ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“ሓያሎ ሰባት ብመላእኽቲ ይኣምኑ እዮም። ንስኻኸ ትኣምን ዲኻ፧ [መልሲ ተጸበ።] መላእኽቲ ኣዝዮም ሓያላት መንፈሳውያን ፍጡራት እዮም፣ እሞኸ ኺሕግዙና ዚኽእሉዶ ይመስለካ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሎሚ መላእኽቲ ንሰባት ብኸመይ ከም ዚሕግዝዎም ይነግረና እዩ።” ነታ ኣብ ናይ 1 መስከረም ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 16 ዘላ ዓንቀጽ ኣርእዮ እሞ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ናይ መጀመርታ ሕቶ ንዘሎ ሓሳባትን እንተ ወሓደ ንሓደ ኻብቲ ጥቕስታትን ተመያየጡሉ። ነተን መጽሔታት ኣበርክተሉ፣ ነቲ ቐጺሉ ዘሎ ሕቶ ተመሊስካ ንኽትመያየጠሉ ኸኣ መደብ ግበር።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 መስከረም
“ሰብ ንምድሪ ብምብልሻው፡ ክትዕረ ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ዜብጽሓ ዘሎ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ሽሕ እኳ ሰብ ነቲ ዘውረዶ ጕድኣት ኬዐርዮ ዘይክእል እንተ ዀነ፡ ኣምላኽ ኬዐርዮ ኸም ዚኽእልን ኬዐርዮ ኸም ዚደልን መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። ኣብ መዝሙር 65:9 እዚ መረጋገጺ እዚ ተዋሂቡና ኣሎ። [ኣንብብ።] እዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ብኸመይ ከም ዚከናኸናን ንሕና እውን ነዚ መጻኢ በረኸት እዚ ብኸመይ ክንረኽቦ ኸም እንኽእል ትገልጽ እያ። ንኸተንብባ ኺገድፈልካዶ፧”
ንቕሑ! መስከረም
“ሓያሎ ሰባት፡ ኣስራሕቶም ካብ መጠን ንላዕሊ ከም ዜስርሕዎምን ካብዚ ጸቕጢ እዚ ኺወጹሉ ዚኽእሉ መገዲ ኸም ዘየለን ዀይኑ ይስምዖም። ክኢላታት ከም ዚብልዎ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ምስራሕ ሓይልኻ ኺጽንቅቕ ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣካላውን ስምዒታውን ጕድኣት ኬስዕብ ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ሚዛናዊ ዝዀነ ናብራ ንኺነብር እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል ምበልካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ሓንቲ እተመራምር ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብበልካ። [መክብብ 4:6 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ነቲ ኣብ ህይወትና ብቐዳምነት እንሰርዖ ነገራት ንኸነተዓራርዮን ኣብ ስራሕ ሓይልና ኺጽንቀቕ ከሎ ንኽንዋጽኣሉን ኪሕግዘና ዚኽእል ኣርባዕተ ግብራዊ መገድታት ከም ዘሎ ትገልጽ።”