ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ነሓሰ፦ ብስራት ኣምላኽ፡ ንኣምላኽ ስምዓዮ፡ ወይ ንኣምላኽ ስምዓዮ እሞ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ (እታ ንኣምላኽ ስምዓዮ እትብሃል ብሮሹር ብዙሕ ትምህርቲ ንዘይብሎም ወይ ፈጺሞም ንዘይተማህሩ ኽትጥቀሙላ ትኽእሉ ኢኹም።) መስከረምን ጥቅምትን፦ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ!። ሕዳር፦ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 38።
◼ ካብታ 28 ጥቅምቲ 2013 እትጅምር ሰሙን ኣትሒዙ፡ እታ ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧ ዘርእስታ ብሮሹር፡ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ኽትጽናዕ እያ። እታ ብሮሹር ምስ ተዛዘመት፡ እታ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ ካብታ 6 ጥሪ 2014 እትጅምር ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣብ ጉባኤ ኽትጽናዕ እያ። ቅዳሓት እዛ መጽሓፍ እዚኣ ዚደልያ ጉባኤታት፡ ኣብ ዚቕጽል መሕተቲ ጽሑፋት ኪእዝዛ ኣለወን።
◼ ካብ መስከረም ኣትሒዙ፡ ሓለውቲ ወረዳ ‘ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ዚኸውን ብስራት’ ዜርእስቱ መደረ ኬቕርቡ እዮም።
◼ ብደገፍ ኣዲስ ኣበባ ጉባኤ ፒያሳ፡ ሓንቲ ጕጅለ ቛንቋ ምልክት ተመስሪታ ኣላ። እዛ ጕጅለ እዚኣ፡ ነቶም ኣብታ ጉባኤን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ከባቢኣን ዘለዉን ጽሙማን ዚኸውን ኣኼባታት ቋንቋ ምልክትን ዕዮ ምስክርነትን ተዳሉ። ስለዚ፡ ኣብ ክልኻ ጽሙማን ከም ዘለዉ እንተ ደኣ ፈሊጥካ፡ ነዚ ሓበሬታ እዚ ጽሒፍካ ንጸሓፊ ጉባኤኻ ሃቦ፣ ንሱ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ጉባኤ ፒያሳ ኼተሓላልፎ እዩ። ነዚ ዕላማ እዚ፡ ነታ “በጃኻ ተኸታተሎ” (S-43) እትብሃል ፎርም እንተ ተጠቐምካ ይምረጽ።
◼ ብደገፍ ኣዲስ ኣበባ እንግሊዝኛ ጉባኤ፡ ጕጅለ ቻይንኛ ኸም እተመስረተት ከነፍልጠኩም ንፈቱ። ብቻይንኛ ዚግበር ኣኼባታት፡ ወትሩ ሰንበት ሰዓት 4 ድ.ቀ. እዩ ዚግበር። ስለዚ፡ ኣብ ክልኹም ቻይናውያን እንተ ደኣ ረኺብኩም፡ ነታ ጕጅለ ኽትሕብርዋ ንሓትተኩም። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ጸሓፊ ጉባኤኹም ኪሕግዘኩም ይኽእል እዩ፣ ነታ “በጃኻ ተኸታተሎ” (S-43) እትብሃል ፎርም፡ ነዚ ዕላማ እዚ ተጠቐሙላ። ብዘይካዚ፡ ኣቐዲሙ ኸም እተሓበረ፡ እንግሊዝኛ ዚዛረቡ ወይ ካልእ ቋንቋ ወጻኢ ዚዛረቡ ሰባት እንተ ደኣ ረኺብኩም፡ ንኣዲስ ኣበባ እንግሊዝኛ ጉባኤ ሓብርዋ።