ክርስትያናዊ ህይወት
‘ኣብ ስጋኻ እሾዅ’ እናሃለወካ ኽነሱ፡ ክትዕወት ትኽእል ኢኻ!
ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት፡ ከም እሾዅ ዝኣመሰለ ጸገማት ንዅሎም ህዝቢ ኣምላኽ የጋጥሞም እዩ። (2ጢሞ 3:1) ኣብ የሆዋ ኽንውከልን ነዚ ጸገማት እዚ ብዓወት ክንዋጽኣሉን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ነታ “ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ . . . እየን” ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ታሊታ ኣልናሺን ወለዳን እንታይ ከም ዝገበሩ ርአ፣ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ንታሊታ ‘ኣብ ስጋኣ እተዋህባ እሾዅ’ እንታይ እዩ፧
ታሊታን ወለዳን ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሒዞም ኪቕጽሉ ዝሓገዞም እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋታት እዩ፧
ታሊታ መጥባሕቲ ድሕሪ ምግባራ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ወለዳ ኣብ የሆዋ ኸም ዚውከሉ ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧
ታሊታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኸተፍቅሮ፡ ወለዳ ነቲ ውድብና እተቕርቦ ነገራት ጽቡቕ ገይሮም ዚጥቀሙሉ ብኸመይ እዮም፧
ታሊታ ‘ኣብ ስጋኣ እተዋህባ እሾዅ’ እናሃለወ ኽነሱ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ዕቤት ትገብር ከም ዘላ ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧
ኣብነት ታሊታ ዜተባብዓካ ብኸመይ እዩ፧