ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb21 ጥሪ ገጽ 11
  • ንየሆዋ ኸተገልግል ምረጽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ ኸተገልግል ምረጽ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጥምቀት—ኣገዳሲ ሸቶ!
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ጥምቀት—ክርስትያናት ኬማልእዎ ዘለዎም ብቕዓት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ትርጉምን ኣገዳስነትን ጥምቀት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ንክርስትያናዊ ጥምቀት ምብቃዕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
mwb21 ጥሪ ገጽ 11
ንኣገልግሎት የሆዋ ዜመልክት ጥውይዋይ መገዲ። ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣኼባታት፡ ንስብከት፡ ንጥምቀት ዜመልክት ኣብ ወሰናስን እቲ መገዲ እተሰቕለ ምልክታታት።

ንስኻኸ ኣብ መገዲ ጥምቀት ዲኻ ዘለኻ፧

ክርስትያናዊ ህይወት

ንየሆዋ ኸተገልግል ምረጽ

ክርስትያን መንእሰይ ወይ ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ደኣ ዄንካ፡ ክትጥመቕ ሸቶ ኣሎካዶ፧ ክትጥመቕ ዜድልየካ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ወፈያን ጥምቀትን ምስ የሆዋ ፍሉይ ርክብ ንምምስራት መገዲ ዚኸፍት እዩ። (መዝ 91:1) ናብ ድሕነት እውን ዚመርሕ እዩ። (1ጴጥ 3:21) ናብዚ ደረጃ እዚ ኽትዓቢ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ንሓቂ እመነሉ። ኣብ ኣእምሮኻ ሕቶታት እንተ መጺኡካ ምርምር ግበር። (ሮሜ 12:2) ክትገብሮ ዜድልየካ ለውጢ ኸም ዘሎ እንተ ኣስተብሂልካ፡ ንየሆዋ ንምሕጓስ ኢልካ ዜድሊ ለውጢ ግበር። (መዝ 27:11፣ ኤፌ 4:23, 24) የሆዋ ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ወትሩ ጸሊ። ንሱ በቲ ሓያል መንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ኸም ዜበርትዓካን ከም ዚድግፈካን ተኣማመን። (1ጴጥ 5:10, 11) እቲ እትገብሮ ጻዕሪ ጻማ ኣለዎ። ንየሆዋ ምግልጋል፡ ዝበለጸ መገዲ ህይወት እዩ።—መዝ 16:11።

ነታ መገዲ ጥምቀት ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ገሊኦም ኪጥመቑ እንታይ ዕንቅፋታት እዮም ሰጊሮም፧

  • ርእስኻ ንየሆዋ ኽትውፊ ዜድልየካ እምነት ብኸመይ ከተማዕብል ትኽእል፧

  • ንገሊኦም ንጥምቀት ዜድሊ ስጕምትታት ኪወስዱ ዝደረኾም እንታይ እዩ፧

  • እቶም ንየሆዋ ንምግልጋል ዚመርጹ እንታይ በረኸት እዮም ዚረኽቡ፧

  • ወፈያን ጥምቀትን እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዎ፧

ኣብ መዛዘሚ እቲ መደረ ጥምቀት፡ እቲ ተዛራባይ ነቶም ሕጹያት ጥምቀት ደው ኪብሉን ነዘን ዚስዕባ ኽልተ ሕቶታት ዓው ኢሎም ኪምልሱን ይሓትቶም እዩ፦

ካብ ሓጢኣትኩም ተነሲሕኩምን ርእስኹም ንየሆዋ ወፊኹምን ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዚርከብ መገዲ ድሕነት ተቐቢልኩምዎን ዲኹም፧

ምጥማቕኩም ምስ ውድብ የሆዋ ብምሕባር ከም ሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜፍልጠኩም ምዃኑ ተረዲኡኩም ድዩ፧

እቶም ሕጹያት ጥምቀት ነዚ ሕቶታት እዚ ‘እወ’ ኢሎም ምምላሶም፡ በቲ እተኸፍለ በጃ ኸም ዚኣምኑን ርእሶም ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ኸም ዝወፈዩን ብግህዶ ኸም ‘እተኣመኑ’ ዜርኢ እዩ።—ሮሜ 10:9, 10።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ