25-31 ሓምለ
መዝሙር 79-86
መዝሙር 1ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ኣብ ህይወትካ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ መን እዩ፧”፦ (10 ደቒቕ)
መዝ 83:1-5—ዜተሓሳስበና ቐንዲ ነገር፡ ስም የሆዋን ልዑላውነቱን ኪኸውን ኣለዎ (w08 15/10 13 ¶7-8)
መዝ 83:16—እቲ እነርእዮ ጽንዓትን ተጻዋርነትን ንየሆዋ ኽብሪ የምጽኣሉ (w08 15/10 15 ¶16)
መዝ 83:17, 18—የሆዋ ካብ ኵሉ ፍጥረት ንላዕሊ ዝያዳ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣምላኽ እዩ (w11 15/5 16 ¶1-2፣ w08 15/10 15-16 ¶17-18)
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)
መዝ 79:9—እዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ ብዛዕባ ጸሎትና እንታይ ትምህረና፧ (w06 15/7 12 ¶5)
መዝ 86:5—የሆዋ “ንይቕረታ ድልዊ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (w06 15/7 12 ¶9)
ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረኒ፧
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብክዎ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽጥቀመሉ ዝኽእል እንታይ ነጥብታት ረኺበ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) መዝ 85:8–86:17
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ናይ ፈለማ ምብጻሕ፦ (2 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) fg ትምህርቲ 7 ¶1
ተመላሊስካ ምብጻሕ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) fg ትምህርቲ 7 ¶3
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (6 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) fg ትምህርቲ 7 ¶7-8
ክርስትያናዊ ህይወት
ኣምላኽ ስም ኣለዎዶ፧ (15 ደቒቕ) ነታ “ኣምላኽ ስም ኣለዎዶ፧” ዘርእስታ ቪድዮ jw.org ወልዓያ። (ኣብ ትሕቲ ሕታማት > መጻሕፍትን ብሮሹራትን ርአ። ድሕሪኡ፡ ንብሮሹር ብስራት ኣምላኽ ርኸባ። ነታ ቪድዮ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ “ኣምላኽ መን እዩ፧” ዘርእስቱ ትምህርቲ ኽትረኽባ ኢኻ።) ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተመያየጡሉ፦ ብዘይወግዓዊ መገድን ብግህዶን ኣብ በቤትን ክንምስክር ከለና ነዛ ቪድዮ እዚኣ ኽንጥቀመላ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ነዛ ቪድዮ እዚኣ ብምጥቃምካ ዝረኸብካዮ እንታይ ጽቡቕ ተመክሮ ኣሎ፧
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) lv ምዕ. 13 ሕ.ጽ. 5-15፡ “በዓላትን ሰይጣናውነትን” ዘርእስታ ሳጹን
ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)
መዝሙር 143ን ጸሎትን
መዘኻኸሪ፦ ነቲ ሙዚቃ ብምሉኡ ሓንሳእ ስምዕዎ፣ ድሕሪኡ፡ እታ ጉባኤ ነታ ሓዳስ መዝሙር ትዘምራ።