መደብ 3 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
3 ነሓሰ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 18ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
ol ትምህርቲ 6፡ ሕጡብ ጽሑፋት 1-6 (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ነገስት 18-20 (8 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ 1 ነገስት 18:30-40 (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ዴቦራ—ፍረ ነገር፦ እሙናት ደቂ ኣንስትዮ ንየሆዋ ይውድሳኦ—w14 15/8 9፣ w12 15/2 12 (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ምምሕልላፍ ደም ንቕድስና ደም የርክስ—td 37ሀ (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
ወርሓዊ ፍረ ነገር፦ ‘ኪዱ ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ።’—ማቴ. 28:19።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ነሓሰ መጽሔታት ዓድል። ምይይጥ። ነቲ ኣብዚ ገጽ እዚ ዘሎ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ተጠቒምካ፡ እተን መጽሔታት ብኸመይ ኪዕደላ ኸም ዚኽእላ መርኣያ ብምቕራብ ጀምር። ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣቀራርባታት፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ተንትኖ።
10 ደቒቕ፦ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ተጠቐም። ምይይጥ። ኣብ ጥቕሲ ዓመት 2015 እተመስረተ፡ ናይ ሓሙሽተ ደቒቕ መደረ ብምቕራብ ጀምር። ድሕሪኡ፡ ኣስፋሕቲ፡ ጥቕሲ ዕለት ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ መዓስ ከም ዚምርምሩ ኺገልጹ ዓድሞም። ኵላቶም ነታ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ዘርእስታ ጽሕፍቲ ብግቡእ ኪጥቀሙላ ብምትብባዕ ዛዝም።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
መዝሙር 26ን ጸሎትን