝ እዩ ሂብዎም፧ (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።)
የሱስ ኣብታ ቕድሚ ሞቱ ዝነበረት ምሸት፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ንስኻትኩም እውን ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ” ኢሉ ንጹር ትእዛዝ ሂብዎም እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ኢልዎም እዩ።—ዮሃ. 13:34, 35።
2. ንሓድሕድና ኽንፋቐር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
2 የሱስ፡ ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቱ ኸምቲ ናቱ ዓይነት ፍቕሪ እንተ ኣልያቶም፡ ብንጹር ከም ዚልለዩ ገሊጹ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ እዚ ተራእዩ እዩ፣ ሎሚ እውን ካብኡ እተፈልየ ኣይኰነን። ንዜጋጥመና ዝዀነ ብድሆታት ሰጊርና ንሓድሕድና ኽንፋቐር ኣሎና።
3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧
3 ሰብኣዊ ዘይፍጽምና ስለ ዘሎና፡ ንሓድሕድና ኣጸቢቕና ኸይንፋቐር ዕንቅፋት ይዀነና እዩ። ይኹን እምበር፡ ንክርስቶስ ንምምሳል ክንጽዕር ኣሎና። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ፍቕሪ ኸመይ ገይራ ገበርቲ ሰላምን ዘየዳልዉን ተቐበልቲ ጋሻን ክንከውን ከም እትሕግዘና ኽንርኢ ኢና። ነዚ ትምህርቲ እዚ ኸነጽንዕ ከለና፡ ‘ካብቶም ጸገማት እናሃለዎም ክነሱ ንሓድሕዶም እተፋቐሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንታይ ክምሃር እኽእል፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት።
ገባር ሰላም ኩን
4. ብመሰረት ማቴዎስ 5:23, 24፡ ሓውና እንተ ጕህዩልና፡ ምስኡ ኽንዕረቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
4 ሓውና እንተ ጕህዩልና፡ ምስኡ ኽንዕረቕ ከም ዘሎና የሱስ ምሂሩ እዩ። (ማቴዎስ 5:23, 24 ኣንብብ።) ንኣምላኽ ባህ ከነብሎ እንተ ዄንና፡ ምስ ሰባት ጽቡቕ ርክብ ኪህልወና ኸም ዘለዎ ኣጕሊሑ ኣሎ። ምስ ኣሕዋትና ሰላም ንምግባር ዚከኣለና እንተ ጽዒርና፡ የሆዋ ይሕጐስ እዩ። ቂም ንሕዝን ክንዕረቕ ዘይንጽዕርን እንተ ዄንና፡ ንኣምልኾና ኣይቅበሎን እዩ።—1 ዮሃ. 4:20።
5. ዕርቂ ንሓደ ሓው ኣጸጋሚ ዝዀኖ ስለምንታይ እዩ፧
5 ዕርቂ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ ማርክb ንዚብሃል ሓው ዘጋጠሞ እሞ ንርአ። ሓደ ሓው ምስ ነቐፎን ብዛዕባኡ ንኻልኦት ሕማቕ ምስ ተዛረበን፡ ውሽጡ ተጐድአ። እሞ ደኣ ማርክ እንታይ እዩ ገይሩ፧ “ገዛእ ርእሰይ ክቈጻጸር ኣይከኣልኩን፡ ተቘጢዐ” ኢሉ ተዘክሮኡ ይገልጽ። ጸኒሑ ግና፡ ተግባሩ ስለ ዘጣዓሶ፡ ይቕረታ ሓቲቱ ምስቲ ሓው ኪዕረቕ ፈተነ። እቲ ሓው ግና ነቲ ማርክ ዝገበሮ ጻዕርታት ኣይተቐበሎን። ኣብ ፈለማ፡ ማርክ፡ ‘ኪዕረቕ እንተ ዘይደልዩ፡ ስለምንታይ እየ ኣነ ዝጽዕር፧’ ኢሉ ይሓስብ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሓላው ወረዳኦም ከይሕለል ኣተባብዖ። እሞኸ ማርክ እንታይ ገይሩ፧
6. (ሀ) ከመይ ገይሩ እዩ ማርክ ንሰላም ዝሰዓባ፧ (ለ) ማርክ ንቈሎሴ 3:13, 14 ዝዓየየላ ብኸመይ እዩ፧
6 ማርክ ንኣተሓሳስባኡ ምስ መርመሮ፡ ትሕትና ኸም ዚጐድሎን ከም ዚመጻደቕን ኣስተውዓለ። ኣረኣእያኡ ኪቕይር ከም ዘለዎ እውን ተገንዘበ። (ቈሎ. 3:8, 9, 12) ድሕሪኡ፡ ብትሕትና ዳግም ናብቲ ሓው ቀሪቡ፡ ስለቲ ተግባሩ ይቕረታ ሓተቶ። በደሉ ኸይሕዘሉን ከም ብሓድሽ ዕርክነቶም ኪቕጽሉን ዚገልጻ ደብዳበታት እውን ጸሓፈሉ። እቲ ሓው ይፈትዎ ኢሉ ዝገመቶ ንኣሽቱ ህያባት እውን ሃቦ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ እቲ ሓው ቂም ምሓዝ ኣይሓደጎን። ይኹን እምበር፡ ማርክ ነቲ የሱስ ንሓውና ኸነፍቅርን ይቕረ ኽንብለሉን ዝሃበና ትእዛዝ ሓልዩ እዩ። (ቈሎሴ 3:13, 14 ኣንብብ።) ካልኦት ነቲ ኽንዕረቕ እንገብሮ ጻዕሪ እኳ እንተ ዘይተቐበልዎ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ብቐጻሊ ይቕረ ኽንብለሎምን ንኣወንታዊ ፍረ ኽንጽልን ትድርኸና እያ።—ማቴ. 18:21, 22፣ ገላ. 6:9።
ሕማቕ ስምዒታት ንምቕባር፡ እተፈላለየ ዓይነት ኣቀራርባ የድሊ ይኸውን (ሕጡብ ጽሑፍ 7-8 ርአ)c
7. (ሀ) የሱስ እንታይ ክንገብር እዩ ተማሕጺኑና፧ (ለ) ሓንቲ ሓብቲ እንታይ ኣጸጋሚ ዅነታት እዩ ኣጋጢምዋ፧
7 የሱስ ከምቲ ሰባት ኪገብሩልና እንደልዮ፡ ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብረሎም ተማሕጺኑና እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን ፍቕርና ኣብቶም ዜፍቅሩና ጥራይ ክንድርቶ ኸም ዘይብልና ገሊጹ እዩ። (ሉቃ. 6:31-33) ሳሕቲ ዜጋጥም እኳ እንተ ዀነ፡ ሓደ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ክርስትያን ገጽ እንተ ኸሊኡካን ሰላም ኪብለካ ፍቓደኛ እንተ ዘይኰይኑን እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ላራ ኸምኡ እዩ ኣጋጢምዋ። ብዛዕባኡ ኸኣ ከምዚ ትብል፦ “ሓንቲ ሓብቲ ገጽ ከሊኣትኒ፣ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝገበረት ድማ ኣይፈለጥኩን። ውጥረት ተሰሚዑኒ፡ ናብ ኣኼባታት ምኻድ ዜሐጕስ ኣይኰነለይን።” ኣብ ፈለማ፡ ላራ፡ ‘ኣነ ኣይበደልኩን። ካልኦት ኣብ ጉባኤና ዚርከቡ እውን ነታ ሓብቲ ስግንጢር ከም ዝዀነት ገይሮም እዮም ዚርእይዋ’ ኢላ ሓሲባ ነይራ።
8. ላራ ሰላም ምእንቲ ኽትገብር ኢላ እንታይ እያ ገይራ፧ ካብ ተመክሮኣኸ እንታይ ንምሃር፧
8 ላራ ሰላም ንምግባር ስጕምቲ ወሰደት። ናብ የሆዋ ድሕሪ ምጽላያ፡ ነታ ሓብቲ ኸተዛርባ ወሰነት። ነቲ ጸገም ተዛራረባሉ፡ ተሓቛቘፋ፡ ሰላም እውን ገበራ። ኵሉ ደሓን ዝነበረ እዩ ዚመስል ነይሩ። ድሕሪኡ ብዛዕባ ዝዀነ ነገር ላራ ኸተዘንቱ ኸላ ግና፡ “እታ ሓብቲ ኸምቲ ኣቐዲማ ዘርኣየቶ ዓይነት ጠባይ ኣርእያትኒ። በዚ ብዙሕ እየ ጕህየ” ትብል። ኣብ ፈለማ፡ ላራ፡ እታ ሓብቲ ኣረኣእያኣ እንተ ቐዪራ ጥራይ እዩ ሕጕስቲ እትኸውን ዚመስላ ነይሩ። እናሓደረት ግና፡ እቲ ኽትገብሮ እትኽእል ዝበለጸ ነገር፡ ነታ ሓብቲ ብፍቕሪ ኽትሕዛን ‘ይቕረ ኽትብለላን’ ምዃኑ ኣስተውዓለት። (ኤፌ. 4:32–5:2) ብዛዕባ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ድማ፡ “ኣይትቕየምን እያ። ኵሉ ኽኢላ ትነብር፡ ኵሉ ትኣምን፡ ኵሉ ተስፋ ትገብር፡ ኵሉ ትጻወር” ከም እተባህለ ዘከረት። (1 ቈረ. 13:5, 7) በዚ ኸምዚ፡ ላራ ናይ ኣእምሮ ሰላም ክትረክብ ከኣለት። ጸኒሓ እውን እታ ሓብቲ ምስኣ ዝሓሸ ርክብ ከተማዕብል ክኢላ እያ። እምበኣር፡ ምስ ኣሕዋትካን ምስ ኣሓትካን ንሰላም እንተ ስዒብካያ፡ ‘ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ምሳኻ ኸም ዚኸውን’ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—2 ቈረ. 13:11።
ዘይተዳሉ ኹን
9. ብመሰረት ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35፡ ዘይነዳሉ ኽንከውን እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧
9 የሆዋ ኣየዳሉን እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35 ኣንብብ።) ንሕና እውን ዘይነዳሉ እንተ ዄንና፡ ውሉዳቱ ምዃንና ነርኢ ኢና። ነቲ ንብጻይና ኸም ነፍስና ኸነፍቅር እተዋህበና ትእዛዝ ንእዘዝ ኢና፣ ሰላም መንፈሳዊ ስድራ ቤትና እውን ንሕሉ ኢና።—ሮሜ 12:9, 10፣ ያእ. 2:8, 9።
10-11. ሓንቲ ሓብቲ ንኣሉታዊ ስምዒታታ ብኸመይ ኣሰኒፋቶ፧
10 ዘይተዳሉ ምዃን ንገሊኦም ኪኸብዶም ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሩት ንዝስማ ሓብቲ ዘጋጠማ እስከ ንርአ። ጐርዞ ኸላ፡ ምስ ሓንቲ ጓል ካልእ ሃገር ብእተተሓሓዘ ሕማቕ ነገር ኣጋጠማ። እሞኸ እዚ ብኸመይ ጸልይዋ፧ ሩት ከምዚ ኢላ ትእመን፦ “ብዛዕባ እታ ሃገር ንዅሉ ነገር እየ ጸሊአዮ። ካብታ ዓዲ እቲኣ ዝዀኑ ዅሎም ሰባት፡ እንተላይ ኣሕዋትን ኣሓትን ሕደ ኸም ዝዀኑ እሓስብ ነይረ።” እሞ ደኣ ነቲ ኣሉታዊ ስምዒታታ ብኸመይ ክትሰግሮ ኽኢላ፧
11 ሩት ምስ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባኣ ኽትቃለስ ከም ዘለዋ ተገንዘበት። ብዛዕባ እታ ሃገር ዚገልጽ ተመክሮታትን ጸብጻባትን ከኣ ኣብ ዓመት መጽሓፍ ኣንበበት። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ብዛዕባ ህዝቢ እታ ሃገር ኣወንታዊ ነገር ንምሕሳብ ጻዕሪ ገይረ። ኣሕዋትን ኣሓትን ንየሆዋ ብቕንኣት ከም ዜገልግልዎ እውን ኣስተብሂለ። ንሳቶም እውን ክፍሊ እቲ ዓለምለኻዊ ሕውነት ምዃኖም ንጹር ኰይኑለይ።” በብቝሩብ ድማ፡ ተወሳኺ ነገር ክትገብር ከም ዘለዋ ተገንዘበት። ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ትብል፦ “ደቂ እታ ሃገር ምስ ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ክራኸብ ከለኹ፡ ጽቡቕ ገጽ ከርእዮም ፍሉይ ጻዕሪ ገይረ እየ። ኣዛሪበዮምን ብዝያዳ ኽፈልጦም ጽዒረን እየ።” እሞ ደኣ እዚ እንታይ ኣፍርዩላ፧ ሩት ባዕላ ኽትምልስ ከላ፡ “እናሓደረ፡ ኣሉታዊ ስምዒታተይ ጠፊኡ” ትብል።
‘ንዅሎም ኣሕዋት ኣጸቢቕና ነፍቅሮም’ እንተ ዄንና፡ ኣይነዳሉን ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 12-13 ርአ)d
12. ሳራ ዝስማ ሓብቲ እንታይ ጸገም እዩ ነይርዋ፧
12 ገሊኦም ሰባት ከይተፈለጦም ኣድልዎ ይገብሩ እዮም። ንኣብነት፡ ሳራ ንሰባት ብዓሌቶም፡ ብገንዘቦም፡ ወይ ብስልጣኖም ስለ ዘይትፈርዶም፡ ዘይተዳሉ ኸም ዝዀነት እዩ ዚመስላ ነይሩ። ባዕላ ግና፡ “ኣድልዎ ኸም ዝገብር ከስተውዕል ጀሚረ” ኢላ ትእመን። ብኸመይ፧ ሳራ ኣብ ምሁራት ስድራ ቤት እያ ዓብያ፣ ተመሳሳሊ ድሕረ ባይታ ምስ ዘለዎም ሰባት ድማ እያ እትቀራረብ ነይራ። ሓደ ግዜ፡ ንሓደ ፈታዊኣ፡ “ምስ ምሁራት ክርስትያናት ብጾት እየ ዝቀራረብ። ምሁራት ንዘይኰኑ ኣይቀርቦምን እየ” ኢላቶ እያ። ብንጹር እምበኣር፡ ኣረኣእያ ኸተዐሪ ነይርዋ። ብኸመይ፧
13. ካብቲ ሳራ ኣብ ኣረኣእያኣ ዝገበረቶ ለውጢ እንታይ ንምሃር፧
13 ሓደ ሓላው ወረዳ ንሳራ፡ ኣረኣእያ ኽትምርምር ሓገዛ። ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ኢላ ተዘንቱ፦ “ስለቲ ብተኣማንነት ዝፍጽሞ ኣገልግሎትን ስለቲ ዝህቦ ጽቡቕ ሓሳባትን ስለቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠተይን ንኢዱኒ። ድሕሪኡ፡ ፍልጠትና እናዓበየ ምስ ከደ፡ ከም ትሕትናን ምሕረትን ዝኣመሰለ ክርስትያናዊ ባህርያት ከነማዕብል ከም ዜድሊ ገሊጹለይ።” ሳራ ንቓላት እቲ ሓላው ወረዳ ኣብ ልባ ኣሕዲራቶ እያ። “እቲ ብሓቂ ዜገድስ፡ ለዋሃትን ፈቃራትን ምዃንና ኸም ዝዀነ ተገንዚበ” ድማ ትብል። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ንኣሕዋትን ንኣሓትን ብኻልእ ዓይኒ ኽትርእዮም ጀመረት። ብዛዕባ እዚ ድማ፡ “ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡራት ዚገብሮም እንታይ ባህርያት ምዃኑ ኽርዳእ ጽዒረ” ትብል። ንሕናኸ ኸመይ ኢና፧ ብምኽንያት ትምህርትና ኻብ ካልኦት ከም እንበልጽ ኰይኑ ኺስምዓና ኣይንደልን ኢና። ‘ንዅሎም ኣሕዋት ኣጸቢቕና ነፍቅር’ እንተ ዄንና፡ ካብ ኣድልዎ ንርሕቕ ኢና።—1 ጴጥ. 2:17።
ተቐባል ጋሻ ኹን
14. ብመሰረት እብራውያን 13:16፡ ተቐበልቲ ጋሻ ኽንከውን ከለና፡ የሆዋ እንታይ ይስምዖ፧
14 ተቐበልቲ ጋሻ ኽንከውን ከለና፡ የሆዋ ይሕጐስ እዩ። (እብራውያን 13:16 ኣንብብ።) ምናዳ ንእተሸገሩ ምሕጋዝ፡ ክፍሊ ኣምልኾና ኸም ዝዀነ ገይሩ ይርእዮ እዩ። (ያእ. 1:27፣ 2:14-17) ስለዚ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ “ተቐበልቲ ጋሻ ኹኑ” ኢሉ የተባብዓና እዩ። (ሮሜ 12:13) ተቐበልቲ ጋሻ ኽንከውን ከለና፡ ንሰባት ናይ ሓቂ ፍቕርን ዕርክነትን ነርእዮም ኢና። ዘሎና እኽለ ማይ ንኻልኦት ከነማቕል ከለና፡ ወይ ግዜን ፍቕራዊ ቘላሕታን ክንህቦም ከለና፡ የሆዋ ባህ ይብሎ እዩ። (1 ጴጥ. 4:8-10) ኰይኑ ግና፡ ተቐበልቲ ጋሻ ንምዃን ዜኽብደልና ዕንቅፋታት ኪህሉ ይኽእል እዩ።
“ቀደም፡ ክንድቲ ተቐባሊት ጋሻ ኣይነበርኩን፣ ግናኸ፡ ተቐዪረ፡ ብዙሕ ሓጐስ እውን ረኺበ” (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)e
15-16. (ሀ) ገሊኦም ሰባት፡ ኣጋይሽ ካብ ምቕባል ዜድሓርሕሩ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ኢዲት ነቲ ተቐባሊት ጋሻ ኸይትኸውን ዘጋጠማ ዕንቅፋት ብኸመይ ሰጊራቶ፧
15 ብሰንኪ ዅነታትና፡ ተቐበልቲ ጋሻ ኻብ ምዃን ከነድሓርሕር ንኽእል ንኸውን። ንኣብነት፡ ኢዲት ንዝስማ መበለት እንታይ ከም እተሰምዓ እስከ ንርአ። ናይ የሆዋ ምስክር ቅድሚ ምዃና፡ ምስ ካልኦት ሰባት ክትቀራረብ ኣይትደልን እያ ነይራ። ካልኦት ሰባት ካብኣ ዝሓሹ ተቐበልቲ ጋሻ ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ይስምዓ ነይሩ እዩ።
16 ኢዲት ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ኰነት፡ ኣተሓሳስባኣ ቐየረት። ተቐባሊት ጋሻ ንምዃን ስጕምቲ ወሰደት። ብዛዕባኡ ኸምዚ ትብል፦ “ሓድሽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪህነጽ ከሎ፡ ሓደ ሽማግለ፡ ኣብቲ ፕሮጀክት ዚሕግዙ ሰብ ሓዳር ከም ዚመጹ ነጊሩኒ፣ ንኽልተ ሰሙን ምሳይ ኪቕንዩ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም እውን ሓቲቱኒ። ኣነ ድማ የሆዋ ነታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት ሰበይቲ ብኸመይ ከም ዝባረኻ ዘኪረ።” (1 ነገ. 17:12-16) ስለዚ፡ ኢዲት ነቶም ሰብ ሓዳር ክትቅበሎም ተሰማምዐት። እሞኸ ተባሪኻዶ፧ ብዛዕባ እዚ ኽትገልጽ ከላ፡ “እተን ክልተ ሰሙን ናብ ክልተ ወርሒ ተቐይረን። ኣብተን ግዜያት እቲአን፡ ናይ ቀረባ ምሕዝነት ኣማዕቢልና” ትብል። ብዘይካዚ ድማ፡ ኣብ ጉባኤ ናይ ቀረባ መሓዙት ረኺባ እያ። ሕጂ ፈላሚት ኰይና ተገልግል ኣላ፡ ነቶም መገላግልታ ኸኣ ባህ ኢልዋ ኣብ ገዛኣ ተአንግዶም እያ። “ምሃብ ጽቡቕ ስምዒት ይፈጥረለይ እዩ! ከም ምላሹ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ በረኸት እየ ዝረክብ” ትብል።—እብ. 13:1, 2።
17. ሉክን ሰበይቱን እንታይ እዮም ተገንዚቦም፧
17 ድሮ ኣጋይሽ እንቕበል ዘለና ኽንከውን ንኽእል ኢና፣ ግናኸ፡ ከነመሓይሽ ንኽእልዶ፧ ንኣብነት፡ ሉክን ሰበይቱን ተቐበልቲ ጋሻ እዮም። ንወለዶምን ንኣዝማዶምን ንናይ ቀረባ ኣዕሩኾምን ንሓላው ወረዳን ሰበይቱን ናብ ቤቶም ናይ ምዕዳም ልማድ ነይርዎም እዩ። ሉክ ግና፡ “ነቶም ዚቐርቡና ጥራይ ንዕድም ከም ዝነበረና ተገንዚብና” ይብል። እሞ ደኣ ሉክን ሰበይቱን ተቐበልቲ ጋሻ ኣብ ምዃን ብኸመይ ተመሓይሾም፧
18. ሉክን ሰበይቱን ተቐበልቲ ጋሻ ኣብ ምዃን ብኸመይ ተመሓይሾም፧
18 ሉክን ሰበይቱን ብዛዕባ እተን፡ “ነቶም ዜፍቅሩኹም እንተ ኣፍቂርኩም፡ እንታይ ዓስቢ ኣሎኩም፧” ዚብላ ቓላት የሱስ ምስ ኣስተንተኑ ኣረኣእያኦም ለወጡ። (ማቴ. 5:45-47) ነቲ ንዅሉ ለጋስ ዝዀነ የሆዋ ኺመስልዎ ኸም ዘለዎም ተገንዘቡ። ስለዚ፡ ኣቐዲሞም ዓዲሞምዎም ንዘይፈልጡ ኣሕዋትን ኣሓትን ኪዕድሙ ወሰኑ። ሉክ ከምዚ ይብል፦ “ሕጂ ዅላትና በቲ ብሓባር እነሕልፎ ግዜ ንሕጐስ ኢና። ኵላትና ንተባባዕን ንተሃናነጽን ኢና።”
19. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምዃንና ብኸመይ ኢና እነርኢ፧ ንስኻኸ እንታይ ክትገብር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧
19 ንሓድሕድና ኣጸቢቕና እንተ ተፋቒርና፡ እዚ ነገር እዚ ገበርቲ ሰላምን ዘይነዳሉን ተቐበልቲ ጋሻን ንምዃን ብኸመይ ከም ዚሕግዘና መርሚርና ኢና። እምበኣር፡ ንዝዀነ ኣሉታዊ ስምዒታት ክንሰግር፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን እውን ካብ ልቢ ኣጸቢቕና ኸነፍቅሮም ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ሕጉሳት ክንከውን ኢና፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምዃንና እውን ከነርኢ ኢና።—ዮሃ. 13:17, 35።
መዝሙር 88 ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ
a የሱስ፡ ፍቕሪ መለለዪ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምዃና ገሊጹ እዩ። ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ዘላትና ፍቕሪ፡ ገበርቲ ሰላምን ዘየዳልዉን ተቐበልቲ ጋሻን ክንከውን ትድርኸና እያ። እዚ ወትሩ ቐሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብ ልቢ፡ ንሓድሕድና ኸመይ ጌርና ኣጸቢቕና ኸም እንፋቐር ግብራዊ ሓሳባት ትህብ።
b ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።
c መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ ንእተፈጥረ ሽግር ንምፍታሕ ዝገበረቶ ፈተነ ኣብ ፈለማ ኣይዕወትን፣ ንሳ ግና ኣይትሕለልን። እቲ ብቐጻሊ ዝገበረቶ ጻዕሪ፡ ኣብ መወዳእታ ይዕወት።
d መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው፡ ካልኦት ኣብ ጉባኤኡ ዘለዉ ክርስትያናት ከም ዜግልልዎ ይስምዖ።
e መግለጺ ስእሊ፦ ኣብ ፈለማ ኣጋይሽ ንምቕባል ዘድሓርሓረት ሓብቲ፡ ኣተሓሳስባኣ ትቕይር፣ እቲ ለውጢ ድማ ተወሳኺ ሓጐስ የምጽኣላ።