ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት፡ ኣብታ 28 ሚያዝያ 2014 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ዚውሰድ ድግማ እዩ።
ዮሴፍ ምስ ሰበይቲ ጶጢፋር ጾታዊ ርክብ ምእንቲ ኸይፍጽም ኢሉ ኺሃድም ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ (ዘፍ. 39:7-12) [3 መጋ፡ w13 15/2 ገጽ 4 ሕ.ጽ. 6፣ w07 15/10 ገጽ 23 ሕ.ጽ. 16]
ዮሴፍ፡ ግፍዕን መከራን ንዚወርዶም ሰባት፡ ሰናይ ኣብነት ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧ (ዘፍ. 41:14, 39, 40) [10 መጋ፡ w04 15/1 ገጽ 29 ሕ.ጽ. 6፣ w04 1/6 ገጽ 20 ሕ.ጽ. 4]
ዮሴፍ ንኣሕዋቱ ኽንድዚ ዚኣክል ምሕረት ኬርእዮም ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ [17 መጋ፡ w99 1/1 ገጽ 30 ሕ.ጽ. 6-7]
ኣብ መወዳእታ፡ ነገድ ብንያም ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 49:27 ዚርከብ ትንቢት ከም ዚፍጸም ዝገበረ ብኸመይ እዩ፧ [24 መጋ፡ w12 1/1 ገጽ 29፡ ሳጹን]
ዘጸኣት 3:7-10 ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ትምህረና፧ [31 መጋ፡ w09 1/3 ገጽ 15 ሕ.ጽ. 3-6]
የሆዋ ብግዜ ሙሴ ምስ ሓደ መዳይ ትርጕም ስሙ ብምስምማዕ ስጕምቲ ዝወሰደ ብኸመይ እዩ፧ (ዘጸ. 3:14, 15) [31 መጋ፡ w13 15/3 ገጽ 25-26 ሕ.ጽ. 5-6]
ብመሰረት ዘጸኣት 7:1፡ ሙሴ “ንፈርኦን ኣምላኽ” ዝዀኖ ብኸመይ እዩ፧ [7 ሚያ፡ w04 15/3 ገጽ 25 ሕ.ጽ. 7]
እስራኤላውያን፡ ነቲ የሆዋ ኻብ ግብጺ ኼውጽኦም ከሎ እተጠቕመሉ ንምድሓን ዘለዎ ኽእለት፡ ብዓይኖም እኳ እንተ ረኣይዎ፡ ደሓር ግና እንታይ ኣመለኻኽታ እዮም ኣርእዮም፧ ንሕናኸ ኻብዚ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ (ዘጸ. 14:30, 31) [14 ሚያ፡ w12 15/3 ገጽ 26-27 ሕ.ጽ. 8-10]
እቲ “በኽናፍ ንስሪ ጾይረ” ዚብል መግለጺ፡ የሆዋ ነቶም ተመክሮ ዘይነበሮም ህዝቢ እስራኤል፡ ብኸመይ ብፍቕሪ ኸም ዝሓዞም ብግቡእ ዚገልጾ ስለምንታይ እዩ፧ (ዘጸ. 19:4) [28 ሚያ፡ w96 15/6 ገጽ 10 ሕ.ጽ. 5–ገጽ 11 ሕ.ጽ. 2]
የሆዋ “ሓጢኣት ኣቦታት” ንመጻኢ ወለዶ ዚቐጽዕ ብኸመይ እዩ፧ (ዘጸ. 20:5) [28 ሚያ፡ w04 15/3 ገጽ 27 ሕ.ጽ. 1]