ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 8/15 ገጽ 2
  • “እዚ . . . ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “እዚ . . . ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን”
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንስድራ ቤታት ዚኸውን ሓገዝ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ስድራ ቤትካ ብኸመይ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል፧—2ይ ክፋል
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኣምልኾ ስድራ ቤትካ ብዝያዳ ዜሐጕስ ክትገብሮ ትኽእልዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ኣባላት ስድራ ቤትካ ንየሆዋ ኺዝክርዎ ሓግዞም
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
km 8/15 ገጽ 2

“እዚ . . . ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን”

ወለዲ ኸም ጓሶት እዮም። ደቆም ከኣ ልክዕ ከም ኣባጊዕ ብቐሊሉ መገዶም ኪስሕቱን ኪጥቅዑን ስለ ዚኽእሉ፡ ኪሓልዩሎም ኣለዎም። (ምሳ. 27:23) እሞኸ፡ ነዚ ሓላፍነት እዚ ብኸመይ እዮም ኪፍጽምዎ ዚኽእሉ፧ ኣብ ኣእምሮን ልብን ደቆም እንታይ ከም ዘሎ ምእንቲ ኺፈልጡ፡ በብመዓልቱ ምስ ደቆም ኪዘራረቡ ኣለዎም። (ምሳ. 20:5) ብዘይካዚ፡ ንእምነት ደቆም ንምድልዳል ሓዊ ብዚጻወር ነገራት ኪሃንጹ የድልዮም። (1 ቈረ. 3:10-15) እታ፡ “ዚስ ዎርድስ . . . ማስት ቢ ኦን ዩር ሃርት” (“እዚ . . . ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን”) ዘርእስታ ቪድዮ፡ ስሩዕ ዝዀነ ኣምልኾ ስድራ ቤት ኣገዳሲ ምዃኑ ተጕልሕ እያ። ነዛ ቪድዮ እዚኣ፡ ብስድራ ቤት ኴንኩም ርኣይዋ እሞ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተመያየጡሉ።

(1) ስድራ ቤት ሮማን ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ንኸየተኵሩ ዕንቅፋት ዝዀኖም እንታይ እዩ፧ (2) ሓውና ሮማን ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ኪመርሕ ኣብ ዝገበሮ ፈተነ፡ ፈለማ ዘይተዓወተ ስለምንታይ እዩ፧ (3) ቈልዑ ኣብ ምዕባይ ዕዉታት ንኽንከውን ኪሕግዘና ዚኽእል መንፈሳዊ መምርሒ እንታይ እዩ፧ (ዘዳ. 6:6, 7) (4) ኣብ ስድራ ቤት ጽቡቕ ርክብ ንኺህሉ ኣበርክቶ ኪገብር ዚኽእል እንታይ እዩ፧ (5) ወለዲ ንደቆም እንታይ ዓይነት መስዋእቲ እዮም ኪኸፍሉሎም ዘለዎም፧ (6) ሓውና ቤሮንን ሰበይቱን ንስድራ ቤት ሮማን ኣወንታዊ ጽልዋ ዝገበሩሎም ብኸመይ እዮም፧ (ምሳ. 27:17) (7) ኣምልኾ ስድራ ቤት ዕዉት ምእንቲ ኪኸውን፡ ርእሲ ስድራ ቤት ኣቐዲሙ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧ (8) ሓውና ሮማን ኵነታት ስድራ ቤቱ ኸም ዝመሓየሽ ኪገብር ዝጀመረ ብኸመይ እዩ፧ (9) ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት፡ ሓደ ዓይነት መትከል ምሓዝ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ኤፌ. 6:4) (10) ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ኪዕየየሉ ዚኽእል እንታይ ግብራዊ ነጥብታት ኣሎ፧ (11) ሓውና ሮማን ንማርከስ፡ ቅኑዕ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ንኺግንዘብ ኪሕግዞ ኸሎ፡ ህድኣትን ትርን ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ኤር. 17:9) (12) ሓውና ሮማን ሰበይቱን ንረበካ፡ ብዛዕባ እቲ ምስ ጀስቲን ዘለዋ ርክብ ቅኑዕ ውሳነ ንኽትገብር ኪሕግዝዋ ዝጸዓሩ ብኸመይ እዮም፧ (ማር. 12:30፣ 2 ጢሞ. 2:22) (13) ሓውና ሮማንን ሰበይቱን ኣብ ናብራኦም ለውጥታት ኪገብሩ ኸለዉ፡ እምነት ከም ዘላቶም ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ (ማቴ. 6:33) (14) እዛ ቪድዮ እዚኣ፡ ርእስታት ስድራ ቤት ንስድራ ቤቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ኪናብዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እተጕልሕ ብኸመይ እያ፧ (1 ጢሞ. 5:8) (15) ከም ርእሲ ስድራ ቤት መጠን እንታይ ቈራጽነት ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧

ንርእስታት ስድራ ቤት ዚኸውን ሓበሬታ፦ እዛ ዘመናዊት ድራማ እዚኣ፡ ኣብ ኣኼባ ዞባ 2011 ቀሪባ ነይራ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤትኩም ከተመሓይሽዎ ዜድልየኩም ዘስተብሃልኩምሉ መዳያት ነይሩዶ፧ ሕጂኸ ኸተመሓይሽዎ ዜድሊ መዳያት ኣሎዶ፧ ተወሳኺ ምትዕርራያት ክትገብሩ እንተ ኣድልዩኩም፡ ምእንቲ ዘለኣለማዊ ጥቕሚ ስድራ ቤትኩም ኢልኩም ብጸሎት ኣርዚንኩም ብምሕሳብ ለውጥታት ግበሩ።—ኤፌ. 5:15-17።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ