ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb26 ጥሪ ገጽ 2-16
  • 5-11 ጥሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 5-11 ጥሪ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2026
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2026
mwb26 ጥሪ ገጽ 2-16

5-11 ጥሪ

ኢሳይያስ 17–20

መዝሙር 153ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. “ግደ እቶም ዚዝርፉና”

(10 ደቒቕ)

መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት ምስ ዚናወጽ ባሕሪ የመሳስሎም (ኢሳ 17:12፣ w18.06 7 ¶16)

ብምኽንያት ገለልትነትና ኻብዛ ዓለም ግፍዒ ኼጋጥመና ንጽበ ኢና (ዮሃ 15:18, 19፣ w16.04 28 ¶4)

የሆዋ ኣብ ቀረባ ግዜ ኻብቶም “ዚዝርፉና” ኼድሕነና እዩ (ኢሳ 17:13, 14፣ ip-1 198 ¶20-mwbr)

ሓደ ሓው ኣብ ሸላ ዀይኑ ኣበርቲዑ ይጽሊ። ኣብ ግዳም ድማ፡ ሓደ ሓላዊ ብረት ሒዙ ደው ኢሉ።

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • ኢሳ 20:2—ኢሳይያስ ብሓቂዶ ንሰለስተ ዓመት ምሉእ ብምሉእ ጥራይ ዝባኑ ዀይኑ እዩ ዚኸይድ ነይሩ፧ (w06 1/12 11 ¶1)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) ኢሳ 19:1-12 (th መጽናዕቲ 11)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ንሓደ ብዓል ሓዳር ካብቲ ኣብ ብሮሹር ሰባት ኣፍቅር፡ መመላእታ ጽሑፍ ሀ ዘሎ ሓንቲ ሓቂ ኣካፍሎ። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 3)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። (lmd ትምህርቲ 8 ነጥቢ 4)

6. መደረ

(5 ደቒቕ) lmd መመላእታ ጽሑፍ ሀ ነጥቢ 14—ፍረ ነገር፦ ኣምላኽ ናብኡ ኽንጽሊ ይደልየና እዩ። (th መጽናዕቲ 8)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 148

7. ‘ንኸውሒ ዕርድኻ ዘክሮ’

(10 ደቒቕ) ምይይጥ።

የሆዋ ኸውሒ ዕርድና እዩ። (ኢሳ 17:10) ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዚዕቈቡ የድሕኖም እዩ። (መዝ 144:1, 2) የሆዋ ንዜጋጥመና ተቓውሞ ዅሉ ግዜ ደው ዘየብሎ እኳ እንተዀነ፡ ከም ፈተውቱ መጠን ንኽንጻወር ዜድልየና ዘበለ ይህበና እዩ።—1ቈረ 10:13።

“ካብ ኣዕሩኽ የሆዋ ተምሃር—ሓናንያን ሚሻኤልን ዓዛርያን” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ሓናንያን ሚሻኤልን ዓዛርያን ንምስሊ ነቡካድነጻር ምስጋድ ይኣብዩ። ነቡካድነጻር ኪሕዝዎም ብቝጥዓ ይእዝዝ።

ንየሆዋ ኸም እንዝክሮ እነርእየሉ ሓደ መገዲ ንዕኡ ብምእዛዝ እዩ። ነታ ኻብ ኣዕሩኽ የሆዋ ተምሃር—ሓናንያን ሚሻኤልን ዓዛርያን ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣቐዲምካ ንዝሓረኻዮም ቈልዑ (እንተ ኣልዮም) ናብ መድረኽ ዓዲምካ፡ ወይ ንሰማዕቲ ሕተቶም፦

  • የሆዋ ንኣዕሩኹ ዘድሓኖም ብኸመይ እዩ፧—ዳን 3:24-28

  • ሓናንያን ሚሻኤልን ዓዛርያን ኣዕሩኽ የሆዋ ምዃኖም ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧

  • ንየሆዋ ኽትእዘዞ ዚኸብደካ መዓስ እዩ፧

  • ንየሆዋ ምእንቲ ኽትእዘዞ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

8. መዓልቲ መዓልቲ ኻብ ኣዕሩኽ የሆዋ ተምሃር

(5 ደቒቕ) ምይይጥ።

ስእልታት ገጸ ባህርይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብታ “ካብ ኣዕሩኽ የሆዋ ተምሃር” ዘርእስታ ተኸታታሊት ቪድዮ። ኣብታ ተኸታታሊት ቪድዮ ዓብዪ መጽሓፍ ቅዱስ ተገንጺሉ ኣብ ጥቓኡ ድማ እቲ ዜዘንቱ ሰብ ደው ኢሉ ይርአ።

እታ ኻብ ኣዕሩኽ የሆዋ ተምሃር ዘርእስታ ተኸታታሊት ቪድዮ ነቶም ምንባብ ዚምሃሩ ዘለዉ ቘልዑ እያ ተዳልያ። ንቘልዑ ብዛዕባ ፈተውቲ የሆዋ ትምህሮም እያ። ‘መዓልቲ መዓልቲ ኻብ ኣዕሩኽ የሆዋ ኺምሃሩ’ እተተባብዕ ድማ እያ።

  • መዓልቲ መዓልቲ ብዛዕባ የሆዋን ኣዕሩኹን ክትምሃር ግዜ ኽትምድብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

  • ብዛዕባ ኣየናይ ገጸ ባህርይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢኻ ብዝያዳ ኽትምሃር እትደሊ፧ ስለምንታይከ፧

9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) lfb ትምህርቲ 50፡ መእተዊ 9ይ ክፋል ከምኡ እውን ትምህርቲ 51

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 73ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ