ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb25 ጥሪ ገጽ 2-3
  • 6-12 ጥሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 6-12 ጥሪ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2025
mwb25 ጥሪ ገጽ 2-3

6-12 ጥሪ

መዝሙር 127–134

መዝሙር 134ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ኣቱም ወለዲ ንኽቡራት ውሉዳትኩም ተኸናኸንዎም

(10 ደቒቕ)

ወለዲ ስድራኦም ዜድልያ ነገር ኣብ ምምላእ ዚገብርዎ ጻዕሪ የሆዋ ኸም ዚሕግዞም ኪተኣማመኑ ይኽእሉ እዮም (መዝ 127:1, 2)

ውሉዳት፡ ክቡር ውህበት የሆዋ እዮም (መዝ 127:3፣ w21.08 5 ¶9)

ንነፍሲ ወከፍ ደቅኹም ከከም ዜድልዮም ኣሰልጥንዎም (መዝ 127:4፣ w19.12 26 ¶20)

ሓደ ኣቦ በታ “ንዓይ ዚኸውን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ” ዘርእስታ ብሮሹር ገይሩ ንኽልተ ንኣሽቱ ደቁ ይምህሮም። እቶም ደቁ ድማ ኣብ ገነት ምስ ሓርማዝን ጎሪላን ኪጻወቱ ኸለዉ ብኣእምሮኦም ይስእሉ።

የሆዋ፡ ወለዲ ኣብኡ ኺውከሉን ደቆም ንምክንኻን ዚከኣሎም ኪገብሩን ከለዉ ይሕጐስ እዩ

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 128:3—እቲ ዘማሪ ንቘልዑ ምስ ጨናፍር ኦም ኣውልዕ ዜነጻጽሮም ስለምንታይ እዩ፧ (it-1 543)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) መዝ 132:1-18 (th መጽናዕቲ 2)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 3)

5. ዝርርብ ምጅማር

(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። እቲ ሰብ ምስ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ እምነቱ ይገልጽ። (lmd ትምህርቲ 5 ነጥቢ 4)

6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

(5 ደቒቕ) lff ትምህርቲ 16 ነጥቢ 4-5። ተምሃራይካ ኣብ ዘይትህልወሉ እዋን መጽናዕቱ ምእንቲ ኪቕጽል ብዛዕባ ዝገበርካሉ ምትዕርራይ ተመያየጡ። (lmd ትምህርቲ 10 ነጥቢ 4)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 13

7. ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ብኣብነትኩም ምሃርዎም

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ውድብ የሆዋ፡ ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ የሆዋ ንምምሃር ዚሕግዝ ማእለያ ዘይብሉ ሕታማት ኣዳልያ ኣላ። እንተዀነ ግና፡ ወለዲ ንደቆም ዚምህሩሉ እቲ ብሉጽ መገዲ፡ ኣብነት ብምዃን እዩ።—ዘዳ 6:5-9።

የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ንምምሃር ነዚ ብሉጽ መገዲ እዩ ተጠቒሙ።

ዮሃንስ 13:13-15 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • የሱስ ብኣብነቱ ምምሃሩ ውጽኢታዊ ዝዀነ ስለምንታይ ይመስለካ፧

ከም ወለዲ መጠን ነቲ ንደቅኹም ብቓል እትነግርዎም፡ ተግባርኩም የራጕዶ እዩ። ብዘይካዚ፡ ጽቡቕ ኣብነትኩም ነቲ እትምህርዎም ኣኽብሮት ኬማዕብሉን ንኺሰምዕኹም ኪድረኹን የኽእሎም እዩ።

ስእልታት፦ “ንደቅና ብኣብነትና ንምሃሮም” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። 1. ስድራ ቤት ጋርሲያ ብማኪናኦም ናብ ኣኼባታት ኪኸዱ ተዳልዮም። 2. እታ ስድራ ቤት ካብ ኣኼባ ምስ ተመልሰት ኣብ ዙርያ ሰደቓ ኾፍ ኢላ። የዕልሉን ጠዓሞት ይበልዑን። 3. ሓውና ጋርሲያ መጽናዕቲ ደው ኣቢሉ ምስ ጓሉ የዘራርባ። 4. እቶም ወለዲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ንጓሎም የርድኡዋ።

ነታ ንደቅና ብኣብነትና ንምሃሮም። ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • እንዳ ሓውና ጋርሲያ ንደቆም እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዮም ምሂሮመን፧

  • ወለዲ ንደቅኹም ጽቡቕ ኣብነት ብምዃን ዝመጸ ኻብዛ ቪድዮ እንታይ ተማሂርኩም፧

ብኣብነትኩም ንውሉዳትኩም ነዚ ዚስዕብ ክትምህርዎም ትኽእሉ ኢኹም፦

  • ብምዝንጋዕን ብኣጠቓቕማ ኣልኮላዊ መስተን ብኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸብን ዝመጸ ጽቡቕ ውሳነ ምግባር

  • ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ምሃብ

  • ንመጻምድቲ ብፍቕርን ብኣኽብሮትን ምሓዝ

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 20 ¶13-20

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 73ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ