ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ንዓበይቲ ኣንስቲ ኸም ኣዴታትካ ንነኣሽቱ ኣንስቲ ኸም ኣሓትካ ጌርካ ሓዘን
ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ብዕድመ ንዝደፍኡ ክርስትያናት ከም ኣዴታትናን ከም ኣቦታትናን ንነኣሽቱ ኸኣ ከም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንሕዞም ይነግረና። (1 ጢሞቴዎስ 5:1, 2 ኣንብብ።) ኣሕዋት፡ ብፍላይ ንኣሓት ብኽብርን ብኣኽብሮትን ኪሕዝወን ኣለዎም።
ሓደ ሓው ንሓንቲ ሓብቲ ኼኳሽማ ወይ ከም ዚኸብዳ ኺገብር ዚኽእል ነገራት ኪገብር የብሉን። (እዮ 31:1) ሓደ ሓው ኪምርዓዋ ንዘይደልያ ሓብቲ ጾታዊ ፍቕሪ ብምርኣይ፡ ብስምዒታ ኺጻወት የብሉን።
ሽማግለታት፡ ኣሓት ሕቶ ኺሓትታ ወይ ቆላሕታ ዜድልዮ ነገራት ኣመልኪተን ርእይቶ ኺህባ ኸለዋ፡ ነዚ ብለውሃት ኣብ ግምት ኬእትውዎ ኣለዎም። ሽማግለታት፡ ብፍላይ ሰብኡት ንዘይብለን ኣንስቲ ኺከላኸሉለን ኣለዎም።—ሩት 2:8, 9።
ነታ ኣብ ጉባኤ ዘይተቋርጽ ፍቕሪ ኣርኢ—ንመበለታትን ንዘኽታማትን ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
እታ ጉባኤ ንሓብትና ማያንት ሓለፍ ዝበለት ፍቕሪ ዘርኣየታ ብኸመይ እያ፧
እታ ጉባኤ ዘርኣየቶ ፍቕሪ ንነበርቲ እታ ቝሸት ጽቡቕ ምስክርነት ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧
እታ ጉባኤ ዘርኣየቶ ፍቕሪ ንደቂ ማያንት ብኸመይ ጸልይወን፧
ኣብ ጉባኤኻ ንዘለዋ ኣሓት፡ ፍቕራዊ ሓልዮት ከተርእየሉ እትኽእል ገለ ግብራዊ መገድታት እንታይ እዩ፧