ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb23 ጥሪ ገጽ 7
  • ንህጹጽ ሕክምና ሕጂ ተዳሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንህጹጽ ሕክምና ሕጂ ተዳሎ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ክሳዕ ሕጂ ኣይመላእካዮን ዲኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ኣማራጺታትካ ትፈልጥ ዲኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ካብ ደም ንኽንክልከል ዚሕግዝ ሓድሽ ምድላው
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ኣማራጺታትካ ትፈልጥ ዲኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
mwb23 ጥሪ ገጽ 7

ክርስትያናዊ ህይወት

ንህጹጽ ሕክምና ሕጂ ተዳሎ

ክትዳሎ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ህጹጽ ሕክምናን ኣብ ሆስፒታል ምእታውን ሃንደበት ዜጋጥም ነገር እዩ። እምበኣር፡ ህጹጽ ኵነታት ቅድሚ ምግጣሙ፡ ብሉጽ ሕክምና ምእንቲ ኽትረክብ፡ ነቲ ቐሪቡ ዘሎ መሰናድዎታት ምሉእ ብምሉእ ተጠቐመሉ። ከምዚ ብምግባር፡ ንህይወትን ነቲ የሆዋ ንደም ዚምልከት ዘውጽኦ ሕግን ኣኽብሮት ከም ዘሎካ ኸተርኢ ኢኻ።—ግብ 15:28, 29።

ንኽትዳሎ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ብጸሎትን ብጥንቃቐን ንካርድ መምርሒታት ክንክን ጥዕና (DPA) ኽንመልኦ ኣሎና።a እተጠምቁ ኣስፋሕቲ፡ ንዓታቶም ካርድ መምርሒ ሕክምና (DPA) ንደቆም ድማ መንነት ወረቐት (ic) ካብ ኣገልጋሊ ጽሑፋት ኪወስዱ ይኽእሉ እዮም።

  • ጥንስቲ እንተ ደኣ ዄንኪ፡ ኢንፎርሜሽን ፎር ኤክስፕክታንት ማዘርስ (S-401) ዚብል ቅዳሕ ንሽማግለታት ክትሓትትዮም ትኽእሊ ኢኺ። እዚ ሰነድ እዚ፡ ኣብ እዋን ጥንሲ ዀነ ኣብ እዋን ወሊድ ንዚልዓል ሕክምናዊ ሕቶታት ጽቡቕ ውሳነ ኽትገብሪ ኺሕግዘኪ ይኽእል እዩ።

  • ምስ ደም ወይ ኣብ ሆስፒታል ምስ ምድቃስ ዚተሓሓዝ ሕክምናዊ ጕዳያት እንተ ኣጋጢሙኪ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ኣቐዲምኪ ንሽማግለታትኪ ንገርዮም፣ ነቲ ሆስፒታል ከኣ ሓደ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ ምስክር ኪበጽሓኪ ኸም እትደልዪ ሓብርዮ።

ሽማግለታት ብኸመይ ኪሕግዙ ይኽእሉ፧ ንሳቶም ካርድ መምርሒ ኽንክን ጥዕና (DPA) ኽትመልእ ኺሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ሽማግለታት ንሕክምና ዚምልከት ጕዳያት ኣይውስኑን ወይ ኣብ ብሕታዊ ምርጫኻ ሓሳብ ኣይህቡን እዮም። (ሮሜ 14:12፣ ገላ 6:5) ምስ ደም ዚተሓሓዝ ሕክምናዊ ጕዳያት እንተ ኣጋጢሙካ፡ ንሽማግለታትካ ሓብሮም፣ ንሳቶም ድማ ኣብ ክንዳኻ ብምዃን ቀልጢፎም ምስቲ ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ (HLC) ኺራኸቡ እዮም።

ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ (HLC) ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧ እቶም ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ ዀይኖም ዜገልግሉ ኣሕዋት፡ ንደም ዚምልከት ሃይማኖታዊ መትከልና ንሰብ ሞያ ሕክምናን ንሰብ ሞያ ሕግን ኬረድኡ ሰልጢኖም እዮም። ብዛዕባ እቲ ብዘይ ደም ዚግበር ሕክምና ምስ ሓኪምካ ኺመያየጡ ይኽእሉ እዮም። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ምስ ዚተሓባበር ዶክተር ኬራኽቡኻ ይኽእሉ እዮም።

ነታ ምስ ደም እተተሓሓዘ ሕክምናዊ ውሳነታት ብኸመይ ንገብር፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዛ እትስዕብ ሕቶ መልሳ፦

  • እዛ ቪድዮ ምስ ደም እተተሓሓዘ ንህጹጽ ሕክምና ኽትዳሎ ዝሓገዘትካ ብኸመይ እያ፧

a ንደም ዚምልከት ሕክምናዊ ውሳነ ኽትገብር ከለኻ፡ እታ ኣብ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ ዘላ ትምህርቲ 39 ክትሕግዘካ ትኽእል እያ።

ተዳሊኻ ዲኻ፧

ምስ ደም እተተሓሓዘ ሕክምናዊ ጕዳያት ኬጋጥመካ ኸሎ፡

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ