መደብ 30 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
30 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 40ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
lv ምዕ. 3 ሕ.ጽ. 16-21 (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 2 ዜና መዋእል 6-9 (8 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ 1 ዜና መዋእል 6:22-27 (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ሰብ ጽሕፍቶ የብሉን—td 43ሀ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ኤጳፍራስ—ፍረ ነገር፦ ምእንቲ ኣሕዋትካ ጸልን ኣገልግሎምን—w97 15/5 30-31 (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
ወርሓዊ ፍረ ነገር፦ “ኣነ ተኸልኩ፡ ኣጵሎስ ኣስትየ፡ ኣምላኽ ግና ኣብቈለ።”—1 ቈረ. 3:6።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ታሕሳስ መጽሔታት ዓድል። ምይይጥ። ነዚ ኣብዚ ገጽ እዚ ዘሎ ኽልተ ኣቀራርባ ተጠቒምካ፡ መርኣያ ኸም ዚቐርብ ብምግባር ጀምር። ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣቀራርባታት፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ተንትኖ።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
10 ደቒቕ፦ እንታይ ዓሚምና፧ ምይይጥ። ኣስፋሕቲ፡ ነቲ ኣብታ፡ “ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ ኣበርክት” ዘርእስታ ዓንቀጽ ዚርከብ ነጥብታት ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም ብዛዕባ ዝረኸብዎ ጥቕሚ ኺገልጹ ዓድሞም። ምስኡ እተተሓሓዘ ጽቡቕ ተመክሮ እንተ ኣልይዎም ኬዘንትዉ ድማ ሕተቶም።
መዝሙር 44ን ጸሎትን