24 ለካቲት እትጅምር ሰሙን መደብ
24 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 10ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jr ምዕ. 3 ¶1-6 (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘፍጥረት 32-35 (10 ደቒቕ)
ድግማ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት (20 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ኣተኵር። መደረ። ኣብ መጋቢት፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ ንኣገልግሎት ወፍሪ ብዚምልከት ኣብታ ጉባኤ እንታይ ምድላዋት ኪግበር ከም እተሓስበ ግለጽ። ነቲ ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ተጠቒምካ፡ መርኣያ ኣቕርብ።
15 ደቒቕ፦ ዘይምሕላል ዘለዎ ኣገዳስነት። ኣብ መጽሓፍ ዓመት 2013 (እንግሊዝኛ)፡ ካብ ገጽ 45፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1 ኽሳዕ ገጽ 46፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ገጽ 136-137 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንሰማዕቲ፡ ካብቲ ተመክሮ ብዛዕባ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።
10 ደቒቕ፦ “ወፈራ ዕድመ በዓል ዝኽሪ፡ 22 መጋቢት ኪጅምር እዩ።” ብሓላው ኣገልግሎት ዚቐርብ መደረ። ንዅሎም ኣስፋሕቲ ሓሓንቲ ቕዳሕ ወረቐት ዕድመ ኸም ዚዕደል ግበር፣ ድሕሪኡ ነቲ ትሕዝቶኡ ተመያየጡሉ። ካብታ ንሽማግለታት እተላእከት መምርሒ ዝሓዘት ደብዳበ፡ ግብራዊ ነጥብታት ጥቐስ፣ ክሊ እታ ጉባኤ ንምሽፋን እንታይ ምድላዋት ኪግበር ከም እተሓስበ ድማ ግለጽ።
መዝሙር 5ን ጸሎትን