መደብ 13 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
13 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 8ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jr ምዕ. 13 ¶1-7 (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘዳግም 4-6 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ዘዳግም 4:29-43 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ሲኦል—ሰባት ብሓዊ ዚሳቐይሉ ቦታ ኣይኰነን—td 21ሀ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግብረ ሶዶም እንታይ ይብል፧—w11 1/11 ገጽ 7 ¶1–2 (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ብህጹጽ ምስባኽ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ን2 ጢሞቴዎስ 4:2 ዜጕልሕ ብውዕውዕ ስምዒት ዚቐርብ መደረ። ነቲ ኣብ ናይ 15 መጋቢት 2012 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 16-17 ሕጡብ ጽሑፍ 7-9 ዘሎ ሓሳብ ተጠቐም።
10 ደቒቕ፦ ስብከትና ህጹጽ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ናይ 15 መጋቢት 2012 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 15-16 ሕጡብ ጽሑፍ 3-6 ኸምኡ እውን ኣብ ገጽ 18 ሕጡብ ጽሑፍ 14-18 ኣብ ዘሎ ሓሳባት ተመርኲስካ፡ ብሽማግለ ዚቐርብ መደረ። ነቲ “ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ” ዚብል ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ዚወጽእ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ኣብ ግብሪ ምውዓል፡ ብናይ ህጹጽነት መንፈስ ንኽንሰብኽ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ኣጕልሕ።
15 ደቒቕ፦ “ንዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ ተጠቐመሉ!” ሕቶታትን መልስታትን። ንሕጡብ ጽሑፍ 3 ኽትመያየጡላ ኸለኹም፣ ንሰማዕቲ፡ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ኪህቡ ኸለዉ ንዝረኸብዎ ተመክሮ ኼዘንትዉ ዓድሞም። ምስ ወርሓዊ ፍረ ነገር ኣተሓሒዝካ ደምድም። ሰማዕቲ ነቲ ኣብ ዚቕጽል ሰሙን ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ዚቐርብ “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝርርብ” ዚብል ክልተ ዓንቀጻት ኬንብብዎ ድማ ኣተባብዓዮም።
መዝሙር 17ን ጸሎትን