መደብ 20 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
20 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 25ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
ol ትምህርቲ 5፡ ሕጡብ ጽሑፋት 1-7፡ ኣብ ገጽ 18 ዘላ ሳጹን (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ነገስት 12-14 (8 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ 1 ነገስት 12:21-30 (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ዳንኤል—ፍረ ነገር፦ የሆዋ ነቶም ንዕኡ ብምሉእ ነፍሶም ውፉያት ዝዀኑ ይባርኾም—w96 15/11 8-9 (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ብየሱስ ክርስቶስ ምእማን ንድሕነት ኣድላዪ እዩ—td 36ለ (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
ወርሓዊ ፍረ ነገር፦ ‘ኪዱ ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ።’—ማቴ. 28:19።
20 ደቒቕ፦ ውሉዳትኩም ደቀ መዛሙርቲ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ስእልታት ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐሙ። ጎድ ሰንድስ ሞሰስ ቱ ኢጅፕት (ኣምላኽ ንሙሴ ናብ ግብጺ ይልእኾ) ኣብ ዚብል ስእሊ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምይይጥ። (ኣብ jw.org፡ ኣብ ትሕቲ BIBLE TEACHINGS > CHILDREN ርአ።) ሰማዕቲ ምእንቲ ኺከታተሉ፡ ብፕሮጀክተር ጌርካ እቲ ዛንታ ኣብ መንደቕ ከም ዚርአ ግበር። ዚክኣል እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ንኽፍሊ ነፍሲ ወከፍ ገጸ ባህርይ ዜንብቡ ቘልዑ መድብ። ድሕሪኡ፡ ንወለዲ ኣፍቂድካ እተመርጹ ቘልዑ ኣብ መድረኽ ወጺኦም ነቲ ዋት ዱ ዊ ለርን ፍሮም ዚስ ስቶሪ፧ (ካብዚ ዛንታ እዚ እንታይ ንምሃር፧) ኣብ ዘርእስቱ ሳጹን ዘሎ ሕቶታት ብጕጅለ ዀይኖም ከም ዚመያየጡሉ ግበር። ወለዲ ንውሉዳቶም ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር፡ ነዛ ንዋት እዚኣ ብግቡእ ኪጥቀሙላ ኸም ዘለዎም ብምትብባዕ ዛዝም።
10 ደቒቕ፦ ሳጹን ሕቶ። ምይይጥ።
መዝሙር 10ን ጸሎትን