ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት፡ ኣብታ 29 ሰነ 2015 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ። ኣስፋሕቲ ኣብ ሰሰሙን፡ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኪዳለዉ ኸለዉ ኣብ ዚገብርዎ ምርምር ምእንቲ ኺሕግዞም፡ ነፍሲ ወከፍ ነጥቢ ዚቐርበሉ ዕለት ተሓቢሩ ኣሎ።
እቲ ሚካል ንዳዊት እተዛረበትሉ መገዲ ቕኑዕ ዘይነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ሰብ ሓዳርከ ኻብዚ ጸብጻብ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧ (2 ሳሙ. 6:20-23) [11 ግን.፡ w11 1/8 ገጽ 12 ሕ.ጽ. 1]
ነብዪ ናታን፡ ነቲ ዳዊት ቤተ መቕደስ የሆዋ ኺሰርሕ ዘቕረቦ ሓሳብ ብምድጋፉን ብምትብባዑን የሆዋ መኣረምታ ምስ ሃቦ፡ ብኸመይ ምላሽ ሃበ፧ (2 ሳሙ. 7:2, 3) [11 ግን.፡ w12 15/2 ገጽ 24 ሕ.ጽ. 6-7]
ናታን ንዳዊት፡ ከቢድ ሓጢኣት ከም ዝፈጸመ ብቐጥታ ኣብ ክንዲ ዚነግሮ፡ ነቲ ኣብ 2 ሳሙኤል 12:1-7 ተመዝጊቡ ዚርከብ ምሳሌ እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧ እዚ ጸብጻብ እዚ፡ ዝሓሽና መምህራን ንኽንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ [18 ግን.፡ w12 15/2 ገጽ 24 ሕ.ጽ. 2-3]
ኣቤሴሎም ንእስራኤላውያን ኬታልሎም ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ንገዛእ ርእስና ኻብ ዘመናውያን “ኣቤሴሎም” ከነዕቍባ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧ (2 ሳሙ. 15:6) [25 ግን.፡ w12 15/7 ገጽ 13 ሕ.ጽ. 7]
የሆዋ ኣብቲ ኣዝዩ ጽንኩር ግዜ ንዳዊት ዜድልዮ ነገር ዘማልኣሉ ብኸመይ እዩ፧ ካብዚኸ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (2 ሳሙ. 17:27-29) [1 ሰነ፡ w08 15/9 ገጽ 6 ሕ.ጽ. 15-16]
ካብ ኣብነት እቲ ዳዊት ምስ ሓደ ኢታይ ዝስሙ ወሰንተኛ ዝነበሮ ርክብ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (2 ሳሙ. 18:2) [1 ሰነ፡ w09 15/5 ገጽ 27 ሕ.ጽ. 7]
እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣባላት ጉባኤ ኻብ ኣብነት ባርዚላይ ኪጥቀሙ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (2 ሳሙ. 19:33-35) [8 ሰነ፡ w07 15/7 ገጽ 15 ሕ.ጽ. 1-2]
እተን ዳዊት ብዛዕባ ተኣማንነት እተዛረበን ቃላት ነቶም ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ዜጸናንዓኦም ብኸመይ እየን፧ (2 ሳሙ. 22:26 ትርጉም 1990) [15 ሰነ፡ w10 1/6 ገጽ 26 ሕ.ጽ. 6-7]
ናታን ንኣምላኽ ዝነበሮ ተኣማንነት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ ንሕናኸ ነዛ ባህርይ ብኸመይ ክንቀድሓ ንኽእል፧ (1 ነገ. 1:11-14) [22 ሰነ፡ w12 15/2 ገጽ 25 ሕ.ጽ. 1, 4-5]
ከምቲ ሰሎሞን ገይርዎ ኪኸውን ዚኽእል፡ ሓደ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኣበየናይ መዳይ ህይወት እዩ ዕባራ ምኽንያት ብምጥቃም ኣብ ትእዛዛት ኣምላኽ ቀዳዳት ከናዲ ዚኽእል፧ (1 ነገ. 3:1) [29 ሰነ፡ w11 15/12 ገጽ 10 ሕ.ጽ. 12-14]