ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb24 ግንቦት ገጽ 2-3
  • 6-12 ግንቦት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 6-12 ግንቦት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2024
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2024
mwb24 ግንቦት ገጽ 2-3

6-12 ግንቦት

መዝሙር 36–37

መዝሙር 87ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. “ብእኩያት ኣይትሕረቕ”

(10 ደቒቕ)

እኩያት ሰባት ስቓይን ጭንቀትን የውርዱልና (መዝ 36:1-4፣ w17.04 10 ¶4)

“ብእኩያት” ቅሬታ ምሓዝ ጐዳኢ እዩ (መዝ 37:1, 7, 8፣ w22.06 10 ¶10)

ኣብ ተስፋታት የሆዋ ምስ እንእመን ሰላም ንረክብ (መዝ 37:10, 11፣ w03 1/12 14 ¶20)

ሓንቲ እተጨነቐት ሓብቲ ብሞባይላ ዜና ተንብብ። እተቘጥዑ ተቓወምቲ፡ ጉቦ ዚቕበል ፖሊስ፡ ዚትኵሱ ወተሃደራት፡ ኣብ ደው መበሊ ማካይን ብረት እተዓጥቀ ሰብኣይ፡ ዚዘምቱ ሰረቕቲ፡ ናዕቢ፡ ድሕሪ ሓደጋ ማኪና ቐዳማይ ረድኤት ዚህቡ ትርኢ።

ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ኣብ ዜና ንዚቐርብ እኩይ ተግባራት ብዙሕ ኣቓልቦ እገብረሉ ድየ፧’

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 36:6—እቲ ዘማሪ፡ ጽድቂ የሆዋ፡ “ግርማ ኸም ዘለዎ ኣኽራን” [ወይ “ከም ኣኽራን ኣምላኽ” እ.ጽ.] ምዃኑ ኺዛረብ ከሎ፡ እንታይ ማለቱ ኪኸውን ይኽእል፧ (it-2 445)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) መዝ 37:1-26 (th መጽናዕቲ 10)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 5)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ንሓደ ቕድሚ ሕጂ ግዱስ ዘይነበረ ሰብ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብር ዓድሞ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 4)

6. መደረ

(5 ደቒቕ) ijwbv 45-E—ፍረ ነገር፦ ትርጉም መዝሙር 37:4 እንታይ እዩ፧ (th መጽናዕቲ 13)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 33

7. “ንግዜ ጭንቂ” ተዳሊኻ ዲኻ፧

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ብምኽንያት ባህርያውን ሰብ ዚሰርሖን ሓደጋ፡ ሰቦምን ጥሪቶምን ይስእኑ እዮም። (መዝ 9:9, 10) እቲ ዜሕዝን ድማ፡ “ግዜ ጭንቂ” ኣብ ዝዀነ እዋን ኬጋጥም ይኽእል እዩ፣ ስለዚ፡ ንኸምዚ ዓይነት ፈተና ኽንዳሎ የድልየና እዩ።

ብኣካላዊ መዳይ ምድላውa ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሓደጋ ምስ ዜጋጥም ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ እንታይ ካልእ ነገራት ኪሕግዘና ይኽእል፧

  • ብኣእምሮኻ ተዳሎ፦ ሓደጋ ኸም ዜጋጥም ፍሉጥ እዩ፡ እንተ ኣጋጢሙ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ሕሰብ። ኣብ ስጋዊ ጥሪትካ እምብዛ ኣይተተኵር። ከምኡ ምግባርካ፡ ጥበባዊ ስጕምቲ ኽትወስድ፡ ኣብ ክንዲ ስጋዊ ጥሪትካ ህይወትካን ህይወት ካልኦትን ከተድሕን ኪሕግዘካ እዩ። (ዘፍ 19:16፣ መዝ 36:9) ብዘይካዚ፡ ሓደጋ ድሕሪ ምግጣሙ፡ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ትጽቢት ኪህልወካን ስጋዊ ጥሪትካ ብምጥፋኡ ንዚመጽእ ጓሂ ኽትንክን ኪሕግዘካ እዩ።—መዝ 37:19

  • ብመንፈሳዊ መዳይ ተዳሎ፦ የሆዋ ኺከናኸነካ ኽእለትን ድሌትን ከም ዘለዎ፡ ንዘሎካ ምትእምማን ኣደልድሎ። (መዝ 37:18) ሓደጋ ቕድሚ ምግጣሙ፡ ዋላ እውን ‘ንህይወትና ኸም ምርኮ’ ጥራይ ከነድሕና እንተ ኸኣልና፡ የሆዋ ንዓና ንኣገልገልቱ፡ ከም ዚመርሓናን ከም ዚድግፈናን ንገዛእ ርእስኻ ብቐጻሊ ኣዘኻኽራ።—ኤር 45:5፣ መዝ 37:23, 24

የሆዋ ተስፋታቱ ኸም ዚፍጽም ንተኣማመን እንተ ዄንና፡ ‘ብግዜ ጭንቂ ዕርድና’ ኽንገብሮ ኢና።—መዝ 37:39።

ስእልታት፦ “ንሓደጋ ተዳሊኻ ዲኻ፧” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። 1. ሓደ ሓው መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ። 2. ማዕበል ሱናሚ። 3. ብርቱዕ ዝናም። 4. ኣብ ምዕልቕላቕ ማይ ኣቕሑ እተሸከሙ ሰባት።

ነታ ንሓደጋ ተዳሊኻ ዲኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • የሆዋ ኣብ ግዜ ጭንቂ ኺሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

  • ንሓደጋ ምእንቲ ኽንዳሎ እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ክንወስድ ንኽእል፧

  • ነቶም ብሓደጋ እተጐድኡ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

ሸቶ

  • መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብን ከተጽንዕን ከለኻ፡ ንርእስኻን ንኻልኦትን ዜጸናንዕ ጥቕስታት መዝግብ። ኣብ JW Library® ኣፕሊኬሽን ንእትደልየን ጥቕስታት ጠዊቕካ፡ መዘኻኸሪታት ምሓዝ ጠቓሚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ከም መርኣያ ዚዀነካ ገለ ዝርዝር ጥቕስታት እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ “መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ባህርያዊ ሓደጋ እንታይ ይብል፧” ዘርእስታ፡ ኣብ jw.org እትርከብ ዓንቀጽ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 9 ¶8-16

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 57ን ጸሎትን

a ንቕሑ! 2017 ቍ 5 ኣብ ገጽ 4-6 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ