ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ጥርን ለካቲትን፦ ብስራት ኣምላኽ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ ወይ ከኣ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ። (እታ ንኣምላኽ ስምዓዮ እትብሃል ብሮሹር፡ ብዙሕ ትምህርቲ ንዘይብሎም ወይ ከኣ ፈጺሞም ንዘይተማህሩ ኽትጥቀሙላ ትኽእሉ ኢኹም።) መጋቢትን ሚያዝያን፦ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን።
◼ ኣብቲ ጽሑፋትና ዚቕመጠሉ መኽዘን ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፦ ንዓይ ዚኸውን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ (ንንኣሽቱ ቘልዑ) ብሲዳምኛ፡ ብትግርኛ፡ ብኣምሓርኛ፡ ብእንግሊዝኛ፡ ብኦሮምኛ፡ ብወላይትኛ፣ ትራክት ቍ. 30, 31, 32, 33, 34, 35 በዝን ብኻልእ ብዙሕ ቋንቋታትን፣ ኢሚቴት ዘያር ፈይዝ (ቻይንኛ፡ ስዋሂሊ፡ ኣምሓርኛ፡ እንግሊዝኛ፡ ፈረንሳይኛ)፣ መሐበሪ ምርምር (ሲዳምኛ፡ ትግርኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ኦሮምኛ፡ ወላይትኛ)፣ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታት—1ይ ጥራዝ፣ ንምይይጥ ዚኸውን ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ (ኦሮምኛ)፣ “ንዓ ስዓበኒ” (ኦሮምኛ)፣ ዘ ፕሮዲጋል ሪተርንስ—ኦን ዲቪዲ (እንግሊዝኛ)፡ ኦርጋናይዝድ ቱ ሼር ዘ ጉድ ኒውስ/ኣዋር ሆል ኣሶሴሽን ኦቭ ብራዘርስ—ብዲቪዲ (ኣምሓርኛ)።
◼ እታ መሐበሪ ምርምር እትብሃል ሓዳስ ሕታም፡ ብብዙሕ ቋንቋታት ብኤለክትሮኒክ መልክዕ እውን፡ ኣብ ዎችታወር—ኦንላይን ላይብረሪ (ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት) ኸም እተዳለወ ኸነፍልጠኩም ንፈቱ። እዚ ኸኣ ሲዳምኛን ትግርኛን ኣምሓርኛን ኦሮምኛን ወላይትኛን የጠቓልል። ኣብዚ ቤተ መጻሕፍቲ እዚ ንምእታው፡ wol.jw.org ጽሒፍካ፡ ድሕሪኡ ሕንጻጽ / ኣስዒብካ ኸኣ ኣሕጽሮት እተን ቋንቋታት፡ ማለት ብመስርዕ እቲ ዝርዝር SID, TI, AM, OM, WAL ጸሓፍ። ንኣብነት፡ ቤተ መጻሕፍቲ ትግርኛ ንምኽፋት፡ wol.jw.org/ti ኢልካ ጽሓፍ። ኣብቲ ቤተ መጻሕፍቲ ንምእታው ዚሕግዝ ካልእ ቀሊል መገዲ እውን ኣሎ። እዚ ኸኣ jw.org/ti ምስ ጸሓፍካ፡ “ሕታማት” ዚብል ጠውቕ እሞ ኣብ ትሕቲኡ “ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት” ዚብል ክትረክብ ኢኻ። ኣብ የማን ብሸነኽ ላዕሊ ድማ፡ ዝርዝር እተን ቤተ መጻሕፍቲ እተዳለወለን ቋንቋታት ኣሎ።