ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“ነዛ ባህ እተብል ሕቶ እሞ ኣስተብህለላ። [ነታ ኣብ ድሕሪት ናይ 1 ሕዳር ግምቢ ዘብዐኛ ዘላ ቐዳመይቲ ሕቶ ኣንብባ።] ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ [ኣብ ትሕቲ እታ ሕቶ ንዘለዋ ኽልተ ሕጡብ ጽሑፋትን እንተ ወሓደ ንሓንቲ ኻብተን ጥቕስታትን ኣንብብ።] የሱስ ስለምንታይ ምዉታት ከም ዘተንስአን እዚ ንዓና እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎን ንኽንመያየጥ፡ ካልእ ግዜ ኽመጽእዶ፧”
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሕዳር
“ኣብ ዓለም ኣዝዩ ብዙሕ ዜስካሕክሕ ነገራት ዜጋጥም፡ ስለምንታይ ምዃኑ ሓሲብካ ትፈልጥዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ራእይ 12:9 መልሱ ይነግረና። [ኣንብብ።] ይኹን እምበር፡ ፍቕዲ 12 ተስፋ ንኽንገብር ምኽንያት ትህበና እያ። [ራእይ 12:12 ኣንብብ።] ድሕሪ ሓጺር እዋን ሰይጣን ዜሕድሮ እኩይ ጽልዋ ኺውገድ እዩ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሕጂ ንርእስና ኻብቲ ንሱ ዜሕድሮ ጽልዋ ብኸመይ ክንሕልዋ ኸም እንኽእልን ድሕሪ ሓጺር እዋን ንሰይጣን እንታይ ከም ዚወርዶን ትገልጸልና እያ። እዚኣ ኸኣ ንዓኻ ኽህበካ።”
ቕሑ! ሕዳር
“ኵሉ ሰብ ሕጉስ ኪኸውን ዚደሊ እኳ እንተ ዀነ፡ ሎሚ ዘለዉ ሓያሎ ሰባት ግና ሕጉሳት ኣይኰኑን። ናይ ሓቂ ሓጐስ ብኸመይ ዚርከብ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ዜሕጕስ ህይወት ንምምራሕ ሓጋዚ ዀይኑ ረኺበዮ እየ። ንኣብነት፡ ነዛ እትስዕብ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ እሞ ኣስተብህለላ። [እብራውያን 13:5 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ንናይ ሓቂ ሓጐስ ዚኸውን ኣርባዕተ መፍትሕ ተጕልሕ።”