ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb20 ለካቲት ገጽ 5
  • ሰብኣይን ሰበይትን ሓዳሮም ብኸመይ የደልድሉ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሰብኣይን ሰበይትን ሓዳሮም ብኸመይ የደልድሉ፧
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንሓዳርካ ሓልዎ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ድሕሪ መዓልቲ መርዓ
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • መውስቦ—ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • መውስቦ—ካብ ፈቃር ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
mwb20 ለካቲት ገጽ 5
ኣብራምን ሳራይን ካብ ኡር ኪወጹ ይዳለዉ። ኣብራም ክሻ ተሰኪሙ፡ ሳራይ ኣቝሑት ክትጥርንፍ ከላ የተባብዓ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ሰብኣይን ሰበይትን ሓዳሮም ብኸመይ የደልድሉ፧

ኣብርሃምን ሳራን ንሓድሕዶም ዚፋቐሩን ዚከባበሩን ሰብ ሓዳር እዮም ነይሮም፣ ንሰብ ሓዳር ከኣ ሰናይ ኣብነት ይዀንዎም እዮም። (ዘፍ 12:11-13፣ 1ጴጥ 3:6) ይኹን እምበር፡ ሓዳሮም ፍጹም ኣይነበረን፣ ኣብ ህይወቶም ፈተናታት ይጻወሩ ነይሮም እዮም። ሰብ ሓዳር ንኣብነት ኣብርሃምን ሳራን ብምምርማር እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧

ንሓድሕድኩም ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋወጡ። መጻምድትኻ ጕህዩ ወይ ተቘጢዑ ሕማቕ ዘረባ ምስ ዚዛረበካ፡ ኣብ ክንዲ እትሓርቕ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝገበረ ኽትርድኣሉ ጽዓር። (ዘፍ 16:5, 6) ብሓንሳእ ግዜ ኸተሕልፉ ምድላዋት ግበሩ። ንመጻምድትኻ ኸም እተፍቅሮ ብቓልን ብግብርን ኣረጋግጸሉ። ልዕሊ ዅሉ፡ ብመጽናዕትን ብጸሎትን ሓቢርኩም ብምምላኽን ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎኩም ርክብ ኣደልድልዎ። (መክ 4:12) ድልዱል ሓዳር፡ ነቲ መስራቲ እዚ ቕዱስ መሰናድዎ ዝዀነ የሆዋ ኽብሪ የምጽኣሉ እዩ።

ነታ ሓዳር ብኸመይ ይድልድል፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ኣብቲ ድራማዊ ቪድዮ፡ ሻንን ኪያራን ይረሓሓቑ ኸም ዘለዉ ዜርኢ እንታይ ገለ ምልክታት ነይሩ፧

  • ብቕንዕና ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኣብ ሓዳር ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ኣብነት ኣብርሃምን ሳራን ንሻንን ኪያራን ዝሓገዞም ብኸመይ እዩ፧

  • ሻንን ኪያራን ሓዳሮም ንምድልዳል እንታይ ስጕምትታት እዮም ወሲዶም፧

  • ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ሓዳሮም ፍጽምና ኺጽበዩ ዘይብሎም ስለምንታይ እዮም፧

ስእልታት፦ ካብ ‘ሓዳር ብኸመይ ይድልድል፧’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ ስእሊ። ሻንን ኪያራን ሓዳሮም ንምድልዳል ስጕምትታት ይወስዱ። 1. ኣብ ሶፋ ተረሓሒቖም ኮፍ ኢሎም። 2. ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም። 3. ተሓጒሶም የገልግሉ።

ሓዳርኩም ከተደልድሉ ትኽእሉ ኢኹም!

ሓዳርኩም ንምድልዳል ተወሳኺ ሓሳባት እንተ ደሊኹም፡ ነዚ ዚስዕብ ኣብ ንቕሑ!ን ኣብ jw.org®ን ዚርከብ ዓንቀጻት ርኣዩ፦

  • “ውሉዳት ካብ ቤት ምስ ዚወጹ”—g17.4 10-11

  • “ንጸገማት ብኸመይ ከም እትመያየጠሉ”—g16.3 10-11

  • “ብሓዳርካ ኽትጕሂ ኸለኻ”—g 3/14 14-15

  • “ብኸመይ ጽን በሃሊ ኸም እትኸውን”—g 12/13 12-13

  • “ንቘየቛ ብኸመይ ደው ከም እተብሎ”—g 2/13 4-5

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ