መደብ 12 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
12 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 37ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
fg ትምህርቲ 3፡ ክፋል 1-4 (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ እያሱ 21-24 (8 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ እያሱ 24:14–21 (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ንጉስ ኣሃዝ—ፍረ ነገር፦ ኣምልኾ ጣኦት፡ ስምረት ኣምላኽ የስእን—w99 5/15 12-13 (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ተመዓራራዪ ዋጋ ነበረ—td 25ለ (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
ወርሓዊ ፍረ ነገር፦ ‘ብዅሉ ትሕትና ንጐይታ ተገዛእ።’—ግብ. 20:19።
10 ደቒቕ፦ ብዅሉ ትሕትና ንጐይታ ተገዛእ። ምይይጥ። ግብሪ ሃዋርያት 20:19 ኣንብብ። ድሕሪኡ ንሰማዕቲ ኣብዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም፦ (1) እታ ‘ተገዛእ’ እትብል ቃል እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዋ፧ (2) ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ክንግዝኣሉ እንኽእል ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧ (3) ትሕትና እንታይ እያ፧ (4) ትሕትና፡ ኣገልግሎትና ንኽንፍጽም እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧
20 ደቒቕ፦ “ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ንእተቘጥዐ ብዓል ቤት ብኸመይ ከም እትምልሰሉ።” ምይይጥ። ነዛ ዓንቀጽ ምስ ተመያየጥኩምላ፡ ክልተ ኽፋል ዘለዎ ሓጺር መርኣያ ኣቕርብ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ኽፋል፡ ሓደ ኣስፋሒ ንሓደ እተቘጥዐ ብዓል ቤት ብጽቡቕ ኣይምልሰሉን። ኣብቲ ኻልኣይ ክፋል ግና፡ እቲ ኣስፋሒ ብሜላ ይምልስ። ኵሎም ኣስፋሕቲ፡ ኣብ ትሕቲ “ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ነዚ ፈትኖ” ዚብል ርእይቶ ንዘሎ ሓሳባት ኪስዕቡ ኣተባብዓዮም።
መዝሙር 39ን ጸሎትን