ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb17 ግንቦት ገጽ 3
  • 8-14 ግንቦት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 8-14 ግንቦት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
mwb17 ግንቦት ገጽ 3

8-14 ግንቦት

ኤርምያስ 35-38

  • መዝሙር 55ን ጸሎትን

  • መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

  • “ዔቤድ-ሜሌክ—ኣብነት ትብዓትን ለውሃትን”፦ (10 ደቒቕ)

    • ኤር 38:4-6—ጼዴቅያስ ንሰብ ስለ ዝፈርሀ፡ ተቓወምቲ ንኤርምያስ ጭቃ ናብ ዚመልኦ መዕቘር ማይ ደርብዮም ኪቐትልዎ ፈቐደ (it-2-E 1228 ¶3)

    • ኤር 38:7-10—ዔቤድ-ሜሌክ ንኤርምያስ ንምሕጋዝ፡ ትብዓት ዝመልኦ ቕልጡፍ ስጕምቲ ወሰደ (w12 1/5 31 ¶2-3)

    • ኤር 38:11-13—ዔቤድ-ሜሌክ ለውሃት ኣርኣየ (w12 1/5 31 ¶4)

  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)

    • ኤር 35:19—ሬካባውያን እተባረኹ ስለምንታይ እዮም፧ (it-2-E 759)

    • ኤር 37:21—የሆዋ ንኤርምያስ እተኸናኸኖ ብኸመይ እዩ፧ እዚ ታሪኽ እዚ፡ መከራ ኼጋጥመና ኸሎ ኼተባብዓና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (w98 15/1 18 ¶16-17፣ w95 1/8 5 ¶5-6)

    • ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ምሂሩካ፧

    • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ ካልእ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ኤር 36:27–37:2

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

  • ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (2 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) wp17.3 ገበር—ንተመላሊስካ ምብጻሕ ዚኸውን መሰረት ኣንብር።

  • ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) wp17.3 ገበር—ንዚመጽእ ምብጻሕ ዚኸውን መሰረት ኣንብር።

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (6 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) jl ትምህርቲ 26

ክርስትያናዊ ህይወት

  • መዝሙር 92

  • “ንቦታታት ኣምልኾና ንከናኸኖ”፦ (15 ደቒቕ) ብሽማግለ ዚቐርብ ሕቶታትን መልስታትን። ነታ ንቦታታት ኣምልኾና ንከናኸኖ ዘርእስታ ቪድዮ ምስ ወላዕካያ፡ ኣብ ጉባኤኹም ንዘሎ ተወካሊ ኮሚቴ ኣካየድቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣሕጽር ኣቢልካ ቓለ መጠይቕ ግበረሉ። (ጉባኤኹም ተወካሊ ኮሚቴ ኣካየድቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይብላ እንተ ዀይኑ፡ ንኣተሓባባሪ ኣካል ሽማግለታት ቃለ መጠይቕ ግበረሉ። ነቲ ኣዳራሽ ጉባኤኹም ጥራይ ትጥቀመሉ እንተ ደኣ ዀይና፡ ንኣተሓባባሪ ጽገና ቓለ መጠይቕ ግበረሉ።) ኣብ ቀረባ እዋን እተዓምመ እንታይ ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚምልከት ፕሮጀክትታት ኣሎ፧ ንመጻኢኸ እንታይ መደብ ኣሎ፧ ሓደ ሰብ ናይ ጽገና ኽእለት እንተ ደኣ ኣልይዎ ወይ ድማ ነቶም ሞያ ዘለዎም እናሓገዘ ኺምሃር ዚደሊ ሰብ እንተ ኣልዩ፡ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧ ኵነታትና ብዘየገድስ፡ ኵላትና ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምክንኻን እጃምና ኸነበርክት እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) ia ምዕ. 14 ሕ.ጽ. 14-22፡ ክለሳ ምዕራፍ

  • ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)

  • መዝሙር 130ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ