መደብ 3 ሰነ እትጅምር ሰሙን
3 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 38ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 21 ¶14-22 (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዮሃንስ 17-21 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ዮሃንስ 21:15-25 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ‘ደድሕሪ ብዙሓት’ ክንስዕብ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧—ዘጸ. 23:2፣ ምሳ. 1:10 (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ጥንቈላ፡ ግብሪ ኣጋንንቲ ስለ ዝዀነ፡ ከነርሕቖ ኣሎና—td 40መ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ኣብ ሰነ መጽሔታት ንምዕዳል ዚጠቅም ሓሳባት። ምይይጥ። እተን መጽሔታት ኣብ ክልኹም ሰፊሕ ተቐባልነት ኪህልወን ዚኽእለሉ ምኽንያት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ ግለጽ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ፡ ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ግምቢ ዘብዐኛ ተጠቒሞም እንታይ ተገዳስነት ዜለዓዕል ሕቶ ኺሓትቱ ኸም ዝሓሰቡን ነየነይቲ ጥቕሲ ኼንብቡ ኸም ዝወሰኑን ኪገልጹ ዓድሞም። ነቲ ተኸታታሊ ኣርእስትታት ገበር ንቕሑ! እውን ከምኡ ግበር፣ ግዜ እንተ ኣልዩ ድማ ካብ ሓዲኡ መጽሔት ካልእ ዓንቀጽ ወስኽ። ነፍሲ ወከፍ መጽሔት ብኸመይ ክትብርከት ከም እትኽእል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።
10 ደቒቕ፦ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ እንህብ ስለምንታይ ኢና፧ ጸሓፊ ጉባኤ ኣብታ እተወደበ እትብሃል መጽሓፍ፡ ካብ ገጽ 88፡ ሕጡብ ጽሑፍ 2 ኽሳብ ገጽ 90፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1 ኣብ ዘሎ ሓሳባት ተመርኲሱ ዜቕርቦ መደረ።
10 ደቒቕ፦ ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
መዝሙር 17ን ጸሎትን