መደብ 3 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
3 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 50ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jr ምዕ. 13 ¶20-26 (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘዳግም 14-18 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ዘዳግም 15:16-16:8 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ዛንታ እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን፡ ናይ ዘለኣለም ስቓይ ኣየመልክትን—td 21ሐ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ኣብ ምዃን ዘሎ ብድሆ—fy ገጽ 136 ¶20–ገጽ 139 ¶25 (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ መንእሰያት ንኣገልግሎት ኪዳለዉ ሓግዞም። ምይይጥ። ነታ ቢካም ጂሆቫስ ፍሬንድ—ለትስ ጎ ኢን ሰርቪስ (ዓርኪ ኣምላኽ ኩን—ናብ ኣገልግሎት ንኺድ።) እትብሃል ቪድዮ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጻ። (ናብ jw.org ኺድ እሞ፡ ድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ BIBLE TEACHINGS > CHILDREN ዚብል ርአ።) ንመንእሰያት ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦ ናይ ኣገልግሎት ቦርሳ ዘለኩም ክንደይ መንእሰያት ኢኹም፧ ኣብ ቦርሳኹም እንታይ ሒዝኩም ኣለኹም፧ ሶፍያ ፈለማ ኣብ ቦርሳኣ ዘእተወቶ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ካልእ እንታይ ኣድልዩዋ ነይሩ፧ ኣብ ቦርሳኣ ዜድልያ ነገራት ምስ ኣእተወት፡ ምስ ኣዴኣ ዀይና እንታይ ኣገዳሲ ነገር ክትገብር እያ ኽትከይድ፧ ሓደ መንእሰይ መጽሔት ኬበርክት ከሎ ዜርኢ መርኣያ ኸም ዜቕርብ ግበር።
10 ደቒቕ፦ ገሊኦም ነቲ ቓል ብኸመይ ብህጹጽ ከም ዚሰብኩ። ሓደ ሽማግለ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዚገብርዎ ተሳትፎ ኼዛይዱ ወይ ፈለምቲ ዀይኖም ምእንቲ ኼገልግሉ መደባቶም ንምትዕርራይ ግብራዊ ስጕምቲ ንዝወሰዱ ኽልተ ወይ ሰለስተ ኣስፋሕቲ ቓለ መጠይቓት ይገብረሎም። ንኣገልግሎት ወፍሪ ዚምልከት እታ ጉባኤ ዝገበረቶ መሰናድዎ ብምግላጽን ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ንኪኻፈሉ ግብራዊ ስጕምቲ ንኺወስዱ ንዅሎም ብምትብባዕን ዛዝም።
10 ደቒቕ፦ ኣገልግሎትካ ብኸመይ ተመሓይሹ፧ ብሓላው ኣገልግሎት ዚቐርብ ምይይጥ። ሰማዕቲ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ፡ “ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ” ዚብል ዓንቀጻት ኣብ እተፈላለየ መዳያት ኣገልግሎቶም ንኼመሓይሹ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ሓሳብ ይሃቡ። ኣብዚ ዓንቀጻት እዚ ንዝወጸ ርእይቶታት ኣብ ግብሪ ብምውዓል ብህጹጽ ንኺሰብኩ ብምትብባዕ ድማ ደምድም።
መዝሙር 17ን ጸሎትን