ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb25 መጋቢት ገጽ 2-16
  • 3-9 መጋቢት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 3-9 መጋቢት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
mwb25 መጋቢት ገጽ 2-16

3-9 መጋቢት

ምሳሌ 3

መዝሙር 8ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ብየሆዋ ኸም እትእመን ኣርኢ

(10 ደቒቕ)

ብየሆዋ ደኣ እምበር፡ ብገዛእ ርእስኻ ኣይትተኣመን (ምሳ 3:5፣ ijwbv ዓንቀጽ 14 ¶4-5)

ንመምርሒታት የሆዋ ብምድላይን ብምስዓብን ኣብኡ ኸም እትውከል ኣርኢ (ምሳ 3:6፣ ijwbv ዓንቀጽ 14 ¶6-7)

ብገዛእ ርእስኻ እምብዛ ኣይትተኣማመን (ምሳ 3:7፣ be 76 ¶4)

ሓንቲ ጐርዞ ሸቶ ንምውጻእ ብታብለታ ምርምር ትገብር። ኣብ ጸጋም ሸነኽ ብዛዕባ ዓለማዊ ስራሕ ዚገልጽ ብሮሹራት። ብሸነኽ የማን ድማ ኣብ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ንምስፋሕ ዚኸውን መመልከትን ብዛዕባ ቤት-ኤል ዚገልጽ ሓበሬታን ኣሎ።

ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወተይ መምርሒታት የሆዋ እደሊ ድየ፧’

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • ምሳ 3:3—ብተኣማንነት ዝርአ ፍቕርን ተኣማንነትን ኣብ ክሳድና ኽንኣስሮን ኣብ ጽላት ልብና ኽንጽሕፎን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (w06 15/9 17 ¶7)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) ምሳ 3:1-18 (th መጽናዕቲ 12)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ልሙድ ንዝዀነ ተቓውሞ ምላሽ ሃበሉ። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 5)

5. ዝርርብ ምጅማር

(4 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። ነቲ ሰብ ብዛዕባ jw.org ንገሮ፡ ካርድ ኣድራሻ ድማ ሃቦ። (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 3)

6. መደረ

(5 ደቒቕ) w11 15/3 14 ¶7-10—ፍረ ነገር፦ ዘይግዱስ ሰብ ኬጋጥመካ ኸሎ ኣብ ኣምላኽ ከም እትውከል ኣርኢ። (th መጽናዕቲ 20)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 124

7. ብውድብ የሆዋ ኸም እትተኣማመን ኣርኢ

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ነቲ ኣብቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሓፈ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መምርሒታት ክንተኣማመነሉ ቐሊል ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ንመምርሒታት እቶም ኣብ ውድብ የሆዋ ዚመርሑና ዘለዉ ኽንተኣማመነሉ ይኸብደና ይኸውን፡ ብፍላይ ድማ እቲ መምርሒ ዘይተረድኣና ወይ ዘይንሰማምዓሉ ምስ ዝኸውን።

ሚልክያስ 2:7 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • የሆዋ፡ ህዝቡ ንምምራሕ ዘይፍጹማት ሰባት ዚጥቀም ምዃኑ ኼደንቐና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

ማቴዎስ 24:45 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • ነቲ ኻብ ውድብ የሆዋ ዚውሃበና መምርሒታት እንተኣማመነሉ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

እብራውያን 13:17 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • ምስ ውሳነ እቶም የሆዋ ንኺመርሑና ኢሉ ኣሚኑ ሓላፍነት ዝሃቦም ሰባት ኽንሰማማዕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ሓደ ሓው ንሓንቲ ስድራ ቤት ምግቢ የብጽሕ። ኵሎም ድማ ማስኬራ ገይሮምን ካብ ርሕቀት ሰላም ይብልዎን።
ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ኣኼባ ጉባኤ ሓሳብ ትህብ። ሓደ ሓው ከኣ ማይክሮፎን ሒዙላ። ኵሎም ተኣከብቲ ማስኬራ ገይሮም።

ነታ እዋናዊ ሓበሬታ ኣመሓዳሪ ኣካል 2021—ቍ. 9—ቝንጽል ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • እቲ ኣብ እዋን ለበዳ እተዋሃበ መምርሒታት፡ ኣብ ውድብ የሆዋ ንዘሎካ ምትእምማን ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 23 ¶9-15፡ ኣብ ገጽ 184, 186 ዘሎ ሳጹናት

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 57ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ