ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb25 ግንቦት ገጽ 15-16
  • 30 ሰነ–6 ሓምለ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 30 ሰነ–6 ሓምለ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
mwb25 ግንቦት ገጽ 15-16

30 ሰነ–6 ሓምለ

ምሳሌ 20

መዝሙር 131ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. መፍትሕ ዕዉት ውረዛ

(10 ደቒቕ)

ብዛዕባ ውረዛ ኸም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣርኣእያ ይሃሉኻ (ምሳ 20:24, 25፣ w24.05 26-27 ¶3-4)

ውረዛ ቕድሚ ምጅማርካ ነቲ ሰብ ተዓዘቦ (ምሳ 20:18፣ w24.05 22 ¶8)

ኣብ እዋን ውረዛ ጽቡቕ ጌርኩም ተፋለጡ (ምሳ 20:5፣ w24.05 28 ¶7-8)

ኣብ ወረዘ ዘለዉ ወድን ጓልን፡ ኣብ እዋን ምትእኽኻብ ፍልይ ኢሎም ኮፍ ኢሎም። ባህ ኢልዎም ኬዕልሉ ኸለዉ፡ ካልኦት ድማ ኣብ ድሕሪኦም ብሓባር ይዘናግዑ።

ዘክር፦ ውጽኢት ዕዉት ውረዛ መርዓ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጽቡቕ ውሳነ ምግባር እዩ።

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • ምሳ 20:27—‘ትንፋስ ሰብ መብራህቲ የሆዋ’ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (it-2 196 ¶7)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) ምሳ 20:1-15 (th መጽናዕቲ 5)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። እቲ ብዓል ቤት ኣብ ቀረባ ግዜ ኻብ ካልእ ሃገር ከም ዝመጸ ይነግረካ። (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 3)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። ነቲ ሰብ ብዛዕባ ኣፕሊኬሽን JW Library® ንገሮ፡ ኣብ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒኡ ኺጽዕኖ ድማ ሓግዞ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 5)

6. እምነትካ ምግላጽ

(4 ደቒቕ) መርኣያ። ijwbq ዓንቀጽ 159—ፍረ ነገር፦ እንስሳታት ናብ ሰማይ ይኸዱ ድዮም፧ (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 4)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 78

7. ካልኦት ንትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪፍትንዎ ኣተባብዓዮም

(5 ደቒቕ) ምይይጥ።

ካልኦት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጅምሩ ምግባር፡ ኣገዳሲ ኽፋል ኣገልግሎትና እዩ። እወ፡ ንሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ዘየጀሚርናዮም፡ ብኸመይ ደኣ ደቀ መዛሙርቲ ኪዀኑ ይኽእሉ፧ (ሮሜ 10:13-15) ኣብ በቤት ከተገልግል ከለኻ፡ ወትሩ ስለምንታይ ቀጥታዊ ኣቀራርባ ዘይትጥቀም፧ ፈለማ፡ ነቲ ብዓል ቤት ዚስሕቦ ርእሰ ነገር ክትፈልጥ ጽዓር። ድሕሪኡ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሕቶታቱ ብኸመይ ከም ዚምልሰሉን ብኸመይ ግብራዊ ሓገዝ ከም ዚረክብን ኣርእዮ።

ኣብ ቀንዲ ገጽ jw.org እትርከብ “ነዚ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ፈትኖ” እትብል ሊንክ።

እታ ኣብ jw.org እትርከብ “ነዚ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ፈትኖ” እትብል ሊንክ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ክትሕግዘካ ትኽእል እያ።

  • ነታ “ነዚ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ፈትኖ” እትብል ሊንክ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ብኸመይ ክትጥቀመላ ትኽእል፧

  • ኣብ ክልኻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ውጽኢታዊ ዀይኑ ዝረኸብካዮ ሜላ እንታይ እዩ፧

8. ንሰነ እተዳለወ ውድባዊ ዕማማት

(10 ደቒቕ) ነታ ቪድዮ ወልዓያ።

9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 28 ¶8-15

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 150ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ