ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb25 ጥሪ ገጽ 14-15
  • 24 ለካቲት–2 መጋቢት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 24 ለካቲት–2 መጋቢት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
mwb25 ጥሪ ገጽ 14-15

24 ለካቲት–2 መጋቢት

ምሳሌ 2

መዝሙር 35ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ጽዑቕ ብሕታዊ መጽናዕቲ ኽትገብር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

(10 ደቒቕ)

ንሓቂ ኣድናቖት ንምርኣይ (ምሳ 2:3, 4፣ w22.08 19 ¶16)

ጽቡቕ ውሳነ ንምግባር (ምሳ 2:5-7፣ w22.10 19 ¶3-4)

እምነትካ ንምድልዳል (ምሳ 2:11, 12፣ w16.09 23 ¶2-3)

ሓደ እስራኤላዊ ኣብ ውሽጢ ብዓቲ ይዅዕት።

ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ብሕታዊ መጽናዕቲ ናይ ምግባር ልማደይ ብኸመይ ከመሓይሾ እኽእል፧’

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • ምሳ 2:7—የሆዋ ነቶም “ብንጽህና ዚመላለሱ” ዋልታ ዚዀኖም በየናይ መገዲ እዩ፧ (it-1 1211 ¶4)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) ምሳ 2:1-22 (th መጽናዕቲ 12)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ነቲ ብዓል ቤት ንሰብ ሓዳር ዝኸውን ሓጋዚ ሓበሬታ ኻብ jw.org ብኸመይ ከም ዚረክብ ኣርእዮ። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 3)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(3 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ኣብ ዝሓለፈ ምይይጥኩም ዘገደሶ ርእሰ ነገር፡ ዝሓዘት መጽሔት ኣበርክተሉ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 3)

6. መደረ

(5 ደቒቕ) lmd መመላእታ ጽሑፍ ሀ ነጥቢ 8—ፍረ ነገር፦ ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም እሙናት ኪዀኑ ይግባእ። (th መጽናዕቲ 13)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 96

7. ንሕቡእ መዛግብቲ ሃለው ትብል ዲኻ፧

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ኣቱም መንእሰያት፡ ሕቡእ መዛግብቲ ምድላይ ትፈትዉዶ፧ ትፈትዉ እንተ ዄንኩም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዩኒቨርስ ዝለዓለ ዋጋ ንዘለዎ ማለት፡ ንፍልጠት ኣምላኽ ሃለው ክትብሉ ይዕድመኩም ኣሎ። (ምሳ 2:4, 5) ንስሩዕ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ግዜ ብምምዳብን ኣብቲ ዘንበብኩምዎ ዅዕታ ብምግባርን ነዚ መዛግብቲ ኸተጥርይዎ ትኽእሉ ኢኹም። ከምኡ እንተ ጌርኩም ኽትሕጐሱን ዓስቢ ኽትረኽቡን ኢኹም።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ ንርእስኻ ነየናይ ሕቶታት ክትሓትታ ትኽእል፧ (w24.02 32 ¶2-3)

  • መልስታት ንምርካብ ነየናይ ናውቲ ኽትጥቀም ትኽእል፧

ክዳውንቲ ዳህሰስቲ እተኸድነ ንእሽቶ ወዲ፡ መዛግብቲ ዝሓዘ ሳጹን ተሓጒሱ ይኸፍት።

እቲ ኻብ ኣዕሩኽ የሆዋ ተምሃር ዘርእስቱ ተኸታታሊ ቪድዮታት፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብካዮ ብኸመይ ከም እተስተንትነሉ ኺሕግዘካ እዩ።

ሓደ መንእሰይ ሓው ብሕታዊ መጽናዕቲ ይገብር። እታ “ዎዝ ላይፍ ክሪኤትድ፧” እትብሃል ብሮሹር ድማ ኣብ ሰደቓኡ ኣላ።

ነታ ኻብ ኣዕሩኽ የሆዋ ተምሃር—ኣቤል ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ።

ዘፍጥረት 4:2-4ን እብራውያን 11:4ን ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • ኣቤል፡ ዓርኪ የሆዋ ኸም ዝዀነ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

  • ኣቤል ኣብ የሆዋ ዘለዎ እምነት ዘደልደለ ብኸመይ እዩ፧

  • እምነትካ ብኸመይ ከተደልድል ትኽእል፧

ምኽሪ

መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ኣብኡ እተጠቕሱ ሰባት፡ ቦታታት፡ ነገራት፡ ነቲ ኣጸቢቕካ እትፈልጦ እውን ከይተረፈ ምርምር ግበረሉ። መጽሓፍ ቅዱስ በዚ መገዲ እዚ ምስ እተጽንዕ፡ እቲ ዘንበብካዮ ህያው ኪዀነልካ እዩ።

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 23 ¶1-8 ኸምኡ እውን፡ መእተዊ 8ይ ክፋል

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 102ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ