ምልክታታት
◼ ታሕሳስ፦ ትራክትታት ወይ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ጥርን ለካቲትን፦ ብስራት ኣምላኽ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ከኣ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ። (እታ ንኣምላኽ ስምዓዮ እትብሃል ብሮሹር፡ ብዙሕ ትምህርቲ ንዘይብሎም ወይ ከኣ ፈጺሞም ንዘይተማህሩ ኽትጥቀሙላ ትኽእሉ ኢኹም። እዚኣቶም ንሕጻናት እውን የጠቓልሉ እዮም።) መጋቢት፦ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን።
◼ ኣብ ዓመተ 2016፡ በዓል ዝኽሪ፡ ረቡዕ 23 መጋቢት ኪኽበር እዩ።
◼ ካብ 1 ጥሪ 2015 ጀሚሩ፡ ጉባኤታት ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም ናይ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ንኼተኵራ ተገይሩ ዝነበረ መሰናድዎ ኺተርፍ እዩ። ኣብ ክንዳኡ፡ ኣስፋሕቲ ኸምቲ ኣብ ካልእ ቀዳም ዚገብርዎ፡ መጽሔታት ኪዕድሉ ይኽእሉ እዮም። ኣብታ ወርሒ ኣብ ዝዀነ እዋን፡ መጽሔታት ወይ ካልእ ንመጽናዕቲ ዚኸውን ጽሑፋት ተጠቒምካ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ይከኣል እዩ።
◼ ንጽል ኣሕዋት ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ንኺስልጥኑ ንሓያሎ ዓመታት ናብ ኬንያ ኽንሰድድ ጸኒሕና ኢና። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዚግበር ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ዓብዪ ኣበርክቶ ኺገብር ጸኒሑ እዩ። ይኹን እምበር፡ ብዙሓት ኣሕዋት ብቕዓት እኳ እንተ ነበሮም፡ ብሰንኪ ሕጽረት ቋንቋ ኺካፈሉ ኣይከኣሉን። ሕጂ ግና፡ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ (SKE) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኺካየድ ብኣመሓዳሪ ኣካል ከም እተፈቕደ ኽንሕብረኩም ከለና ሓጐስና ወሰን የብሉን። እቲ ትምህርቲ ብቛንቋ ኣምሓርኛ ዀይኑ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኺውሰድ እዩ። ኣብ መወዳእታ እዚ ኣገልግሎት ዓመት እዚ ኺጅመር ከኣ ተስፋ ንገብር።