መደብ 7 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
7 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 3ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
lv መመላእታ ጽሑፍ፡ ካብ ኣብ ገጽ 207 ዘሎ ንኡስ ኣርእስቲ ኽሳዕ ኣብ ገጽ 209 ዘሎ ንኡስ ኣርእስቲ (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 2 ዜና መዋእል 10-14 (8 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ 2 ዜና መዋእል 13:13-22 (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ኤጳፍሮዲጦስ—ፍረ ነገር፦ ንእሙናት ሰባት ኣኽብሮም—w96 15/8 27-30 (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ፍጥረት—ምስ እተረጋገጸ ስነ ፍልጠት ይሰማማዕ፡ ፍልቀት ጌጋ ምዃኑ ድማ የርኢ—td 44ሀ (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
ወርሓዊ ፍረ ነገር፦ “ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ።”—ግብ. 14:22።
10 ደቒቕ፦ “ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ።” ኣብ ወርሓዊ ፍረ ነገር እተመስረተ መደረ። ንግብሪ ሃዋርያት 14:21, 22 ከምኡ እውን ን1 ጴጥሮስ 4:12-14 ኣንቢብካ ግለጸን።(ናይ 15 መስከረም 2014 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 13 ሕ.ጽ. 3-6 ርአ።) ነቲ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ዚቐርብ እተወሰነ ኽፍልታት ብምጥቃስ ምስቲ ፍረ ነገር ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። እታ ‘ዎክ ባይ ፈይዝ፡ ኖት ባይ ሳይት’ (‘ብእምነት እምበር፡ ብምርኣይ ኣይትመላለስ’) ዘርእስታ ቪድዮ ኣብ ዚቕጽል ሰሙን ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ስለ እተቐርብ፡ ርእዮምዋ ንኺመጹ ንዅሎም ኣተባብዓዮም።
10 ደቒቕ፦ ከመይ ጌርካ ኽትምልስ ኣሎካ፧ (ቈሎ. 4:6) ኣብ መጽሓፍ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፡ ኣብ ገጽ 69፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1-3 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረ። ክልተ እተፈላለየ መርኣያታት ከም ዚቐርብ ግበር። ኣብቲ ቐዳማይ መርኣያ፡ ሓደ ኣስፋፊ ነቲ በቲ ብዓል ቤት እተዋህቦ ተሪር መልሲ ኸይሓሰበ ይምልሰሉ፡ ውጽኢቱ ድማ ሕማቕ ይኸውን። ኣብቲ ኻልኣይ እቲ መርኣያ ግና እቲ ብዓል ቤት ተሪር መልሲ ምስ መለሰ፡ እቲ ኣስፋሒ ቝሩብ ደው ኢሉ ድሕሪ ምሕሳብ ልኡም ምላሽ ይህቦ፡ እቲ ብዓል ቤት ድማ ጽቡቕ ምላሽ ይህብ።
10 ደቒቕ፦ “ንነብያት ከም ኣርኣያ ጌርኩም ርኣይዎም—ኣምባቆም።” ሕቶታትን መልስታትን።
መዝሙር 14ን ጸሎትን