ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb26 መጋቢት ገጽ 2
  • 2-8 መጋቢት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 2-8 መጋቢት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2026
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2026
mwb26 መጋቢት ገጽ 2

2-8 መጋቢት

ኢሳይያስ 41–42

መዝሙር 8ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. “ኣይትፍራህ”

(10 ደቒቕ)

የሆዋ “ኻብ ምብራቕ ጸሓይ” ንህዝቢ ራዕራዕ ዜብል የተንስእ (ኢሳ 41:2, 5፣ ip-2 20 ¶10-mwbr)

ኣምለኽቲ የሆዋ ኺፈርሁ የብሎምን (ኢሳ 41:10፣ ijwbv ዓንቀጽ 5 ¶4-7-mwbr)

የሆዋ ንህዝቡ ይሕግዞም (ኢሳ 41:13)


ንምስትንታን ዚኸውን፦ እቲ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 41 ዘሎ ትንቢት፡ ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት ብኸመይ ይጠቕሞም፧—w16.07 18 ¶4-5።

ዕዮና ኣብ እተኣገደላ ዓዲ ዚነብሩ ኣባላት ስድራ ቤት ብሓባር መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑ። እታ ኣደ ምስ ክልተ ደቃ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከላ፡ እቲ ኣቦ ብመስኰት ይሕሉ።

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • ኢሳ 41:8—የሆዋ፡ ኣብርሃም ፈታዊኡ ኸም ዝነበረ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (w01 1/10 20 ¶3)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) ኢሳ 42:1-13 (th መጽናዕቲ 11)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። እቲ ብዓል ቤት ወረቐት ዕደመ በዓል ዝኽሪ ይቕበልን ተገዳስነት የሕድርን። (lmd ትምህርቲ 6 ነጥቢ 4)

5. ዝርርብ ምጅማር

(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ንዘመድካ ናብ በዓል ዝኽሪ ዓድሞ፣ ኣብ ከባቢኡ ኣበይ ከም ዚብዓል ንምፍላጥ ድማ jw.org ተጠቐም። (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 5)

6. እምነትካ ምግላጽ

(5 ደቒቕ) መደረ። ijwbq ዓንቀጽ 60—ፍረ ነገር፦ ንፍርሂ ሞት ብኸመይ ከተሰንፎ ትኽእል፧ (th መጽናዕቲ 1)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 19

7. ቀዳም 7 መጋቢት ዝጅምር ወፈራ በዓል ዝኽሪ

(5 ደቒቕ) ብሽማግለ ዚቐርብ መደረ። ንፍሉይ መደረን ንበዓል ዝኽርን ብዚምልከት እተገብረ ምድላዋት ግለጽ። ኣስፋሕቲ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ኣብ መጋቢትን ኣብ ሚያዝያን ን15 ሰዓት ኬገልግሉ ኺመርጹ ኸም ዚኽእሉ ኣዘኻኽሮም።

8. ንመጋቢት እተዳለወት ውድባዊ ዕማማት

(10 ደቒቕ) ምይይጥ።

ነታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ቪድዮ ንዘሎ ሕቶታት ንሰማዕቲ ሕተቶም።

9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) lfb ትምህርቲ 66-67

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 110ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ