ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb16 ጥሪ ገጽ 2
  • 4-10 ጥሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 4-10 ጥሪ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
mwb16 ጥሪ ገጽ 2

4-10 ጥሪ

2 ዜና መዋእል 29-32

  • መዝሙር 37ን ጸሎትን

  • መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

  • “ናይ ሓቂ ኣምልኾ ጻዕሪ ይሓትት”፦ (10 ደቒቕ)

    • 2ዜና 29:10-17—ህዝቅያስ ብቘራጽነት ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ናብ ዝነበሮ መለሶ

    • 2ዜና 30:5, 6, 10-12—ህዝቅያስ ንዅሎም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት፡ ንኣምልኾ ኺእከቡ ጻውዒት ኣቕረበሎም

    • 2ዜና 32:25, 26—ህዝቅያስ ንትዕቢቱ ብትሕትና ኣረሞ (w05 15/10 25 ¶20)

  • ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)

    • 2ዜና 29:11—ህዝቅያስ ቀዳምነት ብምሃብ ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ዝሓደገ ብኸመይ እዩ፧ (w13 15/11 17 ¶6-7)

    • 2ዜና 32:7, 8—ኣብ መጻኢ ንዜጋጥም ጸገማት ምእንቲ ኽንዳሎ ኽንወስዶ እንኽእል ዝበለጸ ግብራዊ ስጕምቲ እንታይ እዩ፧ (w13 15/11 20 ¶17)

    • ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረኒ፧

    • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብክዎ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽጥቀመሉ ዝኽእል እንታይ ነጥብታት ረኺበ፧

  • ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 2ዜና 31:1-10 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

  • ናይዚ ወርሒ እዚ ኣቀራርባታት ተዳሎ፦ (15 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ግምቢ ዘብዐኛ እተርኢ ቀዳመይቲ ቪድዮ ወልዓያ፡ ድሕሪኡ ነቲ ጕሉሕ ነጥብታት ተመያየጥሉ። እታ ኣስፋሒት ንተመላሊስካ ምብጻሕ ብኸመይ መሰረት ከም ዘንበረት ኣጕልሕ። ነቲ ኻልኣይ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ግምቢ ዘብዐኛ ድሕሪኡ ድማ ነቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ብሮሹር ብስራት ኣርኢ። ነታ፡ “ብሮሹር ብስራት ኣምላኽ ተጠቒምካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እትመርሕ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ጥቐስ። ኣስፋሕቲ ናይ ርእሶም ኣቀራርባ ኼዳልዉ ኣተባብዓዮም።

ክርስትያናዊ ህይወት

  • መዝሙር 13

  • “ቦታታት ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምህናጽን ንምጽጋንን ዘሎና ፍሉይ መሰል”፦ (15 ደቒቕ) ምይይጥ። ነቶም ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምህናጽ እተኻፈሉ፡ ብዛዕባ ዝረኸብዎ ሓጐስ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም። እታ ጉባኤ ብዛዕባ ዝገበረቶ መሰናድዎ፡ ንኣተሓባባሪ ጽሬትን ጽገናን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣሕጽር ኣቢልካ ቓለ መጠይቕ ግበረሉ።

  • መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ lv መመላእታ ጽሑፍ፡ “መጐልበብ ርእሲ—መዓስን ስለምንታይን፧” (30 ደቒቕ)

  • ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)

  • መዝሙር 18ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ