ክርስትያናዊ ህይወት
ንመዓልታዊ ህይወትካ ዚኸውን ጥበብ ኣብ Jw.org ድለ
ቃል ኣምላኽ፡ ኣብዚ ኣጸጋሚ ዳሕሮት መዓልትታት ንዜጋጥመና ፈተናታት ምእንቲ ኽንዋጽኣሉ ምሉእ ብምሉእ የዕጥቐና እዩ። (2ጢሞ 3:1, 16, 17) ይኹን እምበር፡ ኣብ ገሊኡ ዅነታት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ሓገዝ የድልየና ይኸውን። ንኣብነት፡ ደቅኻ ንምዕባይ ምኽሪ እትደሊ ወላዲ ዲኻ፧ ኣብ እምነትካ ንዘጋጠመካ ብድሆታት ክትዋጽኣሉ እትጽዕር መንእሰይ ዲኻ፧ መጻምድትኺ ዝሞተኪ መበለት ዲኺ፡ ወይ መጻምድትኻ ዝሞተትካ ማእምን ዲኻ፧ ኣብ jw.org ንኸምዚ ዝኣመሰለን ካልእ ኵነታትን ኪሕግዘካ ዚኽእል ንጹር ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።—ምሳ 2:3-6።
ኣብ jw.org ቀንዲ ገጽ፡ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንዚብል ምረጽ። (ስእሊ 1 ርአ።) ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ኻብ ዘሎ እትደልዮ ምረጽ። ወይ ቤተ መጻሕፍቲ > ዓምድታት ድሕሪኡ እትደልዮ ምረጽ። (ስእሊ 2 ርአ።) ኣብ JW Library®a እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ክልቲኡ ቦታታት ነዚ ዓምዲ እዚ ምርካብካ ኼሐጕሰካ ይኽእል ይኸውን። ካልእ ኣማራጺ ድማ ነቲ እትደልዮ ርእሰ ነገር ኣብ jw.org በቲ “ድለ” ዚብል ጌርካ ብምድላይ እዩ።
ካብዚ ስዒቡ ዘሎ ርእሰ ነገራት፡ ኣብታ “ድለ” እትብል ሳጹን ጽሓፍ፣ ድሕሪኡ፡ ብዛዕባ እቲ ኸተንብቦ እትደሊ ዓንቀጻት መዘኻኸሪ ጽሓፍ።
ኣተዓባብያ ቘልዑ
ሕዱር ጭንቀት መንእሰያት
ሞት መጻምድቲ
a ኣብ ዓምድታት ዚርከብ ገሊኡ ዓንቀጻት ንግዜኡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ jw.org ጥራይ እዩ ዚርከብ።