ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb23 ጥሪ ገጽ 5
  • ኣብ ቃል ኣምላኽ ንዘሎካ እምነት ኣደልድሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ቃል ኣምላኽ ንዘሎካ እምነት ኣደልድሎ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ዜርኢ ውሳነታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ፡ ጥበብ ከኣ ድለ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • እምነትና ኽትፍተን ከላ፡ ብኸመይ እሙናት ንኸውን፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ድለ
    መደብ ኣኼባ ወረዳ 2025-2026—ምስ ሓላው ወረዳ
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
mwb23 ጥሪ ገጽ 5
ስእልታት፦ ሓንቲ መንእሰይ ሓብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብን ተጽንዕን። 1. ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ገጸ ባህርያት ሰሌዳ ግዜ ተዳሉ። 2. ነቲ ኣብ jw.org ዚርከብ ንመጽናዕቲ ዚኸውን “ትርጉም ሓዳስ ዓለም” ተንብቦ። 3. ካርታ መጽሓፍ ቅዱስ ትውከስ። 4. ስእሊ ናይ ሓደ ሊቀ ኻህናት ትስእልን ንኽዳውንቱ ትጽሕፈሉን።

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ቃል ኣምላኽ ንዘሎካ እምነት ኣደልድሎ

ቃል ኣምላኽ ንህይወትና ኪቕይሮ ይኽእል እዩ። (እብ 4:12) ይኹን እምበር፡ ካብ መምርሒኡ፡ ካብ ትምህርቱ፡ ካብ ምኽሩ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ ብሓቂ “ቃል ኣምላኽ” ምዃኑ ኽንኣምን ኣሎና። (1ተሰ 2:13) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዘሎና እምነት ከነደልድል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

መዓልታዊ እተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ። መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ የሆዋ ደራሲኡ ምዃኑ መርትዖ ድለ። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ዚርከብ ምኽሪ መርምሮ፡ ግዜ ዘይሓልፎ ጥበብ ምዃኑ ድማ ኣስተብህል።—ምሳ 13:20፣ 14:30።

መጽናዕቲ ጀምር። ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ምዃኑ ዚሕብር መርትዖ ተላለ። ኣብ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ “መጽሓፍ ቅዱስ” ዚብል ርእሰ ነገር፡ “ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ” ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ርአ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ሀ3 ዚርከብ ሓበሬታ ብምምርማር፡ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይተለወጠ ንዘሎካ እምነት ከተደልድሎ ትኽእል ኢኻ።

ነታ ስለምንታይ እዩ እምነት ዘሎካ—ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • እቲ ኣብ መንደቕ ቤት መቕደስ ካርና፡ ግብጺ እተረኽበ መርትዖ፡ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧

  • መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይተለወጠ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

  • መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድና ኺበጽሕ ምኽኣሉ፡ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧—ኢሳይያስ 40:8 ኣንብብ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ