መደብ 7 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
7 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 47ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 27 ¶19-26፡ ኣብ ገጽ 212, 214, 217 ዘሎ ሳጹናት (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ኤፌሶን 1-6 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ኤፌሶን 4:1–16 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ቅድም ጽድቂ ኣምላኽ ምድላይ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧—ማቴ. 6:33 (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ኵሎም ሰባት ብሰንኪ ሓጢኣት ኣዳም ዚሳቐዩ ስለምንታይ እዮም፧—td 3ለ(5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ኣብ ጥቅምቲ መጽሔታት ንምዕዳል ዚጠቅም ሓሳባት። ምይይጥ። እተን መጽሔታት ኣብ ክልኹም ሰፊሕ ተቐባልነት ኪህልወን ዚኽእለሉ ምኽንያት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ግለጽ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ፡ ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ግምቢ ዘብዐኛ ተጠቒሞም እንታይ ተገዳስነት ዜለዓዕል ሕቶ ኺሓትቱ ኸም ዝሓሰቡ ሕተቶም። ካብኡ፡ ነየነይቲ ጥቕሲ ኼንብቡ ኸም ዝወሰኑ ኺገልጹ ዓድሞም። ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ንቕሑ! እውን ከምኡ ግበር፣ ግዜ እንተ ኣልዩ ድማ ካብ ሓዲኡ መጽሔት ካልእ ዓንቀጽ ወስኽ። ነፍሲ ወከፍ መጽሔት ብኸመይ ክትብርከት ከም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
10 ደቒቕ፦ ዚጽዕሩ። (1 ተሰ. 5:12, 13) ንኽልተ ሽማግለታት ቃለ መጠይቕ ግበረሎም። ኣብ ጉባኤኦምን ኣብ ካልእ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታትን እንታይ ዕዮታት እዩ ዘለዎም፧ ኣብ ርእሲ እቲ ዓለማውን ናይ ስድራ ቤትን ሓላፍነታቶም፡ ነቲ ዕዮታት ኪስከምዎ ዚኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ ንኣገልግሎቶም ቀዳምነት ዚህቡ ብኸመይ እዮም፧ ኣባላት ስድራ ቤቶም ደገፍ ዚገብሩሎም ብኸመይ እዮም፧
መዝሙር 42ን ጸሎትን