ምልክታታት
◼ ለካቲት፦ ብስራት ኣምላኽ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ከኣ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ። (እታ ንኣምላኽ ስምዓዮ እትብሃል ብሮሹር፡ ብዙሕ ትምህርቲ ንዘይብሎም ወይ ከኣ ፈጺሞም ንዘይተማህሩ ኽትጥቀሙላ ትኽእሉ ኢኹም።) መጋቢትን ሚያዝያን፦ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን። ግንቦት፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ወይ ትራክትታት።
◼ ናይ 2014 በዓል ዝኽሪ ኣብ ዚግበረሉ ወቕቲ ዚውሃብ ፍሉይ ህዝባዊ መደረ፡ “ኣምላኽ ፈቃር ክነሱ፡ እከይ ኪህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧” ዚብል እዩ።
◼ ኣስፋሕቲ ሰደቓ ወይ ዓረብያ ተጠቒሞም ኬገልግሉ ኸለዉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኪዝርግሑ የብሎምን። ይኹን እምበር፡ ንዚሓትቱ ወይ ብዛዕባ ሓቂ ልባዊ ተገዳስነት ንዜርእዩ ሰባት ዚዕድልዎ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕዙ ይኽእሉ እዮም።