ክርስትያናዊ ህይወት
ካብ ፍጥረት ብዛዕባ ትብዓት እንታይ ንምሃር፧
የሆዋ በቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰብኡትን ኣንስትን ኣቢሉ ኣምላኻዊ ባህርያት ከነንጸባርቕ ይምህረና እዩ። ይኹን እምበር፡ ፍጥረቱ እውን ኣገዳሲ ትምህርቲ ይምህረና እዩ። (እዮ 12:7, 8) ካብ ኣንበሳን ፈረስን ምጹን ጭሩ በለስን ሓርማዝን ብዛዕባ ትብዓት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧
ነታ ካብ ፍጥረት፡ ትብዓት ተምሃር ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ዋዕሮታት ንዀራዅረን ንምክልኻል ትብዓት ዜርእያ ብኸመይ እየን፧
ኣፍራስ ኣብ ኲናት ተባዓት ኪዀኑ ዚስልጥኑ ብኸመይ እዮም፧
ምጹ ንመርዛማት ኣትማን ዘይትፈርሆም ስለምንታይ እያ፧
ደቀቕቲ ጭሩ በለስ፡ ትብዓት ዜርእያ ብኸመይ እየን፧
ሓራምዝ ኣብ መጓሰኦም ንዘለዉ ሓራምዝ ንምክልኻል ትብዓት ዜርእዩ ብኸመይ እዮም፧
ካብዞም እንስሳታት ብዛዕባ ትብዓት እንታይ ትምሃር፧