ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 37-38
መሰውኢታት ማሕደርን ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝነበሮ ግደን
መሰውኢታት ማሕደር፡ ብመምርሒ የሆዋ እዩ ተሰሪሑ፣ ፍሉይ ኣገዳስነት ድማ ነበሮ።
ልክዕ ከምቲ ብውሕሉል መገዲ እተዋሃሃደ ዕጣን፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ዜቕርብዎ ቕቡል ጸሎት እውን ንየሆዋ ባህ ይብሎ እዩ
የሆዋ ነቲ ኣብ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት ተቐቢልዎ እዩ። ኣብ ቅድሚ መቕደስ ምዃኑ ድማ፡ ብኣምላኽ ተቐባልነት ምእንቲ ኽንረክብ ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ እምነት ከም ዜድልየና የዘኻኽረና።—ዮሃ 3:16-18፣ እብ 10:5-10
ንጸሎትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ዕጣን ከነዳልዎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧—መዝ 141:2