ተመክሮታት
◼ ኣውስትራልያ፦ ጆን እተባህለ ሓደ እተማህረ ሰብ፡ ብቝልዕነቱ ናብ ቤተ ክርስትያን ይኸይድ እኳ እንተ ነበረ፡ ደሓር ግና፡ ኢዘሀራዊ ብምዃን “ኣምላኽ የለን” ዚብል ጽኑዕ መርገጽ ሓዘ። ሓደ ፈላሚ ነታ ዎዝ ላይፍ ክሪኤትድ፧ (ህይወት ተፈጢሩ ድዩ፧) ዘርእስታ ብሮሹር ኣበርከተሉ፣ ብተኸታታሊ ተመላሊስካ ምብጽሕ ድሕሪ ምግባር ድማ፡ ነታ ዘ ኦርጅን ኦቭ ላይፍ (መበቈል ህይወት) ዘርእስታ ብሮሹር ኣበርከተሉ። እቲ ፈላሚ፡ እዋናዊ መጽሔታት ብምሃብ፡ ብዛዕባ ፍጥረት ወይ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ንዚገልጽ ዓንቀጻት መብርሂ እናሃበ ንተገዳስነት እቲ ሰብኣይ ምዅስኳሱ ቐጸለ። ጸኒሑ ድማ፡ ጆን ድሉው ከም ዝዀነ ምስ ሓሰበ፡ ነታ ዘ ባይብል—ጎድስ ዎርድ ኦር ማንስ፧ (መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቃል ኣምላኽ ድዩ ወይስ ቃል ሰብ፧) ዘርእስታ መጽሓፍ ኣበርከተሉ። ጆን ነታ መጽሓፍ ድሕሪ ምንባቡ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝነበሮ ኣመለኻኽታ ኺለዝብ ከም ዝጀመረ ገለጸ። ድሕሪኡ፡ እቲ ፈላሚ ንጆን ካብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 20፡ ሕጡብ ጽሑፍ 8፣ ኣብ ገጽ 23-24፡ ሕጡብ ጽሑፍ 13-16 ዘሎ ሓሳብ ኣመያየጦ። እቲ እተጠቕሰ ጥቕስታት ንጆን ኣዝዩ ስለ ዝመሰጦ፡ “ምናልባት ሕጂ ንመጽሓፍ ቅዱስ እንደገና ኸጽንዖ የድልየኒ ይኸውን” በለ።
◼ መክሲኮ፦ ሓደ ሰብኣይ ንሓደ ኣስፋሒ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ምዃኑ ኸም ዘይኣምነሉ ነገሮ። እቲ ኣስፋሒ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ ከም እተጻሕፈ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኬርእዮ ዚደሊ እንተ ዀይኑ ሓተቶ፣ እቲ ሰብኣይ ድማ ተሰማምዐ። ድሕሪ እተወሰነ ምይይጥ፡ እቲ ሰብኣይ ብምኽንያት እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምሃሮ ዝነበረ ነገር፡ ልቡ ኺትንከፍ ጀመረ። ብፍላይ ዝተንከፎ ድማ፡ እቲ ብዛዕባ ስርዓታት ኣምላኽ ዚገልጽ ትምህርቲ እዩ። እቲ ሰብኣይ ነቲ ኣስፋሒ፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ንፈለማ እዋን ከነንብቦ ኸለና፡ ልክዕ ከምቲ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ መጽሓፍ ዚርከብ ምኽሪ ስለ ዚመስል፡ ኣይትንክፈንን እዩ ነይሩ። ሕጂ ግና ኸነንብቦ ኸለና፡ ብፍላይ እቲ ንስነ ምግባር ብዚምልከት ዚህቦ ምኽሪ፡ ንልበይ ይትንክፎ እዩ” በሎ።
◼ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፦ ሰብ ሓደር ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ኣብቲ ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ዚውሃብ ፍሉይ ምስክርነት ኣብ እተኻፈሉሉ እዋን፡ ጓል ታይዋን ዝዀነት ኣብ ኣምላኽ እትኣምን፡ ግናኸ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምዕራባውያን እተጻሕፈ ዀይኑ ዚስምዓ ዝነበረ ሰበይቲ ኣጋጠመቶም። ጽሑፋቶም ኬርእይዋ ኸለዉ ፍቓደኛ እያ ነይራ፣ ከመይሲ፡ ሓደ እዋን ጽቡቕ ህይወት ትመርሕ እኳ እንተ ነበረት፡ ሕጂ ግና ከም ዝጠፍአት ኰይኑ እዩ ዚስምዓ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ንኽትመርሕ ኪሕግዛ ተስፋ ገበረት። እቶም ሰብ ሓዳር፡ በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍን በታ ላስቲንግ ፒስ ኤንድ ሃፒነስ—ሃው ቱ ፋይንድ ዘም (ነባሪ ሰላምን ሓጐስን ብኸመይ ከም ዚርከብ) ዘርእስታ ብሮሹርን ተጠቒሞም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑላ ጀመሩ። ንምዕራፍ 2 እታ መጽሓፍ ገዲፎም ከኣ፡ ነቲ ኣብታ ብሮሹር ዘሎ ኤ ጋይድ ቡክ ፎር ዘ ብለሲንግ ኦቭ ማን ካይንድ ዚብል ክፍሊ ተመያየጡሉ። ነተን ናይ መጀመርታ ሽዱሽተ ሕጡብ ጽሑፋት ምስ ተመያየጡለን፡ እታ ሰበይቲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ካልእ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ኪነጻጸር ከሎ፡ ኣዝዩ ፍሉይ መጽሓፍ ከም ዝዀነ ኣድንቖታ ገለጸት። ነቲ ፍጻሜኡ ዝረኸበ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ረኣየት ድማ፡ “ከም መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ትኽክል ከም ዝዀነ ኽሓስቦ ዝኽእል ካልእ መጽሓፍ የለን!” በለት።
◼ ጃፓን፦ ዋላ እኳ ሓደ ብዓል ቤት ንሓደ ኣስፋሒ፡ ኣብ ኣምላኽ ከም ዘይኣምን እንተ ነገሮ፡ እቲ ኣስፋሒ ግና ነቲ ኣብ ንቕሑ! ዚወጽእ “ተነዲፉ ድዩ፧” ዚብል ዓምዲ ብምምይያጥ ሓጺር ምብጻሕ ካብ ምግባር ዓዲ ኣይውዓለን። እቲ ሰብኣይ በብቝሩብ ርእይቶኡ ብምቕያር፡ ፈጣሪ ኺህሉ ኸም ዚኽእል ዚገልጽ ሓሳብ ኪህብ ጀመረ። ሕጂ፡ ኣብ ኣምላኽ ይኣምን እዩ፣ ምስቲ ኣስፋሒ ዀይኑ ድማ በታ ብስራት ኣምላኽ ዘርእስታ ብሮሹር መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዕ ኣሎ።
◼ ካናዳ፦ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ካብ ገዝኣ ወጺኣ ናብ ማኪናኣ እናኸደት ከላ፡ እዋናዊት መጽሔት ተቐበለት። ካልእ ግዜ፡ እታ ዘበርከተትላ ሓብቲ ናብታ ሰበይቲ ምስ ተመልሰት፡ እታ ሰበይቲ ተገዳስነት ከም ዘይብላን ኣብ ኣምላኽ ከም ዘይትኣምንን ኣትሪራ ተዛረበታ። እታ ሓብቲ በዚ ተስፋ ኸይቈረጸት ነታ ኤ ሳቲስፋይን ላይፍ—ሃው ቱ ኣተይን ኢት (ዜዕግብ ህይወት ብኸመይ ከም ዚርከብ) ዘርእስታ ብሮሹር ከተምጽኣላ ወሰነት። እታ ሓብቲ ነታ ሰበይቲ ኣብ ቤታ ምስ ረኸበታ፡ ኣብ ኣምላኽ ከም ዘይትኣምን እንተ ፈለጠት፡ ንጽል ወላዲት ምዃና ስለ ዘስተውዓለት ብዛዕባኣ ትሓስብ ከም ዝነበረት ነገረታ።ቀጺላ፡ ኣብታ ብሮሹር፡ ኣብ ገጽ 4፡ ሕጡብ ጽሑፍ 6፡ ጽቡቕ ምኽሪ ኻበይ ኪርከብ ከም ዚከኣል ንዚገልጽ ሓሳብ ኣርኣየታ። ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣብ ትምህርቲ 2 ዘሎ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቘልዑ ዚገልጽ ሓሳብ ከተንብቦ ኣተባብዓታ። እታ ሰበይቲ ተሓጒሳ ነታ ብሮሹር ተቐበለታ።