ጕሉሕ ነጥብታት ኣገልግሎት ወፍሪ
ኣብዚ ዓመት እዚ ኻብ ቀዳም 7 መጋቢት 2015 ጀሚርና፡ ንሰባት ናብ ብዓል ዝኽሪ ኺመጹ ዓዲምናዮም ኢና። ነዚ ዚስዕብ ኣብ ሰለስተ መዳያት ኣገልግሎትና እተራእየ ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ኽንሕብረኩም ባህ ይብለና፦ 415,417 ንኣሽቱ ጽሑፋትን 126,189 መጽሔታትን ተበርኪቱ፣ 133,635 ተመላሊስካ ምብጻሕ ድማ ተገይሩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2015 ኣገልግሎቶም ንምስፋሕ 2,123 ኣስፋሕቲ፡ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ኣገልጊሎም እዮም። እቲ ኣብ ሰለስተ መዳያት ኣገልግሎትና እተራእየ ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ኸም ዚሕብሮ፡ ኣብዛ ፍሉይ ንጥፈታት እተገብረላ ወርሒ እተዋህበ ጽቡቕ ምላሽ ኣዝዩ ዜሐጉስ እዩ።—መዝ. 110:3።