መደብ 27 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
27 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 18ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
ol ትምህርቲ 5፡ ሕጡብ ጽሑፋት 8-17 (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ነገስት 15-17 (8 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ 1 ነገስት 15:16-24 (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ እንታይነት የሱስ ኣሚንካ ምቕባል ጥራይ እኹል ኣይኰነን—td 36ሐ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ዳዊት—ፍረ ነገር፦ ኣቱም መንእሰያት፡ ንየሆዋ ብትብዓት ምእንቲ ኸተገልግልዎ፡ ካብ ሕጂ ተዳለዉ—w06 15/5 8-9 (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
ወርሓዊ ፍረ ነገር፦ ‘ኪዱ ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ።’—ማቴ. 28:19።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ተመሓይሽዶ ኣለኻ፧ ምይይጥ። ንዕላማ እታ “ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ” እትብል ብተኸታታሊ እትወጽእ ዓንቀጽ ዜብርህ፡ ኣብ ናይ ለካቲት 2014 ዝወጸ ሓሳባት፡ ሕጡብ ጽሑፍ ሓደ ከልስ። ኣብ ዝሓለፈ ንዝወጸ እተወሰነ ዓንቀጻት ኣሕጽር ኣቢልካ ኸልስ። ሰማዕቲ ኻብዛ ብተኸታታሊ እትወጽእ ዓንቀጽ ብዛዕባ ዝረኸብዎ እተወሰነ ጥቕሚ ኼዘንትዉ ዓድሞም። ኣስፋሕቲ ነቲ “ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ነዚ ፈትኖ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ዚውሃብ ርእይቶታት ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ኣተባብዓዮም።
10 ደቒቕ፦ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንእትመርሓሉ ሰብ ብኸመይ ከም እትሕግዞ ምይይጥ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንእንመርሓሉ ሰብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብግቡእ ኪጥቀመሉ ምእንቲ ኽንሕግዞ ነዚ ዚስዕብ መወከሲታት ብኸመይ ክንዓይየሉ ኸም እንኽእል ተመያየጠሉ፦ (1) ኣብታ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ ዘርእስታ ብሮሹር፡ ኣብ ገጽ 3 ዚርከብ “ንመጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምሮ ዚግብኣና ስለምንታይ ኢና” ዘርእስቱ መእተዊ። (2) ኣብታ፡ ንኣምላኽ ኣምልኽ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 30 ዚርከብ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ሕሰበሉ” ዚብል ሓሳባት። ሓደ ኣስፋሒ ንተምሃራዩ፡ ኣብ መወዳእታ መጽናዕቶም፡ ንሓደ ኻብዚ እተጠቕሰ መወከሲታት ኬመያይጦ ኸሎ ዜርኢ ሓጺር መርኣያ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ “ንመምሃሪ እንጥቀመሉ ናውቲ።” ሕቶታትን መልስታትን።
መዝሙር 43ን ጸሎትን