ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/15 ገጽ 11
  • ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
km 4/15 ገጽ 11

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን፦

“ብዛዕባ ዅላትኩም ኣብ ጸሎትና ኽንጠቅስ ከለና፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ነመስግኖ ኢና፣ ከመይሲ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ነቲ ብእምነት ዝገበርኩምዎ ግብርን ብፍቕሪ ዝጸዓርኩምዎ ጻዕርን ሳላ እታ ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዘላትኩም ተስፋ ዘርኣኹምዎ ተጻዋርነትን ከየቋረጽና ንዝክሮ ኣለና።” (1 ተሰ. 1:2, 3) እዘን ቃላት እዚኣተን ነቲ ብዛዕባኹም ዚስምዓና ስምዒት ክሳዕ ክንደይ ኰን እየን ጽቡቕ ገይረን ዚገልጻኦ! ስሌኹምን ስለቲ እትዓምዎ ዘለኹም ሰናይ ግብርን ንየሆዋ ነመስግኖ ኢና። ስለምንታይ፧

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ምስ ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ብዚምልከት፡ ‘ብእምነት ኣብ ዚግበር ግብርን ብፍቕሪ ኣብ ምጽዓርን’ ትሑዛት ኢኹም ኔርኩም። መብዛሕትኹም፡ ኣገልግሎትኩም ከተስፍሑሉ እትኽእልሉ መገድታት ኣናዲኹም ኢኹም። ገሌኹም ኣብቲ ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታታት ምእንቲ ኸተገልግሉ፡ ናብ ካልእ ቦታታት አረ ናብ ካልእ ሃገራት እውን ግዒዝኩም ኢኹም። ገሌኹም ድማ ኣብቲ ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት ብምክፋል ኣገልግሎትኩም ኣስፊሕኩም ኢኹም። ብርክት ዝበልኩም ከኣ ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ፡ ኣብ እዋን ምብጻሕ ሓላው ወረዳ፡ ወይ ከኣ ኣብቲ ኣብ ነሓሰ 2014 እተገብረ ፍሉይ ወፈራ፡ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዄንኩም ንኸተገልግሉ ተለዓዒልኩም ኢኹም። ሽሕ እኳ ዅነታትኩም ዚፈላለ እንተ ዀነ፡ ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስኹም ተገልግልዎ ስለ ዘለኹም፡ ኣዚና ኢና እንንእደኩም። (ቈሎ. 3:23, 24) ስለቲ ‘ብእምነት እትገብርዎ ዘለኹም ግብሪ’ ንየሆዋ ኸነመስግኖ ብሓቂ ተደሪኽና ኢና!

ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዚግበር ምስ ህንጸት እተፈላለየ ቲኦክራስያዊ መሳለጥያታት ዚተሓሓዝ ‘ብፍቕሪ ዝጸዓርኩምዎ ጻዕሪ’ እውን ኣዚና ነማስወሉ ኢና። ብዝሒ ህዝቢ የሆዋ እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መሳለጥያታት ብህጹጽ የድልየና እዩ። (ኢሳ. 60:22) ሕስብ እሞ ኣብልዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ 8,201,545 ኪኸውን ከሎ፡ ወርሓዊ ገምጋም መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ 9,499,933 እዩ ነይሩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ዕቤት እዚ፡ ሓያሎ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ኪሰፍሕን ኪሕደስን የድሊ ኣሎ። ርግጽ እዩ፡ ከምዚ ኺብሃል ከሎ ዝያዳ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ እውን የድሊ ማለት እዩ! ምስናይዚ፡ ተርጐምቲ ኣብቲ ቛንቋኦም ዚዝረበሉ ኸባቢ ንኺነብሩን ንኺዓይዩን፡ ኣብ ሓያሎ ኽፋላት ምድርና ኣብያተ ጽሕፈት ትርጉም የድሊ ኣሎ።

በዚ መሰረት እዚ፡ ‘ንህንጸት እዚ መሳለጥያታት እዚ ንምድጋፍ፡ እንታይ ክገብር እኽእል’ ኢልና ንገዛእ ርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፧ ገሌና ኣብዚ ናይ ህንጸት ዕዮ ወለንተኛታት ኴንና ኽንዓዪ ንኽእል ንኸውን። ናይ ህንጸት ክእለት ይሃልወና ኣይሃልወና ብዘየገድስ፡ ኵላትና ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ፕሮጀክትታት፡ ጥሪትና ናይ ምውፋይ መሰል ኣሎና። (ምሳ. 3:9, 10) እቲ ማሕደር ይህነጸሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ እስራኤላውያን ኣብዚሖም ይውፍዩ ኻብ ምንባሮም እተላዕለ፡ ሓለፋ እቲ ዜድሊ ንኸይህቡ ዚኽልክል ኣዋጅ ወጸ። (ዘጸ. 36:5-7) ብዘይጥርጥር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነታት ንልብና ይትንክፎን የተባብዓናን እዩ። እቲ ኣብዚ ኣገደስቲ መዳያት ቅዱስ ኣገልግሎት “ብፍቕሪ ዝጸዓርኩምዎ ጻዕሪ፡” ንየሆዋ ንኸነመስግኖ ተወሳኺ ምኽንያት እዩ ዚዀነና።

ኣሕዋትና ዜርእይዎ ዘለዉ ጽኑዕ ተጻዋርነት፡ ንኽንሕጐስ ዜኽእለና ፍሉይ ምኽንያት እዩ። ኣብ ደቡብ ኮርያ ዘለዉ ኣሕዋትና እስከ ኸም ኣብነት ንርአ። ካብ 1950 ኣትሒዙ፡ ኣብታ ሃገር ዚነብሩ መንእሰያት ኣሕዋትና፡ ብሰንኪ ክርስትያናዊ ገለልትነቶም እተፈላለየ ናይ ግዜ ንውሓት ዘለዎ ማእሰርቲ ኺፍረዱ ጸኒሖም እዮም። ኣሕዋትና ነዚ ኣተሓሕዛ እዚ ንወለዶታት ዚኣክል ብምጽዋር ካብ መትከሎም ፈልከት ኣይበሉን። እቲ ኣብነት ጽንዓቶም ንእምነትና የደልድላ እዩ!

ኣብ ኤርትራ፡ ሰለስተ ኣሕዋትና ንልዕሊ 20 ዓመት ተኣሲሮም ኣለዉ። ደቂ ኣንስትዮ ኣሓትናን ደቀንን ዚርከብዎም ካልኦት እውን ካብዚ ንዚሓጽር ግዜ ተኣሲሮም ኣለዉ። ናጻ ንኺወጹ ብዙሕ ጻዕርታት ኪግበር እኳ እንተ ጸንሐ፡ ኵሉ እቲ እተገብረ ጻዕርታት ዛጊት ኣይተዓወተን። ኣሕዋትና ፈጺሞም ኣይተለማመለሙን። ኣብ ትሕቲ ዜሳቒ ዅነታት እውን እንተ ዀነ ንጽህናኦም ሓልዮም እዮም። ነዞም እሙናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ኣብ ጸሎትና ኣይንርስዖምን ኢና።—ሮሜ 1:8, 9።

ሓቂ እዩ፡ መብዛሕትኹም ብሰንኪ እምነትኩም ኣይተኣሰርኩምን። ይኹን ደኣ እምበር፡ ብዙሓት ካባኻትኩም ምስ ምድፋእ ዕድመ፡ ሕዱር ሕማም፡ ካብ ዘይኣማኒ መጻምድቲ ወይ ዘመድ ዚመጽእ ምጽራር ከምኡ እውን ምስ ካልእ ንስኹም ጥራይ እትፈልጥዎ ብሕታዊ ጸገማት ትቃለሱ ኢኹም። ኰይኑ ግና፡ ብተኣማንነት ንየሆዋ ምግልጋል ትቕጽሉ ኣለኹም። (ያእ. 1:12) ኣዚና ኢና እንንእደኩም። እቲ ብተኣማንነት እተርእይዎ ተጻዋርነት፡ ንየሆዋ እነመስግነሉ ኻልእ ምኽንያት እዩ።

እወ፡ እቲ ብእምነት እትገብርዎ ግብርን ብፍቕሪ እትጽዕርዎ ጻዕርን ተጻዋርነትኩምን፡ ‘የሆዋ ሰናይ ስለ ዝዀነ ንኸነመስግኖ’ ዜኽእለና ዜደንቕ ምኽንያት እዩ። (መዝ. 106:1) ንዅላትኩም ኣዚና ኢና እነፍቅረኩም፣ የሆዋ ንኼበርትዓኩምን ንኺድግፈኩምን ንዘለኣለም ምእንቲ ኸተገልግልዎ ንኺባርኸኩምን ጸሎትና እዩ።

ኣሕዋትኩም፡

ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ