ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb24 መጋቢት ገጽ 9-16
  • 1-7 ሚያዝያ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 1-7 ሚያዝያ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2024
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2024
mwb24 መጋቢት ገጽ 9-16

1-7 ሚያዝያ

መዝሙር 23–25

መዝሙር 4ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. “የሆዋ ጓሳይየይ እዩ”

(10 ደቒቕ)

የሆዋ ይመርሓና (መዝ 23:1-3፣ w11 1/5 31 ¶3)

የሆዋ የዕቍበና (መዝ 23:4፣ w11 1/5 31 ¶4)

የሆዋ ይምግበና (መዝ 23:5፣ w11 15/1 31 ¶5)

ሓደ ጓሳ ንሓንቲ ዕየት ሓቚፉ የደዓዕሳ።

ከምቲ ፈቃር ጓሳ ንኣባጊዑ ዚሓልየለን የሆዋ እውን ንኣገልገልቱ ይሓልየሎም እዩ።

ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘የሆዋ ብብሕቲ ዝሓለየለይ ብኸመይ እዩ፧’

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 23:3—“መገድታት ጽድቂ” እንታይ እዩ፧ ካብኡ ኸይነላግስከ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (w11 15/2 24 ¶1-3)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) መዝ 23:1–24:10 (th መጽናዕቲ 5)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ብዛዕባ ኣካባቢ ኸም ዜተሓሳስቦ ንዝነገረካ ሰብ እተተባብዕ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብበሉ። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 5)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ንብሮሹር ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ንእተቐበለ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚምራሕ ኣርእዮ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 3)

6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

(5 ደቒቕ) lff ትምህርቲ 14 ነጥቢ 4 (lmd ምህርቲ 11 ነጥቢ 3)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 54

7. “ንድምጺ ጓና ንንጸጎ”

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ሓደ ጓሳን ሓደ ጓናን ንሕደ መጓሰ ይጽውዑ። እተን ኣባጊዕ ግና ንድምጺ ጓሳአን ሰሚዐን ይስዕባኦ።

ኣባጊዕ ንድምጺ ጓሳአን ይፈልጣኦን ይስዕባኦን እየን። ብኣንጻሩ ድማ ካብ ዘይፈልጣኦ ድምጺ ጓና ይሃድማ እየን። (ዮሃ 10:5) ብተመሳሳሊ ንሕና እውን ድምጺ እቶም ፈቃራትን እሙናትን መንፈሳዊ ጓሶትና ዝዀኑ የሆዋን የሱስን ንሰምዕ ኢና። (መዝ 23:1፣ ዮሃ 10:11) “ብቓል ጥበራ” ንእምነትና ኼዳኽሙ ኻብ ዚፍትኑ ድምጺ ጓኖት ግና ንርሕቕ ኢና።—2ጴጥ 2:1, 3።

ዘፍጥረት ምዕራፍ ሰለስተ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ንፈለማ እዋን እተሰምዐ ድምጺ ጓና ትገልጽ እያ። ሰይጣን ናይ ሓቂ መንነቱ ሓቢኡ፡ ንሄዋን ኣታሊልዋ እዩ። ፈታዊኣ መሲሉ ብምቕራብ፡ ንቓላትን ንድራኸን የሆዋ ጠውይዎ እዩ። እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ሄዋን ስለ ዝሰምዓቶ ንሳን ስድራኣን ናብ ዜስካሕክሕ መከራ ተሸሚሞም እዮም።

ሎሚ ሰይጣን ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ውድቡን ብኣሉታዊ ጸብጻብን ብፍርቂ ሓቅን ብውጹእ ሓሶትን ኣቢሉ ጥርጣረ ይዘርእ እዩ። ድምጺ ጓና ምስ እንሰምዕ ክንሃድም ኣሎና። ከመይሲ፡ ብሃንደበት ዝሰማዕናዮ ነገር እኳ፡ ሓደጋ ኣለዎ። ኣብቲ ሰይጣን ንሄዋን ንምትላል ዝገበሮ ሓጺር ዝርርብ፡ ክንደይ ቃላት እተጠቕመ ይመስለካ፧ (ዘፍ 3:1, 4, 5) ሰብና ኻብ ቅኑዕ ድራኸ ተበጊሱ ብዛዕባ ውድብ የሆዋ ኣሉታዊ ሓበሬታ ኼካፍለና ምስ ዚደሊ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

ነታ ን“ድምጺ ጓና” ንጸጎ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

ካብቲ ጄድ ዘይኣማኒት ኣዲኣ ብዛዕባ ውድብ የሆዋ፡ ኣሉታዊ ሓበሬታ ኽትነግራ ምስ ደለየት ዝሃበቶ ምላሽ እንታይ ተማሂርካ፧

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 8 ¶1-4፡ ኣብ ገጽ 61-62 ዘሎ ሳጹናት

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 55ን ጸሎት

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ